Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

mystery


ቈሎሴ 2:1-3 | 12 Helpful votes

ምእንታኹምን ምእንቲ እቶም ኣብ ሎዲቅያ ዘለውን ምእንቲ እቶም ገጸይ ብስጋ ዘይረኣዩን ከኣ፡ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ጻዕሪ ኸም ዘሎኒ፡ ክትፈልጡ እደሊ አሎኹ። ብፍቕርን ብዅሉ ሃብቲ ናይ ምሉእ ኣእምሮን፡ ንፍልጠት እቲ ምስጢር ኣምላኽ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ፡ ብሓደ ሰሚሮም ልቦም ምእንቲ ኺጸናናዕ፡ ብዘሎ መዝገብ ጥበብን ፍልጠትን ኣብኡ ተሰዊሩ አሎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 3:2-6 | 10 Helpful votes

ቀደም ኣሕጺረ ኸም ዝጸሐፍኩ፡ እቲ ምስጢር ከመይ ኣቢሉ ብራእይ ከም ዘፍለጠኒ ብዛዕባ እቲ ስሌኻትኩም እተዋህበኒ መጋቢነት ጸጋ ኣምላኽ ሰሚዕኩምዎ እንተ ዄንኩምሲ፡ ምስ ኣንበብኩምዎ፡ ነቲ ኣብ ምስጢር ክርስቶስ ዘሎኒ ፍልጠት ከተስተውዕልዎ ይዀነልኩም እዩ። ከምቲ እዚ ሕጂ ነቶም ቅዱሳኑ ሃዋርያቱን ነብያቱን ብመንፈስ እተገልጸሎም ኰይኑ፡ ኣብቶም ካልኦት ወለዶ ንደቂ ኣዳም ኣይተፈልጠን። ማለት፡ ኣህዛብሲ መዋርስቲ፡ ሓደ ስጋ፡ ብወንጌልውን ኣብ የሱስ ክርስቶስ መማቕልቲ ተስፋ ኸም ዝዀኑ፡

Translation | Context
ማቴዎስ 13:11-13 | 8 Helpful votes

መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውስኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። እናረአዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:26-27 | 7 Helpful votes

ማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡ ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 7 Helpful votes

ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።

Translation | Context
ማቴዎስ 13:11 | 6 Helpful votes

መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኽእትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:28-32 | 6 Helpful votes

ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:25-27 | 5 Helpful votes

ኣነ፡ ከምቲ ንኣይ ናባኻትኩም እተዋህበ መጋቢነት ኣምላኽ፡ ቃል ኣምላኽ ኣብ ኵሉ ኽመልእ እየ ኣገልጋሊ ማሕበር ዝዀንኩ። ማለት፥ እቲ ኻብ ዘለኣለምን ካብ ውሉድ ወለዶን ተሰዊሩ ዝነበረ ሎሚ ግና ንቕዱሳኑ እተገልጸ ምስጢር፡ ሃብቲ ኽብሩ ነዚ ምስጢር እዚ ኣብ ኣህዛብ እንታይ ምዃኑ ኼፍልጦም ንዝደለዮም፡ ንሱውን ክርስቶስ ኣባኻትኩም፡ ተስፋ ኽብሪ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 29:29 | 4 Helpful votes

እቲ ስዉር ነገር ዘበለ ናይ እግዚኣብሄር ኣምላኽና እዩ፡ ኵሉ ቓላት እዚ ሕጊ እዚ ምእንቲ ኽንገብር፡ እቲ ግሉጽ ንዘለኣለም ንኣናን ንደቅናን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:2 | 4 Helpful votes

ክብሪ እግዚኣብሄርሲ ምስዋር ነገር እዩ፡ ክብሪ ነገስታት ግና ምምርማር ነገር እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 16:25 | 4 Helpful votes

ነቲ ብወንጌለይን ብስብከት የሱስ ክርስቶስን ብምግሃድ እቲ ኻብ ዘለኣለም ተሰዊሩ ዝነበረ ሕጂ ግና እተገልጸ ምስጢር፡ በቲ ብጽሕፈት ነብያትውን ብትእዛዝ እቲ ናይ ዘለኣለም ኣምላኽ ንምእዛዝ እምነት ንዅሎም ኣህዛብ እተነግረ ምስጢር፡ ነቲ ኼጽንዓኩም ዚክኣሎ፡

Translation | Context
መክብብ 12:13-14 | 3 Helpful votes

መፈጸምታ ዅሉ እቲ ነገር ንስማዕ፡ እዚ ናይ ሰብ ኩለንትና እዩ እሞ፡ ንኣምላኽ ፍርሃዮ፡ ንትእዛዛቱውን ሐልዎ። ኣምላኽሲ ንዅሉ ግብርን ንሕቡእ ነገር ዘበለን፡ ሰናይ ኮነ ወይስ እኩይ፡ ናብ ፍርዲ ኼምጽኦ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:50-53 | 3 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ስጋን ደምን መንግስቲ ኣምላኽ ኪወርስ ከም ዘይከኣሎ፡ እቲ ሓላፊ ድማ ነቲ ዘይሐልፍ ከም ዘይወርሶ፡ እብለኩም አሎኹ። እንሆ፡ ምስጢር እነግረኩም አሎኹ፡ ኲላትና ኽንልወጥ እምበር፡ ኲላትና ኣይክንድቅስን ኢና፡ ብሓንሳእ፡ ብቕጽበት ዓይኒ፡ በቲ ናይ ድሕሪ ዂሉ መለኸት፡ እቲ መለኸት ኪንፋሕ እዩ እሞ፡ እቶም ምዉታት ድማ ብዘይሐልፍ ኪትንስኡ እዮም፡ ንሕናውን ክንልወጥ ኢና። ማለት፡ እዚ ሓላፊ ዘይሐልፍ ኪለብስ ይግብኦ እዩ እሞ፡ እዚ መዋቲ ኸኣ ዘይመውት ኪለብስ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 4:11 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስቲ ኣምላኽ ንኣኻትኩም እዩ እተዋህበ፡ ነቶም ብወጻኢ ዘለዉ ግና፡

Translation | Context