Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

23 bible verses about

musical instruments in church


መዝሙር 150:1-6 | 15 Helpful votes

ሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።

Translation | Context
መዝሙር 150:3-5 | 11 Helpful votes

ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:19 | 7 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።

Translation | Context
ያእቆብ 5:13 | 5 Helpful votes

ኣብ ማእከልኩምዶ ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ ይዘምር።

Translation | Context
መዝሙር 98:4-6 | 5 Helpful votes

ኣቲ ምድሪ ዅልኺ፣ ንእግዚኣብሄር እልል በሊ። ብሓጐስ ጨድሩን አመስግኑን። ንእግዚኣብሄር ብመሰንቆ፣ እወ፣ ብመሰንቆን ብደሃይ በገናን ኣመስግንዎ። አብ ቅድሚ ንጉስ፣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር፣ ብእምብልታን ቃና መለኸትን እልል በሉ።

Translation | Context
ራእይ 5:8-14 | 4 Helpful votes

ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፦ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ እዩ። ዓው ብዝበለ ድምጺ ኸኣ፡ እቲ እተሐርደ ገንሸል፡ ንሱ ስልጣንን ሃብትን ጥበብን ሓይልን ክብርን ግርማን ውዳሴን ኪወስድ ብቑዕ እዩ፡ በሉ። ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ። እቶም ኣርባዕተ እንስሳ ኸኣ፡ ኣሜን፡ በሉ። እቶም ሽማግሌታትውን ፍግም ኢሎም ሰገዱ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:15-25 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ቕንያቱ ኽፉእ እዩ እሞ፡ ጊዜ ዓዲግኩም፡ ከም ለባማት እምበር፡ ከም ዓያሱ ዘይኰነ ኸመይ ብጥንቃቐ ኸም እትመላለሱ፡ ተመልከቱ። ምእንትዚ እቲ ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፡ ዓያሱ ኣይትኩኑ። ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡ ንሓድሕድኩም ብፍርሃት ክርስቶስ እዙዛት ኩኑ። ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።

Translation | Context
መዝሙር 150:3-4 | 3 Helpful votes

ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:21 | 3 Helpful votes

ስም ሓዉ ኸኣ ዮባል እዩ። ንሱ ኸኣ ኣቦ ዅሎም እቶም ወቓዕቲ መሰንቆን በገናን ኰነ።

Translation | Context
መዝሙር 33:3 | 3 Helpful votes

ሓድሽ መዝሙር ዘምሩሉ፣ ብእልልታ ኣጸቢቕኩም ቃንዩሉ።

Translation | Context
ራእይ 14:2-3 | 3 Helpful votes

ከም ደሃይ ብዙሕ ማያትን ከም ደሃይ ብርቱዕ ነጐዳን ዝበለ ኻብ ሰማይ ደሃይ ሰማዕኩ። እቲ ዝሰማዕክዎ ደሃይ ከኣ ከም ደሃይ ሰብ መሰንቆ፡ መሰንቆታቶም ኪድርድሩ ኸለዉ እዩ። ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን ኣብ ቅድሚ እቶም ሽማግሌታትን ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ነዚ መዝሙር እዚውን፡ ብዘይ እቶም ካብ ምድሪ እተዐደጉ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን ሽሕ፡ ንሓደ እኳ ኺመሀሮ ኣይኰነሉን።

Translation | Context
መዝሙር 81:1-2 | 3 Helpful votes

ንኣምላኽ፣ ነቲ ሓይልና፣ እልል በሉሉ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ። መዝሙር አልዕሉ፣ ከበሮን ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 16:25 | 2 Helpful votes

ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ።

Translation | Context
ሉቃስ 15:21-25 | 2 Helpful votes

እቲ ወዲ ድማ፥ ኣቦይ፡ ንሰማይን ኣብ ቅድሜኻን ሓጢኣት ገበርኩ፡ ደጊምሲ ወድኻ ኽብሃል ኣይበቅዕን እየ፡ በሎ። ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ። እዚ ወደይ ሞይቱ ነይሩ ሐውዩ፡ ጠፊኡ ነይሩውን ተረኺቡ እዩ እሞ፡ ስብሕቲ ላም ኣምጺእኩም ሕረዱ፡ ንብላዕ፡ ንተሐጐስ፡ በሎም። ኪሕጐሱ ድማ ጀመሩ። እቲ ዓብዪ ወዱ ግና ኣብ ወፍሪ ነበረ። መጺኡ ናብ ጥቓ ቤት ምስ ቀረበ፡ ኰበሮን ጓይላን ሰምዔ።

Translation | Context
ሮሜ 15:9 | 2 Helpful votes

ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን እዝምር አሎኹ፡ ዚብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ምሕረቱ የመስግንዎ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 23:5 | 2 Helpful votes

ኣርባዕተ ሽሕ ሓለውቲ ደጌታት ኪዀኑ፡ ኣርባዕተ ሽሕ ድማ በቲ ኣነ፡ ንሱ ብእኡ ኺምስገን፡ ዘግበርክዎ ኣቓሑ ንእግዚኣብሄር ዜመስግኑ ዘመርቲ ኪዀኑ።

Translation | Context
መዝሙር 47:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኣህዛብ ኵሉኹም፣ ኣእዳውኩም ኣጣቕዑ፣ ንኣምላኽ ብድምጺ ሓጐስ እልል በሉሉ።

Translation | Context
ኣሞጽ 6:5 | 2 Helpful votes

ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ፣ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልዉ፣

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 14:15 | 2 Helpful votes

እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን ክዝምር ኣየ።

Translation | Context
ኣሞጽ 6:1-14 | 2 Helpful votes

እቶም ኣብ ጽዮን ሀዲኦም፣ ኣብ ከረን ሰማርያ ድማ ተአሞኖም ዚነብሩ፣ ቤት እስራኤል ከአ ዚኸድዎም ስሙያት ሓላቑ ኣህዛብ ወይለኦም። ናብ ካልነ ሕለፉን ጠምቱን፣ ካብኡ ድማ ናብታ ዓባይ ሃማት ኺዱ፣ ናብታ ናይ ፍልስጥኤማውያን ጋት ከአ ዉረዱ። ንሳርተንዶ ኻብዘን መንግስትታን አዚኤን ይበልጻ እየን፣ ወይስ ይበንዶ ኻብ ዶብኩም ይገፍሕ እዩ፣ ንስኻትኩም ነታ ሕስምቲ መዓልቲ እተርሕቑ፣ ነታ መንበር ዓመጻ ኽአ እተቕርቡ ኢኹም። ኣብ ዓራት ስኒ ሓርማዝ ዚግምሰስ፣ ኣብ መንጽፎም፣ ድማ ዚጋደሙ፣ ካብ መጓሰ አባጊዕ ጥቦታውቲ፣ ካብ ደምበ አሓውን ኣባይትን ዚበልዑ፣ ብደሃይ መሰንቆ ዚደርፉ፣ ከም ዳዊት ድማ መሳርያ ሙዚክ ዜዳልዉ፣ ንገፊሕ ዋንጫ ወይኒ ዚሰትዩ፣ ብሉጽ መኣዛ ኸኣ ዚልኽዩ፣ ብስብራት ዮሴፍ ግና ዘይጕህዩ እዮ። ስለዚ ሕጂ ምስቶም ቅድም ዚማረኹ ኺማረዀ እዮም፣ ወኻዕታ እቶም ኣብ መኣዲ እተጋደሙ ድማ ኪውዳእ እዩ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ብርእሱ መሐለ፡ ይብል እግዝአብሄር ኣምላኽ ሰራዊት፡ አነ ንትዕቢት ያእቆብ ፈንፈንኩ፡ ኣዳራሻቱ ኸኣ ጸላእኩ፡ ነታ ኸተማውን ምስናይ እቶም ኣብኣ ዚነብሩ ዂላቶም ኣሕሊፈ ኽህባ እየ። ኪኸውን ድማ እየ፣ ኣብ ሓንቲ ቤት ዓሰርተ ሰብ እኳ እንተ ተረፉ፣ ኪሞቱ እዮም። ዘመዱ ምስቲ መንደዲ ነቲ ኣዕጽምቲ ኻብ ቤት ኬውጽኦስ፡ እንተ አልዐሎ ኣሞ፡ ነቲ ኣብ ውሽጢ ቤት ዘሎ፣ ገናዶ ገለ ሰብ ምሳኻ አሎ፣ እንተ በሎ፣ ንሱ ኸኣ፣ ሓደ እኳ የልቦን፣ ኢሉ ይመልሰሉ፣ እቲ ድማ ስም እግዚኣብሄር ክንሰሚ ኣይግብኣናን እዩ ኣሞ፡ ስቕ በል፡ ይብሎ። እንሆ እግዚኣብሄር ይእዝዝ አሎ ኣሞ፣ ኣታ ዓባይ ቤት ኽትፈርስ፣ እታ ንእሽቶ ቤት ከኣ ክትጭፍለቕስ ኪውቕዓ እየን። ንፍርዲ ናብ መርዚ፣ ንፍረ ጽድቂ ድማ ናብ ዕረ ለዊጥኩምዎ ኢኹም እሞ፣ አፍራስዶ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ይጎዩ እዮም፣ ወይስ ኣብዑርዶ ኣብአ ይሕረሱ እዮም። ንስኻትኩም ንኽያት ነገር እትሕጎሱ። ብሓድይልናዶ ኣይኰንናን አቕርንቲ ዝወሰድና፣ እትብሉ ዘለዀም፣ ኣቱም ቤት እስራኤል፣ ስለዚ እንሆ፣ ህዝቢ ኸተንስእልኩም እየ፣ ንሳቶም ከአ ካብቲ መእተዊ ሃማት ኽሳዕ እቲ ውሒዝ ኣርባህ ከጨንቑኹም እዮም፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ ሰራዊት።

Translation | Context
ሮሜ 15:4 | 2 Helpful votes

ብትዕግስትን ብምጽንናዕ ጽሑፋትን ተስፋ ምእንቲ ኪዀነልና፡ እቲ ቐደም እተጻሕፈ ዘበለ ዂሉ ንምህሮና እዩ እተጻሕፈ።

Translation | Context
ራእይ 18:22 | 2 Helpful votes

ድምጺ ቓነይቲ መሰንቆን ናይ ደረፍትን ናይ ነፋሕቲ እምብልታን ናይ ሰብ መለኸትን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን፡ ኵሉ ጥበብኛን ኢደ ጥበብን ደጊም ኣባኺ ከቶ ኣይኪርከብን፡ ድሕሪ ደጊምሲ ደሃይ መጥሓን ኣባኺ ከቶ ኣይኪስማዕን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 16:5-6 | 2 Helpful votes

ኣሳፍ እቲ ሓለቓ፡ እቲ ኻልኣዩ ኸኣ ዘካርያስ፡ የዒኤልን ሸሚራሞትን የሒኤልን ማቲትያን ኤሊኣብን በናያን ዖቤድ-ኤዶምን የዒኤልን መሰንቆን በገናን፡ ኣሳፍ ከኣ ጸናጽልን ኣድሚቖም ኬቓንዩ፡ በናያን ያሓዚኤልን እቶም ካህናት ድማ መለኸት ሒዞም፡ ኲሉጊዜ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ኣምላኽ ኪዀኑ ሰርዔ።

Translation | Context