Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

multiple wives


1ይ ጢሞቴዎስ 3:2 | 10 Helpful votes

እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ።

Translation | Context
ዘዳግም 17:17 | 10 Helpful votes

ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከኣ እምብዛ ኣየብዝሕ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:2 | 10 Helpful votes

ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ።

Translation | Context
ዘጸአት 21:10 | 8 Helpful votes

ካልእ ሰበይቲ እንተ ኣምጽኣሉ ድማ፡ ቀለባን ክዳናን ከም ሰብይቱ ዚግባእን ኣየጕድለላ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 11:3 | 8 Helpful votes

ሾብዓተ ሚእቲ ንግስታት ኣንስትን ሰለስተ ሚእቲ ኣንስቲ ወሰንን ነበራኦ። እተን ኣንስቱ ኸኣ ልቡ ኣዘንበላኦ።

Translation | Context
ዘዳግም 21:15-17 | 5 Helpful votes

ንሓደ ሰብኣይ ክልተ ኣንስቲ እንተ ኣለዋኦ፡ እታ ሓንቲ ፍትውቲ እታ ሓንቲ ኸኣ ጽልእቲ፡ እታ ፍትውትን እታ ጽልእትን ደቂ እንተ ወለዳሉ፡ እቲ በዅሪ ኸኣ ወዲ እታ ጽልእቲ እንተ ዀነ፡ ኪኸውን ድማ እዩ፡ በታ ገንዘቡ ንደቁ ዜውርሰላ መዓልቲ፡ ወዲ እታ ጽልእቲ፡ ንሱ በዅሪ ኸሎ፡ ካብኡ ኣምሪሑ ንወዲ እታ ፍትውቲ በዅሪ ኺገብር ኣይኽእልን። ንወዲ እታ ጽልእቲ ካብ ዂሉ ዘለዎ ዕጽፊ ብምሃቡ በዅሪ ምዃኑ የፍልጦ፡ ንሱ መጀመርታ ሓይሉ እዩ እሞ፡ ብዅርነት ንእኡ ይግብኦ።

Translation | Context
ሉቃስ 16:18 | 4 Helpful votes

ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ ካብ ሰብኣያ ንተፈትሔት ዜእቱውን ይዝሙ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:12 | 4 Helpful votes

እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:32 | 4 Helpful votes

ኣነ ግና፡ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ንሰበይቱ ዚፈትሓ ዘበለ ዅሉ፡ ዘማዊት ገበራ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእቱ ድማ ዘመወ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:31 | 4 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:3-20 | 4 Helpful votes

ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰባኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም፡ ኪፈትሕዋ ኣዘዘ፧ በልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ። እቶም ደቀ መዛሙርቱ፡ ስርዓት ሰብኣይን ሰበይትን ከምዚ እንተ ዀይኑስ፡ ምትእትታው ጽቡቕ ኣይኰነን፡ በልዎ። ንሱ ግና በሎም፡ እዚ ነገርዚ፡ ብዘይ ነቶም እተዋህቦም፡ ንዅሉስ ኪቕበሎ ኣይኰነሉን። ካብ ከርሲ ኣዲኦም ስሉባት ኰይኖም እተወለዱ አለዉ፡ ስባት ዝሰለብዎም ስሉባትውን አለዉ፡ ምእንቲ መንግስተ ሰማያት ኢሎም ባዕሎም እተሰልቡ ስሉባትውን አለዉ እሞ፡ ኪቕበሎ ዚኽእል ይቀበሎ። ሽዑ ኢዱ ኣንቢሩ ኺጽልየሎም፡ ቈልዑ ናብኡ ኣምጽኡ፡ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ ገንሕዎም። የሱስ ግና፡ መንግስተ ሰማያት ንኸምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ሕደጉ፡ ቈልዑ ናባይ ንምምጻእ ኣይትኸልክልዎም፡ በለ። ኢዱ ኣንቢሩሎም ከኣ፡ ካብኡ ኸደ። እንሆ፡ ሓደ ናብኡ ቐሪቡ፡ ዎ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረክብሲ፡ እንታይ ጽቡቕ ግብሪ እግበር፧ በለ። ንሱ ኸኣ በሎ፡ ንምንታይ ብዛዕባ ጽቡቕ ትሐተኒ አሎኻ፧ እቲ ጽቡቕሲ ሓደ እዩ። ናብ ህይወት ክትኣቱ እንተ ደሌኻ ግና፡ እተን ትእዛዛት ሐሉ። ንሱ፡ ኣየኖት፧ በሎ። የሱስ ከኣ፡ እኒ ኣይትቕተል፡ ኣይትዘሙ፡ ኣይትስረቕ፡ ብሓሶት ኣይትመስክር፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ብጻይካውን ከም ነፍስኻ ፍቶ፡ በሎ። እቲ ጐበዝ፡ እዚ ዅሉ ኻብ ንእስነተይ ሒዘ እሕልዎ አሎኹ፡ እንታይ ደኣ እዩ ዚጐድለኒ ዘሎ፧ በሎ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:22 | 3 Helpful votes

እቲ ሰበይቲ ዚረክብ ሰናይ ይረክብ፡ ካብ እግዚኣብሄር ከኣ ሞገስ ይቕበል።

Translation | Context
ዘፍጥረት 4:19 | 3 Helpful votes

ላሜክ ክልተ ኣንስቲ ኣእተወ፡ ስም እታ ሓንቲ ዓዳ፡ ስም እታ ኻልኣይቲ ድማ ጺላ ነበረ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1 | 3 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 4:1 | 3 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ሾብዓተ ኣንስቲ፡ እንጌራና ንበልዕ፡ ክዳንናውን ንኽደን፡ ሓንትስ ብስምካ ኽንጽዋዕ ሕደገና፡ ጸርፍና ኸኣ ኣርሕቕ፡ እናበላ ንሓደ ሰብኣይ ኪሕዛኦ እየን።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:3-9 | 3 Helpful votes

ፈሪሳውያን ድማ፡ ሰባኣይሲ ነታ ሰበይቱ ብዝዀነ ምኽንያት ኪፈትሓዶ ተፈቒድሉ እዩ፧ ኢሎም ኪፍትንዎ ናብኡ መጹ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ካብ መጀመርታ ዝፈጠረ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ገይሩ ፈጠሮም፡ ድማ፡ ምእንትዚ ሰብኣይ ነቦኡን ነዲኡን ይሐድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጣበቕ፡ ክልቲኦም ሓደ ስጋ ይዀኑ፡ ከም ዝበለዶ ኣየንበብኩምን፧ ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ። ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም፡ ኪፈትሕዋ ኣዘዘ፧ በልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም። ኣነ ግና፡ እቲ ንሰበይቱ ብዘይ ምኽንያት ዝሙት ዚፈትሓ ኻልእውን ዜእቱ ይዝሙ፡ እቲ ፍትሕቲ ዜእትውን ይዝሙ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:33 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 12:8 | 2 Helpful votes

ቤት ጐይታኻ ድማ ሀብኩኻ፡ ኣነስቲ ጐይታኻውን ኣብ ሕቚፍኻ ኣንበርኩልካ፡ ቤት እስራኤልን ይሁዳን ድማ ሀብኩኻ። እዚ እንተ ውሒዱ ኸኣ፡ ከምኡ ኻልእ ምወሰኽኩልካ ነይረ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:6 | 2 Helpful votes

እቲ ኤጶስቆጶስ ከኣ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ብርኽሰት ወይስ ብዘይ ምእዛዝ ዘይሕመዩ ኣመንቲ ውሉድ ዘለውዎ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ሰናይ ዚፈቱ፡ ለባም፡ ቅኑዕ፡ ቅዱስ፡ ይአኽለኒ በሃሊ፡ መንቅብ ዜብሉ፡ ከም ናይ ኣምላኽ መጋቢ እምበር፡ ፈታው ርእሱ ዘይኰነ፡ ዘይኵሪ፡ ናብ መስተ ዘየድህብ፡ ዘይዋቓዕ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደሊ ሰብ ኪኸውን ይግባእ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:24 | 2 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 35:23-26 | 2 Helpful votes

ደቂ ልያ፡ ሮቤል በዅሪ ያእቆብን ስምኦንን ሌውን ይሁዳን ይሳኮርን ዛብሎንን። ደቂ ራሄል፥ ዮሴፍን ብንያምን። ደቂ ቢልሃ ግዝእቲ ራሄል ድማ፡ ዳንን ንፍታሌምን። ደቂ ዚልጳ ግዝእቲ ልያ ኸኣ፡ ጋድን ኣሴርን፡ እዚኣቶም ኣብ ጳዳን-ኣራም እተወልዱሉ ደቂ ያእቆብ እዮም።

Translation | Context