Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

muhammad


ኢሳይያስ 29:12 | 7 Helpful votes

ወይስ ንሓደ ንባባ ዘይፈልጥ፡ እንካ እስከ እዚ ኣንብብ፡ ኢሎም እንተ ሀብዎ፡ ንሱው፡ ንባብ ኣይፈልጥን እየ፡ ኢሉ ይመልስ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:12-14 | 5 Helpful votes

ዝነግረኩም ብዙሕ ካልእ ዘረባ ገና አሎኒ፡ ግናኸ ሕጂ ኽትጾርዎ ኣይትኽእሉን ኢኹም። እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ። ንሱ ኻባይ ኪወስድን ኪነግረኩምን እዩ እሞ፡ ንኣይ ኬኽብረኒ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:4-5 | 4 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 13:1-3 | 4 Helpful votes

ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:18 | 4 Helpful votes

ከማኻ ዝበለ ነብዪ ኻብ ማእከል ኣሕዋቶም ከተንስኣሎም እየ፡ ቃለይ ከኣ ኣብ ኣፉ ኸንብር እየ፡ ንሱ ድማ ዝአዘዝክዎ ዅሉ ኺነግሮም እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:1-3 | 3 Helpful votes

ግናኸ ነብያት ሓሶት ድማ ኣብ ማእከል እቲ ህዝቢ ተንሲኦም ነበሩ፡ ከምኡ ኸኣ ኣብ ማእከልኩም መምህራን ሓሶት ኪትንስኡ እዮም፡ ናብ ርእሶም ቅልጡፍ ጥፍኣት እናምጽኡ ድማ፡ ክሳዕ ነቲ እተሻየጦም ጐይታ እኳ ኪኽሕድዎ እዮም፡ ንሳቶም ናይ ጥፍኣት ምፍልላይ ኣስሊኾም ኬእትዉ እዮም። ብዙሓት ድማ ብርኽሰቶም ኪስዕብዎም እዮም፡ ብሰሮምውን እታ መገዲ ሓቂ ኽትጽረፍ እያ። ብስስዔ ብዘረባ ጥበራ ገይሮም፡ መናገዲ ኺገብሩኹም እዮም፡ ፍርዶም ካብ ቀደም ኣይዐርፍን ጥፍኣቶምውን ኣይድቅስን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:19-25 | 2 Helpful votes

ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 16:15 | 2 Helpful votes

ኣጋር ከኣ ንኣብራም ወዲ ወለደትሉ። ኣብራም ድማ ነቲ ኣጋር ዝወለደትሉ ወዲ ስሙ እስማኤል ኣውጽኣሉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:16-20 | 2 Helpful votes

ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾዂዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ዅሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 5:16 | 2 Helpful votes

ኣፉ ኣዝዩ ጥዑም፡ ኲለንትናኡ ፍትዊ እዩ። ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ፍትወይ እዚ እዩ፡ ፈታውየይሲ እዚ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 17:25 | 2 Helpful votes

ወዱ እስማኤል ድማ ስጋ ዕልቦኡ ኺግዘር ከሎ፡ ወዲ ዓሰርተው ሰለስተ ዓመት ኰይኑ ነበረ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:26 | 2 Helpful votes

እቲ ኣቦይ ብስመይ ዚሰዶ መጸናንዒ፡ መንፈስ ቅዱስ፡ ንሱ ዅሉ ኺምህረኩም፡ ዝነገርኩኹም ዘበለውን ኬዘክረኩም እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:1 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቲ ቕቡኡ፡ ንቂሮስ፡ ህዝብታት ኣብ ቅድሚኡ ኸግዝኣሉ፡ ሕቘ ነገስታት ከኣ ክፈትሕ፡ ደጌታት ከይዕጾዎ ድማ፡ መዓጹ ኣብ ቅድሚኡ ምእንቲ ኸርሕወሉ ኢለ ብየማነይቲ ኢዱ ዝሐዝክዎ ኸምዚ ይብሎ አሎ፡

Translation | Context
ዮሃንስ 1:11 | 2 Helpful votes

ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።

Translation | Context
ዘጸአት 20:25 | 2 Helpful votes

መሰውኢ እምኒ እንተ ገበርካለይ፡ ብመንደልካ እንተ ተንኬኻዩ ተርክሶ ኢኻ እሞ፡ ብውቑር እምኒ ኣይትንደቆ።

Translation | Context