Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

moving mountains


ማርቆስ 11:23-24 | 12 Helpful votes

ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 17:20 | 7 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እምነትኩም ስለ ዝጎደለት። ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ክንዲ ፍረ ኣድሪ እትኣክል እምነት እንተ ኣልያትኩም፡ ነዚ ኸረን ድማ፡ ካብዚ ናብቲ ኣግልስ፡ ትብልዎ፡ ንሱ ኸኣ የግልስ፡ ዚሰኣነኩም ውን የልቦን።

Translation | Context
ማርቆስ 9:23 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ እትኽእል እንተ ዄንካ፡ ትብል አሎኻ። ንዚኣምን ኵሉ ይክኣል እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7-8 | 4 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:14 | 2 Helpful votes

ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 3:20 | 2 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣባና ዚገብር ሓይሊ፡ ካብቲ ንሕና እንልምኖን እንሐስቦን ዘበለ እምብዛ ኣዕዚዙ ኺገብር ዚከኣሎ፡

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:4 | 2 Helpful votes

ሽንጭሮ ዘበለ ልዕል ይበል፡ ኲሉ ኣኽራንን በረኽትን ድማ ለጠቕ ይበል፡ ቄናን ይቕናዕ ድንጒር ከኣ ሰጥ ዝበለ ስፍራ ይኹን።

Translation | Context
ማርቆስ 11:23 | 2 Helpful votes

ዝዀነ ይኩን እቲ ዝበሎ ኸም ዚኸውን ዚኣምን እምበር፡ ብልቡ ዘይዋላወል፡ ነዚ ኸረን፡ ተንሲእካ ናብ ባሕሪ ጥሐል፡ እንተ በሎ፡ ንእኡ ኸም ዚዀነሉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 2 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:2 | 2 Helpful votes

ትንቢት እንተ ዚህልወኒ፡ ኲሉ ምስጢራትን ኲሉ ፍልጠትን እንተ ዝፈልጥ፡ ኣኽራን ክሳዕ ዘግዕዝ ከኣ ኲሉ እምነት እንተ ዚህልወኒ፡ ፍቕሪ ኻብ ዘይትህልወኒ፡ ከንቱ ምዀንኩ ነይረ።

Translation | Context