Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

mourning


ራእይ 21:4 | 14 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:4 | 13 Helpful votes

ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:13 | 7 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ ከምቶም ተስፋ ዜብሎም ካልኦት ምእንቲ ኸይትሐዝኑ፡ ብዛዕባ እቶም ደቂሶም ዘለዉ ብዘይ ፍልጠት ክትኰኑ ኣይፈቱን እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:2-3 | 4 Helpful votes

ዓመት ጸጋ እግዚኣብሄርን መዓልቲ ሕነ ኣምላኽናን ክእውጅ፡ ንዂሎም ሕዙናት ከጸናንዕ፡ ኣእዋም ጽድቂ፡ ንኽብሩ ዚኸውን ተኽሊ እግዚኣብሄር፡ ተብሂሎም ምእንቲ ኺስመዩ ድማ፡ ንሕዙናት ጽዮን ኣብ ክንዲ ሓመዂስቲ ዘውዲ ኽደፍኣሎም፡ ኣብ ክንዲ ሓዘን ከኣ ዘይቲ ሓጐስ፡ ኣብ ክንዲ መንፈስ ጓሂውን ክዳን ምስጋና ኽህቦም ለኣኸኒ።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:25-26 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፡ ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ። እቲ ብኣይ ዝኣምን እንተ ሞተ እኳ፡ ብህይወት ኪነብር እዩ። ነፍሲ ወከፍ ብህይወት ዘሎ እሞ ብኣይ ዚኣምን ከኣ ንዘለኣለም ኣይኪመውትን እዩ። እዚዶ ትኣምኒ ኢኺ፧ በላ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:28 | 2 Helpful votes

ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 24:17 | 2 Helpful votes

ስቕ ኢልካ እህህ በል፣ ንምዉታት ከም ዚልቀሶም ጌርካ ኣይተልቅስ፣ ርእስኻ ደኣ ብመጠምጠምያ ጠምጥም፣ ኣሳእንካ ኣብ ኣእጋርካ ኣእቱ፣ ጭሕምኻ ኣይትኽደን እንጌራ ሓዘንቲውን ኣይትብላዕ።

Translation | Context
መዝሙር 116:15 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ሞት ቅዱሳኑ ኽቡር እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 2:18 | 2 Helpful votes

ሽዑ እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ኣብ ራማ ድምጺ ተሰምዔ፡ ዋይዋይታን ብዙሕ ብኽያትን። ራሄል ስለ ደቃ በኸየት፡ ተወዲኦም እዮም እሞ፡ ምድባስ ኣበየት፡ እተበሀለ ተፈጸመ።

Translation | Context
ዮሃንስ 11:35 | 2 Helpful votes

የሱስ ነብዔ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 20:29 | 2 Helpful votes

ኲሉ እቲ ኣኼባ፡ ኣሮን ከም ዝሞተ ምስ ረአየ፡ ብዘለዉ ቤት እስራኤል ንኣሮን ሰላሳ መዓልቲ በኸዩሉ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 30:4 | 2 Helpful votes

ሽዑ ዳዊትን እቲ ምስኡ ዝነበረ ህዝብን ንምብካይ ሓይሊ ኽሳዕ ዚስእኑ ዓው ኢሎም በኸዩ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 1:12 | 2 Helpful votes

ንሳኦልን ንወዱ ዮናታንን ንህዝቢ እግዚኣብሄርን ንቤት እስራኤልን፡ ብሴፍ ወዲቖም ነበሩ እሞ፡ ሐዘኑሎምን በኸዩሎምን፡ ክሳዕ ምሸትውን ጾሙ።

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 2 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context