Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

3 bible verses about

mothers against daughters


ሉቃስ 12:49-56 | 7 Helpful votes

ናብ ምድሪ ሓዊ ኽድርቢ እየ ዝመጻእኩ፡ ሕጅስ ብጀካ ምንዳዱ እንታይ እደሊ ኣሊኹ፧ ዝጥመቓ ጥምቀት ግና ኣላትኒ፡ ክሳዕ እትፍጸምሲ ኸመይከ ዘይትጸበኒ። ናብ ምድሪዶ ሰላም ከምጽእ ዝመጻእኩ ይመስለኩም አሎ፧ ምፍልላይ ደኣ እምበር፡ ኣይኰነን፡ እብለኩም አሎኹ። ካብ ሕጂ ሓሙሽተ ኣብ ሓንቲ ቤት እንተ ዀኑ፡ ሰለስተ ኻብ ክልተ፡ ክልተ ድማ ካብ ሰለሰተ ኪፋላለዩ እዮም። ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ፡ ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም። ነቶም ህዝቢ ድማ በሎም፡ ደበና ኻብ ምዕራብ ኪዳባኖ ኸሎ ምስ ርኤኹም፡ ሽዑ፥ ዝናብ ኪዘንም እዩ፡ ትብሉ ኢኹም፡ ከምኡ ኸኣ ይኸውን። ንፋስ ደቡብ ኪነፍስ ምስ ርኤኹምውን፥ ሃሩር ኪኸውን እዩ፡ ትብሉ፡ ከምኡ ድማ ይኸውን። ኣቱም ግቡዛት፡ ምምርማር ገጽ ሰማይን ምድርን ትፈልጡ፡ ከመይ ደኣ ነዚ ዘመን እዝስ ዘይትምርምርዎ፧

Translation | Context
ፊልጲ 3:18-19 | 2 Helpful votes

ከምቲ ብዛዕባኦም ብዙሕ ሳዕ ዝበልኩኹም፡ ሕጂውን እናበኼኹ እብል አሎኹ፡ ብዙሓትሲ ጸላእቲ መስቀል ክርስቶስ ኰይኖም ይመላለሱ እዮም። መወዳእታኦም ጥፍኣት እዩ፡ ኣምላኾም ከብዶም እዩ፡ ክብረቶምውን ኣብ ነውሮም እዩ፡ ሓሳቦም ከኣ ናይ ምድሪ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 2 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context