Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

mother nature


ዘፍጥረት 2:15 | 19 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ወሲዱ፡ ኪዐይያን ኪሕልዋን ኣብ ገነት ኤድን አቐመጦ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 18 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:26 | 15 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ፥ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንግበር፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን ንብዘላ ምድርን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ ለመምታን ይግዝኡ፡ በለ።

Translation | Context
ሮሜ 8:19-22 | 13 Helpful votes

ሃረርታ ፍጥረት ነቲ ምግላጽ ደቂ ኣምላኽ ይጽበዮ አሎ እሞ፡ ከምኡ ኸኣ ኣነ ንስቓይ እዚ ዘመንዚ ነቲ ኣባና ኺግለጽ ዚመጽእ ዘሎ ኽብሪ ኸም ዘይመዓራረዮ፡ እኣምን አሎኹ። እቲ ፍጥረት ንኸንቱ ተገዚኡ አሎ፡ ስለቲ ብተስፋ ዘግዝኦ እዩ እምበር፡ ብፍቓዱስ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ፍጥረት ንርእሱ ድማ ካብ ባርነት ጥፍኣት ናብ ሓርነት ክብሪ ደቂ ኣምላኽ ሓራ ኺወጽእ እዩ። ብዘሎ እቲ ፍጥረት ክሳዕ ሕጂ ምሳና ዀይኑ ኸም ዜስቈርቊርን ቅልውላው ከም ዝሐዞን፡ ንፈልጥ አሎና እሞ፡

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:7 | 11 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።

Translation | Context
መዝሙር 8:1-9 | 9 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐይታና፣ ኣታ ንግርማኻ ኣብ ሰማያት ዝተኸልካዮ፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ። ምእንቲ ተቓወምትኻ ነቲ ጸላእን ፈዳይ ሕነን ስቕ ከተብሎ፣ ካብ ኣፍ ቈልዑን ዚጠብውን ሓይሊ ኣዳሎኻ። ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣ እቲ ንስኻ እትዝክሮ ሰብ፣ እቲ እትሐልየሉ ወዲ ሰብሲ እንታይ እዩ፧ ካብ መላእኽቲ ቕሩብ ኣንኣስካዮ፣ ብኽብርን ጌጽን ከኣ ኸለልካዮ። ኣብ ልዕሊ ግብሪ ኣእዳውካ ሸምካዮ፣ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ ኣእጋሩ ጌርካዮ፣ ንብዘለዋ ዅላተን ኣባጊዕን ኣሓን፣ ንእንስሳታት በረኻውን ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን ነቲ ብመገድታት ባሕሪ ዚሐልፍ ዘበለን። ዎ እግዚኣብሄር ጐይታና፣ ስምካስ ኰን ኣብ ኵላ ምድሪ ኽንደይ ግሩም እዩ።

Translation | Context