Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

moon


መዝሙር 89:37 | 12 Helpful votes

ከም ወርሒ ንዘለአለም ይቐውም፣ ኣብ ደበና ዘሎ ምስክር ከኣ እሙን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 8:3 | 8 Helpful votes

ንሰማያትካ፣ ነቲ ስራሕ ኣጻብዕካ፣ ንስኻ ዘቘምካዮም፣ ወርሕን ከዋኽብትን እንተ ጠመትኩ፣

Translation | Context
ዘዳግም 4:19 | 7 Helpful votes

ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን፡ ኲሎም ሰራዊት ሰማይ ርኢኻ ኣዒንትኻ ንሰማይ ከይተልዕል፡ እሞ ነቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘለዉ ዂሎም ህዝብታት ዝመቐሎም፡ ናብ ምስጋዶምን ምግልጋሎምን ከይትስሐብ ተሐሎ።

Translation | Context
ዮኤል 2:30-31 | 7 Helpful votes

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፣ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፣ ከርኢ እየ። እታ ዓባይን መፍርሂትን መዓልቲ እግዚኣብሄር ከይመጸት፣ ጸሓይ ኣብ ጸልማት፣ ወርሒ ድማ ኣብ ደም ትልወጥ።

Translation | Context
ራእይ 6:12 | 6 Helpful votes

ነቲ ሳድሳይ ማሕተም ምስ ፈትሖ ኸኣ፡ ርኤኹ እሞ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ ጸሓይ ከም ወጮ ጸለመት፡ ወርሒውን ብዘላ ኸም ደም ኰነት።

Translation | Context
እያሱ 10:12 | 5 Helpful votes

ሽዑ በታ እግዚኣብሄር ንኣሞራውያን ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ኣሕሊፉ ዝሀበላ መዓልቲ፡ እያሱ ንእግዚኣብሄር ተዛረቦ፡ ኣብ ቅድሚ ደቂ እስራኤል ድማ በለ፡ ኣቲ ጸሓይ፡ ኣብ ጊብዖን ደው ኢልኪ ጽንሒ፡ ኣቲ ወርሒውን፡ ኣብ ለሰ ኣያሎን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:16 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ኽልተ ዓበይቲ ብርሃናት ገበረ፥ እቲ ዓብዪ ብርሃን ብመዓልቲ ኺስልጥን፡ እቲ ንእሽቶ ብርሃን ድማ ብለይቲ ኺስልጥን፡ ከዋኽብቲውን ገበረ።

Translation | Context
ራእይ 12:1 | 4 Helpful votes

ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 20:18 | 3 Helpful votes

ሽዑ ድማ ዮናታን በሎ፡ ጽባሕ ወርሒ እትወጸላ እያ፡ እታ ምቕማጥካ ጥራያ ኽትከውን እያ እሞ፡ ክትስኣን ኢኻ።

Translation | Context
መዝሙር 81:1-16 | 3 Helpful votes

ንኣምላኽ፣ ነቲ ሓይልና፣ እልል በሉሉ፣ ንኣምላኽ ያእቆብ እልል በሉ። መዝሙር አልዕሉ፣ ከበሮን ጥዑም በገና ምስ መሰንቆን ኣቓንዩ። እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፣ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፣ ብሰርቂ ወርሒ፣ ብምልኣት ወርሒ፣ ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ። ካብ ምድሪ ግብጺ ኺወጽእ ከሎ፣ ኣብ ዮሴፍ ምስክር ገይሩ አቘሞ። ዘይፈልጦ ቛንቋ እሰምዕ አሎኹ፣ ንመንኵቡ ኻብ ሰኽሚ ኣርሐቕክዎ፣ ኣእዳዉ ኻብ መጾሪ ኣቕሓ ተናገፋ። ብጸበባ አእዌኻ፣ ኣነውን ኣናገፍኩኻ፣ ኣብ ነጕዲ ተሰዊረ መለስኩልካ፣ ኣብ ማይ መሪባ ተዐዘብኩኻ። ዎ ህዝበይ፣ ክምስክረልካስ ስማዕ፣ ዎ እስራኤል፣ ኣየ እንተ ትሰምዓኒ። ካልእ ኣምላኽ ኣብ ማእከል ኣይኹን፣ ንኻልእ ኣምላኽውን ኣይትስገድ። ኣነ እግዚኣብሄር፣ እቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጻእኩኻ ኣምላኽ እየ፣ አፍካ ሃህ አብል፣ ኣነውን ክመልኦ እየ። ህዝበይ ግና ንድምጸይ ኣይሰምዖን፣ እስራኤል ድማ እሺ ኣይበለንን። ብምኽሪ ርእሶም ኪመላለሱስ፣ ኣብ ጽንዓት ልቦም ሐደግክዎም። አየ፣ ህዝበይ እንተ ዚሰምዓኒ፣ እስራኤልሲ ብመገደይ እንተ ዚኸይድ። ንጸላእቶም ቀልጢፈ መዋረድክዎም፣ ኢደይውን ናብ ተጻረርቶም ምመለስኩ። ንእግዚኣብሄር ጸላእቱ ምተገዝእዎ ነይሮም፣ ዘመኖም ከኣ ንዘለአለም ምዀነ። ስብሒ ስርናይ መብላዕኩኻ፣ ካብ ከውሕስ መዓር መጽገብኩኻ ነይረ።

Translation | Context
እዝራ 3:5 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ እቲ ናይ ወርትግ ዚሐርር መስዋእትን ናይ ሰርቂ ወርሕን ናይ ኵሉ ቅዱስ በዓላት እግዝኣብሄርን ነቲ ናይ ኵሎም ናይ ፍቓድ መስዋእቲ ንእግዚኣብሄር ፈትዮም ዚስውእዎን ኣዕረጉ።

Translation | Context
ዮኤል 2:30 | 3 Helpful votes

ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ከኣ ተኣምራት፣ ደምን ሓውን ኣዕኑድ ትክን፣ ከርኢ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 81:3 | 3 Helpful votes

እዚ ናይ እስራኤል ሕጊ፣ ናይ ኣምላኽ ያእቆብ ስርዓት እዩ እሞ፣ ብሰርቂ ወርሒ፣ ብምልኣት ወርሒ፣ ብመዓልቲ በዓልና መለኸት ንፍሑ።

Translation | Context
እያሱ 10:13 | 3 Helpful votes

ሽዑ እቲ ህዝቢ ንጻላእቱ ሕነ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ጸሓይ ቈመት፡ ወርሒውን ደው በለት። እዝስ ኣብ መጽሓፍ ያሻርዶኸ ተጽሒፉ ኣይኰነን፧ እታ ጸሓይ ኣብ ማእከል ሰማይ ኣስታት ምሉእ መዓልቲ ቘመት፡ ንምዕራብ ከኣ ኣይቀልጠፈትን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 37:9 | 3 Helpful votes

ካልእ ሕልሚ ድማ ሐለመ፡ ነሕዋቱ ኸኣ ነገሮም፡ እንሆ፡ ካልእ ሕልሚ ሐለምኩ፡ እንሆ ድማ፡ ጸሓይን ወርሕን ዓሰርተው ሓደ ከዋኽብትን ሰገዱለይ፡ በለ።

Translation | Context