Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

moderation


ምሳሌ 25:27 | 11 Helpful votes

መዓር ኣብዚሕካ ምብላዕ ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ከምኡውን ከቢድ ነገር ምምርማር ዜሸግር እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:12 | 10 Helpful votes

ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:25 | 10 Helpful votes

እቲ ዚቃለስ ዘበለ ብዂሉ ነገር መጢኑ ነፍሱ ይገትእ እዩ፡ እዚኣቶም ነቲ ሓላፊ ኣኽሊል ምእንቲ ኪቕበሉ እዮም፡ ንሕና ግና ነቲ ዘይሐልፍ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:7 | 6 Helpful votes

ካብቶም ተቓናቐንቲ ሓደ እኳ ብዛዕባና ዚብሎ ክፉእ ነገር ስኢኑ ምእንቲ ኺሐፍርሲ፡ ብንጹህ ትምህርቲ፡ ብምርዛን፡ መንቅብ ብዜብሉ ጥዑይ ዘረባ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ርእሰኻ ኣርኣያ ግበር።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18 | 5 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።

Translation | Context
ምሳሌ 20:1 | 4 Helpful votes

ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።

Translation | Context
ገላትያ 5:13 | 4 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ንስኻትኩም ንሓርነት ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ ተገዛዝኡ እምበር፡ ነቲ ሓርነትሲ ንስጋ ምኽንያት ኣይትግበርዎ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 4 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:16 | 3 Helpful votes

መዓር እንተ ረኸብካ፡ እምብዛ ኸይትጸግብ እሞ ከይትተፍኦስ፡ ዚአኽለካ ብላዕ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:23 | 3 Helpful votes

ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:5 | 3 Helpful votes

እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:3 | 3 Helpful votes

እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡

Translation | Context
ምሳሌ 23:20-21 | 3 Helpful votes

ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:20-23 | 2 Helpful votes

እምብኣርከ ኻብ ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ክርስቶስ ካብ ሞትኩም፡ ስለምንታይ ደኣ ኣብዛ ዓለም ከም ዘሎኹምሲ፡ ከም ናይ ሰብ ትእዛዛትን ምህሮን ገይሮም፥ ኣይትሐዝ፡ ኣይትጥዓም፡ ኣይትተንኪ፡ ኢሎም ሕጋጋት ዚሕግጉልኩም፡ - እዚ ዅሉ ተተገይሩስ ንሕልፈቱ እዩ፡ - እዚ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ አለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 104:15 | 2 Helpful votes

ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፣ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፣ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፣ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18-20 | 2 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም። ንኣምላኽን ነቦን ስለ ኵሉ ነገር ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኵሉ ሳዕ እናኣመስገንኩምዎ፡

Translation | Context
ሮሜ 14:21 | 2 Helpful votes

ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:10 | 2 Helpful votes

እቲ ፍቕሪ ገንዘብሲ ሱር ኵሉ ኽፍኣት እዩ እሞ፡ ገሊኦም ንእኡ እናተመጣጠሩ ኻብ እምነት ዘምበሉ፡ ናብ ርእሶምውን ብዙሕ ስቓይ ኣምጽኡ።

Translation | Context