Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

mixing races


ገላትያ 3:28 | 16 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ዳንኤል 2:43 | 11 Helpful votes

እታ ሓጺን ምስ ልምሉም መሬት ተሐዋሲ ዝርኤካዮ፣ ንሳቶም ምስ ዘርኢ ሰብ ኪተሃዋወሱ፣ ግናኸ፣ ከምቲ ሓጺን ምስ መሬት ዘይላገብ፣ ንሓድሕዶም ኣይኪላገቡን እዮም።

Translation | Context
ዘዳግም 7:3-4 | 9 Helpful votes

ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:22-33 | 8 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ማሕበሩ ዝዀነ፡ ንሱ ምድሓን ስጋኡ ኸኣ እዩ፡ ሰብኣይ ከኣ ርእሲ ሰበይቱ እዩ እሞ፡ ኣትን ኣንስቲ፡ ከም ንጐይታ ጌርክን ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ከምቲ እታ ማሕበር ንክርስቶስ እትእዘዞ፡ ከምኡ ድማ ኣንስቲ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ። ሰብኡትውን ከምኡ፡ ነተን ኣንስቶም ከም ስጋኦም ገይሮም ኬፍቅርወን ይግባኦም እዩ። ሰብ ንስጋኡ ይምግቦን ይካናኸኖን እምበር፡ ሓደ እኳ ዚጸልኦ የልቦን። ኣካላት ስጋኡ ስለ ዝዀንና፡ ክርስቶስ ከምኡ ንማሕበሩ ይካናኸና አሎ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ሐዲጉ ምስ ሰበይቱ ይለግብ፡ ክልቲኦምውን ሓደ ስጋ እዮም ዚዀኑ። እዚ ምስጢር እዚ ዓብዪ እዩ፡ ኣነ ግና ብናይ ክርስቶስን ማሕበሩን እብሎ አሎኹ። ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:26 | 6 Helpful votes

ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።

Translation | Context
ዘዳግም 23:2 | 6 Helpful votes

ድቓላ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብ ናቱ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:14 | 5 Helpful votes

ምስቶም ዘይኣምኑ ኣብ ሓደ ኣርዑት ኣይትጸመዱ። ማለት፥ ንጽድቅን ሓጢኣትን እንታይ ኣራኺብዎ፧ ወይስ ንብርሃን ምስ ጸልማት እንታይ ሕብረት ኣልይዎ፧

Translation | Context
ዘዳግም 7:3 | 5 Helpful votes

ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ።

Translation | Context
እያሱ 23:12-13 | 4 Helpful votes

ንድሕሪት እንተ ተመለስኩም እሞ፡ ናብዞም ተረፍ፡ ናብዞም ምሳኻትኩም ዝተረፉ ህዝብታት እዚኣቶም እንተ ለገብኩም፡ ምሳታቶም ድማ እንተ ተዋሰብኩም፡ ናባታቶም እንተ ኣቶኹም፡ ንሳቶም ድማ ናባኻትኩም እንተ ኣተዉ፡ ካብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝሀበኩም ጽብቕቲ ምድሪ ኽሳዕ እትጸንቱ፡ ንኣኻትኩም መሓንኰልን መጻወድያን ንጐድንኹም መግረፊ ነዒንትኹም ከኣ እሾኽ ኪዀኑኹም እዮም እምበር፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ነዞም ህዝብታት እዚኣቶም ደጊም ካብ ቅድሜኹም ከም ዘየውጽኦም፡ ብርግጽ ፍለጡ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:11 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ፥ እታ ምድሪ ሳዕርን ዘርኢ ዚህብ ብቑልን፡ ዘርኡ ኣብ ርእሱ ዘለዎ፡ ፍረ ከከም ዓይነቱ ኣብ ምድሪ ዚፈሪ ኦም ተውጽእ፡ በለ። ከምኡ ድማ ዀነ።

Translation | Context
ነህምያ 13:23-27 | 3 Helpful votes

በተን መዓልትታት እቲኤን ድማ ካብ ኣንስቲ ኣሽዶዳውያን፡ ዓሞናውያን፡ ሞኣባውያን ዘእተው ኣይሁድ ርኤኹ። እቶም ደቆም ከአ ፈረቓኦም ብዘረባ እሽዳድ ወይስ ናይ ዝዀነ ኻልእ ህዝቢ ይዛረቡ ነበሩ እምበር፡ ብዘረባ ኣይሁድ ምዝራብሲ ኣይኽእሉን ነበሩ። ተቐጢዔ ድማ ረገምክዎም፡ ካባታቶም ከአ ንሓያሎ ሰባት ወቓዕኩ፡ ጸጉሮምውን ነጼኹ፡ ኣዋልድኩም ነወዳቶም ኣይትሀቡ፡ ካብ ኣዋልዶም ከአ ነወዳትኩምን ንርእስኻትኩምን ኣይትውሰዱ፡ ኢለ ድማ ብኣምላኽ ኣምሓልክዎም። በልኩውን፡ ሰሎሞን ንጉስ እስራኤልሲ በዚ ነገር እዚዶ ኣይኮነን ዝበደለ፡ ብሓቂ ኣብ መንጎ ብዙሓት ኣህዛብ ከምኡ ዝበለ ንጉስ ኣይነበረን። ኣብ ኣምላኹ ኸኣ ፍትዊ ነበረ። ኣምላኽ ድማ ኣብ ልዕሊ ኹሎም እስራኤል ኣንገሶ። ግናኸ ንእኡውን ጓኖት ኣንስቲ ናብ ሓጢኣት ኣስሓታኦ። እዚ ዅሉ ዓብዩ ኽፍኣት ክትገብሩ፡ ጓኖት ኣንስቲ ብምውሳድ ንኣምላኽና ኽትዕምጹዶ ብሓቂ ንኣኻትኩም ክንእዝዝ ኢና።

Translation | Context
ዘዳግም 7:1-3 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ናብታ ኽትወርሳ እትአትዋ ዘሎኻ ምድሪ ምስ ኣእተወካ፡ ብዙሓት ህዝብታትውን ካብ ቅድሜካ ምስ ሰጐጐልካ፡ ሔታውያንን ጌርሳውያንን ኣሞራውያንን ከነኣናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን፡ ሾብዓተ ኻባኻ ዚዐብዩን ዚሕይሉን ህዝብታት፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ቅድሜካ ኣሕሊፉ ምስ ዚህበካ፡ እሞ ምስ እትወቕዖም፡ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮም። ኪዳን ኣይትተኣታተዎም ኣይትምሐሮምውን። ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ።

Translation | Context
ሆሴዕ 5:6-7 | 3 Helpful votes

ኣባጊዖምን ከብቶምን ሒዞም ንእግዚኣብሄር ኪደልይዎ ይኸዱ፣ ግናከ ኣይረክብዎን፣ ንሱስ ካብኦም ርሑቑ እዩ። ድቓላታት ደቂ ስለ ዝወለዱ ንእግዚኣብሄር ጠለሙ። ሕጂ ድማ ሰርቂ ወርሑ ምስ ርስቶም ኪውሕጦም እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 2 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context