Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

missions


ማርቆስ 16:15 | 15 Helpful votes

በሎም ድማ፥ ናብ ኵላ ዓለም ኪዱ፡ ንብዘሎ ፍጥረት ከኣ ወንጌል ስበኹሉ።

Translation | Context
መዝሙር 96:3 | 8 Helpful votes

ክብሩ ኣብ ማእከል አህዛብ፣ ተአምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 13:47 | 8 Helpful votes

ጳውሎስን በርናባስን ከኣ ተቢዖም ከምዚ በሉ፡ ቃል ኣምላኽ ቅድም ንኣኻትኩም ኪንገር ይግባእ ነይሩ፡ ካብ ደፋእኩምዎን፡ ንናይ ዘለኣለም ህይወት ብቑዓት ከም ዘይኰንኩም ከኣ፡ ብርእስኹም ካብ ፈረድኩምንከ፡ እግዚኣብሄር፡ ክሳዕ ወሰን ምድሪ ንምድሓን ምእንቲ ኽትከውን፡ ነህዛብ ብርሃን ገበርኩኻ፡ ኢሉ ኣዚዙና እዩ እሞ፡ እንሆ፡ ገጽና ናብ ኣህዛብ ንመልስ አሎና።

Translation | Context
ሮሜ 10:13-15 | 8 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን። ግናኸ ነቲ ብእኡ ዘይአመኑ ኸመይ ኢሎም ኪጽውዕዎ እዮም፧ ብዛዕባኡ ኸይሰምዑኻ፡ ከመይ ገይሮም ብእኡ ኺኣምኑ፡ ብዘይሰባኺኸ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧ ከመዮ፡ ኣእጋር እቶም ሰናይ ዜበስሩ ኽንደይ ጽቡቕ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ፡ እንተ ዘይተላእኩስ፡ ከመይ ገይሮምዶ ኺሰብኩ እዮም፧

Translation | Context
ማቴዎስ 24:14 | 5 Helpful votes

እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:19 | 5 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 24:47 | 4 Helpful votes

ብስሙ ኸኣ ንስሓን ሕድገት ሓጢኣትን ካብ የሩሳሌም ጀሚሩ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ኪስበኽ፡ ጽሑፍ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 16:24 | 3 Helpful votes

ኣብ ማእከል ኣህዛብ ክብረቱ፡ ኣብ ኲሎም ህዝብታት ተኣምራቱ ንገሩ።

Translation | Context
ማርቆስ 13:10 | 3 Helpful votes

ቅድም ንዅሎም ኣህዛብ ወንጌል ኪስበኽ ከኣ ብግዲ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 26:14-18 | 3 Helpful votes

ኲላትና ናብ ምድሪ ምስ ወደቕና ኸኣ፡ ብቛንቋ እብራይስጢ፡ ሳውል፡ ሳውል፡ ከመይከ እትሰጐኒ፧ ናብ ኣንፊ ብልሒ እንተ ኣድሐርሐርካ፡ ንኣኻ ይገደካ፡ ኢሉ ዚዛረበኒ ድምጺ ሰማዕኩ። ኣነ ድማ፡ መን ኢኻ፡ ጐይታይ፧ በልክዎ። ጐይታ ኸኣ በለኒ፡ ኣነ እቲ ንስኻ እትሰጎ ዘሎኻ የሱስ እየ። ግናኸ ተንስእ እሞ ብእግርኻ ደው በል፡ ነቲ ዝርኤኻዮን ኣነ ድሕርዚ ኽገልጸልካ ዘሎንን ነገር ኣገልጋልን ምስክርን ክትከውን መዲበካ አሎኹ፡ ስለዚ ድማ እየ እተገለጽኩልካ። ካብ ህዝብኻን ካብቶም ናባታቶም ዝልእከካ ኣህዛብን ከኣ ከናግፈካ እየ፡ ንኣይ ብምእማን ከኣ ሕድገት ሓጢኣት ርስቲ ምስ ቅዱሳንን ኪረኽቡ፡ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ስልጣን ሰይጣንውን ናብ ኣምላኽ ኪምለሱ ኣዒንታቶም ክትከፍተሎም፡ እልእከካ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 96:1-13 | 2 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር ዘምሩ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሪ። ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፣ ንስሙ ባርኹ፣ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ አበስሩ። ክብሩ ኣብ ማእከል አህዛብ፣ ተአምራቱ ኣብ ማእከል ኵሎም ህዝብታት አዘንትዉ። እግዚኣብሄር ዓብዪ፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣዝዩ ብዙሕ እዩ እሞ፣ ካብ ኵሎም ኣማልኽቲ ዜፍርህ እዩ። ኵሎም ኣማልኽቲ አህዛብ ከንቱ እዮም፣ እግዚኣብሄር ግና ሰማያት ገበረ። ግርማን ክብረትን ኣብ ቅድሚኡ፣ ሓይልን ጽባቐን ኣብ መቕደሱ እዩ። አቱም ዓሌታት አህዛብ፣ ንእግዚኣብሄር ሀቡ፣ ክብርን ሓይልን ንእግዚኣብሄር ሀብዎ። ንእግዚኣብሄር ክብሪ ስሙ ሀቡ፣ መስዋእቲ ሒዝኩም ናብ አጸዱ እተዉ። ንእግዚኣብሄር ብቕዱስ ክብረት ስገዱ፣ ኵልኺ ምድሪ፣ ኣብ ቅድሚኡ አንቀጥቅጢ። አብ ማእከል አህዛብ፣ እግዚኣብሄር ነጊሱ፣ ዓለምውን ከይትናቓነቕ ጸኒዓ አላ፣ ነህዛብ ብቕንዕና ኺፈርዶም እዩ፣ ኢልኩም ንገሩ። ሰማያት ይተሐጐሱ፣ ምድሪውን ባህ ይበላ፣ ባሕርን ምልአቱን ይናወጽ። ይመጽእ፣ ንምድሪ ኺፈርድ ይመጽእ፣ ንዓለም ብጽድቂ፣ ነህዛብ ብሓቂ ኺፈርድ እዩ እሞ፣ መሮርን አብኡ ዘሎ ዅሉን ባህ ይበሎም፣ ሽዑ ዅላቶም ኣእዋም ዱር ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር እልል ኪብሉ እዮም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:8 | 2 Helpful votes

መንፈስ ቅዱስ ናባኻትኩም ምስ ዚወርድ ግና፡ ሓይሊ ኽትቅበሉ፡ ኣብ የሩሳሌምን ኣብ ኲላ ይሁዳን ኣብ ሰማርያን ክሳዕ ወሰን ምድሪ ምስክር ክትኰኑኒ ኢኹም፡ በሎም፡

Translation | Context
ራእይ 14:6 | 2 Helpful votes

ነቶም ኣብ ምድሪ ዚነብሩን ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብታትን ኪሰብከሎም ድማ፡ ናይ ዘለኣለም ወንጌል ዘለዎ ኻልእ መልኣኽ ኣብ ማእከል ሰማይ ኪዝምቢ ኸሎ ርኤኹ።

Translation | Context
ዮናስ 3:1-9 | 2 Helpful votes

ንዮናስ፣ ተንስእ፣ ናብ ነነዌ፣ ናብታ ዓባይ ከተማ፣ ኪድ፣ ኣነ ዝእዝዘካ ኣዋጅ ከኣ ኣውጀላ፣ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ካልኣይ ጊዜ መጾ። ዮናስ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር ተንስኤ፣ ናብ ነነዌውን ከደ። ነነዌ ግና ኣዝያ ዓባይ ከተማ፣ መገዲ ሰለስተ መዓልቲ እያ። ዮናስ ናብታ ኸተማ ኺኣቱ መገዲ ሓንቲ መዓልቲ ጀመረ እሞ፡ ነነዌ ኣርብዓ መዓልቲ ጸኒሓ ኽትግምጠል እያ፡ ኢሉ ኣወጀ። ሰብ ነነዌ ኸኣ ንኣምላኽ አመኑ፣ ጾም ድማ ኣወጁ፣ ካብ ዓበይቶም ክሳዕ ናእሽቱኦምውን ክሻ ተከድኑ። እዚ ወረ እዚ ናብ ንጉስ ነነዌ በጽሔ፣ ካብ ዝፋኑ ተንስኤ፣ ባርኖሱ ቐንጠጠ፣ ክሻ ተኸድነ፣ ኣብ ሓሙዅስቲ ድማ ተቐመጠ። ኣብ ነነዌ ብትእዛዝ ንጉስን መኳንንቱን ከምዚ ዚብል ኣዋጅ ተኣወጀ፡ ሰብ ወይስ እንስሳ፡ መጓ ኸብቲ ወይስ መጓ ኣባጊዕ ሓንቲ እኳ ኣይጥዐማ፡ ኣይውፈራ፡ ማይውን ኣይስተያ፡ ሰብን እንስሳን ክሻ ይከደኑ፡ ዓው ኢሎም ድማ ናብ ኣምላኽ የእውዩ። ነፍሲ ወከፍ ከኣ ካብ እኩይ መገዱን ካብቲ ኣብ ኢዱ ዘሎ ዓመጽን ይመለስ። ኣምላኽ እንተ ተመልሰን እንተ ተጣዕሰን፣ ንሕና ኸይንጠፍእ ከኣ ካብ ጕሁር ቍጥዓኡ እንተ ተመልሰ፣ መን ይፈልጥ፡

Translation | Context
ኢሳይያስ 6:8 | 2 Helpful votes

ንመን ክልእኽ፧ መንከ ኪኸደልና እዩ፧ ዚብል ድምጺ እግዚኣብሄር ሰማዕኩ። ኣነውን፡ እኔኹ ልኣኸኒ፡ በልኩ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 16:23 | 2 Helpful votes

ኲሉ ምድሪ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩ፡ ካብ መዓልቲ ንመዓልቲ ምድሓኑ ኣበስሩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 16:9 | 2 Helpful votes

ዓብይን ብርቱዕን ደገ ተኸፊቱለይ አሎ፡ ተጻረርቲ ኸኣ ብዙሓት እዮም እሞ፡ ክሳዕ በዓላት ሓምሳ ኣብ ኤፌሶን ክጸንሕ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:13 | 2 Helpful votes

ኣነ ንየማነይቲ ኢድካ ዝሕዝ፡ ኣይትፍራህ፡ ክድግፈካ እየ፡ ዝብል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ነቶም ዚወዳደሩኻ ኽትደልዮም ኣይክትረኽቦምን ከኣ ኢኻ፡ እቶም ዚዋግኡኻ ድማ ከንቱን ከም ገለ ዘይነበረን ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 52:7 | 2 Helpful votes

እቲ ብስራት ዜበስር፡ ሰላም ዜውሪ፡ ሰናይ ዜበስር፡ ምድሓን ዜውሪ፡ ንጽዮን ከኣ፡ ኣምላኽኪ ይነግስ፡ ዚብል፡ ኣእጋሩ ኣብ ኣኽራን ክንደይ ጽቡቓት እየን።

Translation | Context