Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

mind battles


ያእቆብ 4:7 | 8 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 7 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:1 | 7 Helpful votes

ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 6 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 5 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 26:3 | 4 Helpful votes

እቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነ፡ ብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:8 | 4 Helpful votes

ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:16 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 1:15 | 3 Helpful votes

ነቶም ንጹሃን ብዘሎ ዂሉ ንጹህ እዩ፡ ነቶም ርኹሳትን ዘይኣምኑን ግና፡ እቲ ኣእምሮኦምን ሕሊናኦምን ርኹስ እዩ እምበር፡ ከቶ ንጹህ የብሎምን።

Translation | Context
ፊልጲ 2:5 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ዝነበረ ሓሳብ ኣባኻትኩምውን ይሀሉኹም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:9 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።

Translation | Context
መዝሙር 142:1-7 | 3 Helpful votes

ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር ኤእዊ፣ ብድምጸይ ናብ እግዚኣብሄር እምህለል አሎኹ። ጓህየይ ኣብ ቅድሚኡ እኽዑ፣ ሽጋረይ ኣብ ቅድሚኡ እነግር። መንፈሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ማህመነ፣ መገደይ ፈለጥካ፣ ኣብታ ዝሐልፋ መገዲ መፈንጠራ ሐብኡለይ። ኣብ የማን ጠምት እሞ ርኤ፣ ዚፈልጠኒ የልቦን፣ መዕቈቢ ሰአንኩ፣ ንነፍሰይ ግዲ ዚገብረላ የልቦን። ዎ እግዚኣብሄር፣ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻ መዕቈብየይ፣ ኣብ ምድሪ ህያዋን ግደይ ኢኻ። ኣብ ብዙሕ መከራ እየ ዘሎኹ እሞ፣ ኣውያተይ ስማዕ፣ ሐይሎምኒ እዮም እሞ፣ ካብ ሰጐጒተይ ኣናግፈኒ። ንስምካ ኸማሱስ፣ ንነፍሰይ ካብ ማእሰርቲ ኣውጽኣያ፣ ሰናይ ክትገብረለይ ኢኻ እሞ፣ ጻድቃን ኪኸቡኒ እዮም።

Translation | Context