Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

menstruation


ዘሌዋውያን 15:19-30 | 22 Helpful votes

ሰበይቲ ድማ፡ ጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዂሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን። መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጻግኒኣ እንተ ጸየቖ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ዚድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኽኣ ርኹስ ይኹን። ሰበይቲ፡ በቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዘይኰነ፡ ነዊሕ መዓልቲ ደም ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ወይ ሓለፋ እቲ ጊዜ ጻግኒኣ ዛሕዛሕ እንተ በላ፡ ምኽዓው ርኽሰታ ኽሳዕ ዘሎ መዓልትታት፡ ከምቲ ብመዓልትታት ጻግኒኣ ትኹን፡ ርኽስቲ እያ። እቲ ምኽዓዋ ኽሳዕ ዘሎ ዂሉ መዓልትታት እትድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኸኣ ከምቲ ብእዋን ጻግኒኣ እትድቅሶ መደቀሲ ይኹን፡ ኮፍ እትብሎ ዂሉ ኣቕሓውን ከምቲ ርኽሰት ጻግኒኣ ርኹስ ይኹን። ነዚ ዝተንከዮ ዘበለ ኸኣ ርኹስ ይኹን፡ ክዳውንቱ ድማ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ካብ ምኽዓዋ እንተ ጸረየት ድማ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትቚጸር፡ ድሕርቲ ንጽህቲ ትኹን። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ትውሰድ፡ ኣብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን። እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ይግበረን። እቲ ኻህንውን ካብ ምኽዓው ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቃ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:18 | 17 Helpful votes

ሰብ ከኣ ምስ በዓልቲ ጻግነ ሰበይቲ እንተ ደቀሰ፡ ሕፍረታውን እንተ ቐልዔ፡ ፈልፋሊኣ ቐልዔ፡ ንሳ ኸኣ ፈልፋሊ ደማ ቐልዔት፡ ስለዚ ኽልቲኦም ካብ ማእከል ህዝቦም ኪምንቄሱ እዮም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 36:17 | 9 Helpful votes

ኣታ ወዲ ሰብ፣ ቤት እስራኤል ኣብ ሃገሮም ከለዉ፣ ብመገዶምን ግብሮምን የርክስዋ ነበሩ። መገዶም ኣብ ቅድመይ ከም ርኽሰት ጽግያት ሰበይቲ ነበረ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 15:19-24 | 9 Helpful votes

ሰበይቲ ድማ፡ ጻግነ ብምዃና ደም ካብ ስጋኣ እንተ ተኻዕዋ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትርከስ፡ ዝተንከያ ዘበለ ኸኣ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ብጻግኒኣ ዝደቀሰቶ ዂሉ ነገር ርኹስ ይኹን፡ ኮፍ ዝበለቶ ኸኣ ርኹስ ይኹን። መደቀሲኣ ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ንሳ ኾፍ ዝበለቶ ዂሉ ነገር ዝተንከየ ዘበለ ድማ ክዳውንቱ ይሕጸብ፡ ብማይ ከኣ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን። ነቲ መደቀሲኣ ወይ ኮፍ ኢላቶ ንዝነበረት ኣቕሓ ምስ ዚትንኪ፡ ክሳዕ ምሸት ርኹስ ይኹን። ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጻግኒኣ እንተ ጸየቖ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ዚድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኽኣ ርኹስ ይኹን።

Translation | Context
ሉቃስ 8:43-46 | 8 Helpful votes

እንሃ፡ ካብ ዓሰረተው ክልተ ዓመት ሒዛ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ኸኣ ኵሉ ገንዘባ ንሓኪማት ወድኤት፡ ግናኸ ሓደ እኳ ኺፍውሳ ኣይከኣለን። ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት፡ ብኡብኡ እቲ ምኽዓው ደማ ኣቋረጸ። የሱስ ከኣ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ በለ። ኵሎም፥ ኣይፋልናን፡ ምስ በሉ፡ ጴጥሮስ ምስቶም ምስኡ ዘልዉ ዀይኑ፥ መምህር፡ እዞም ህዝቢ ይደፍኡኻን ይጸቕቱኻን አለዉ፡ ንስኻ ድማ፥ መን እዩ ዝተንከየኒ፧ ትብል፡ በሎ። የሱስ ግና፥ ካባይ ሓይሊ ኸም ዝወጸ ይፍለጠኒ አሎ እሞ፡ ዝተንከየንስ አሎ፡ በሎ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 18:19 | 7 Helpful votes

ሰበይቲ ብጻግኒአ ረኺሳ ኸላ፡ ሕፍረታ ኽትቀልዕ ኣይትቕረባ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 18:6 | 6 Helpful votes

ኣብ ኣኽራን እንተ ዘይበልዔ፣ ኣዒንቱ ድማ ናብቶም ጣኦታት ቤት እስራኤል ቍሊሕ እንተ ዘይበላ፣ ሰበይቲ ብጻዩ እንተ ዝየራኸሰ፣ ኣብ ሰበይቲ ኸኣ ብጻግኒኣ እንተ ዘይቀረበ፣

Translation | Context
ዘሌዋውያን 15:28-30 | 6 Helpful votes

ካብ ምኽዓዋ እንተ ጸረየት ድማ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ትቚጸር፡ ድሕርቲ ንጽህቲ ትኹን። ኣብ ሳምነይቲ መዓልቲ ኸኣ ክልተ ባሬቶ ወይ ክልተ ጫጩት ርግቢ ትውሰድ፡ ኣብ ካህን ናብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ድማ ተምጽኣየን። እቲ ኻህን ድማ እታ ሓንቲ ንመስዋእቲ ሓጢኣት እታ ሓንቲ ኸኣ ንዝሓርር መስዋእቲ ይግበረን። እቲ ኻህንውን ካብ ምኽዓው ርኽሰታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የተዐርቃ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 22:10 | 4 Helpful votes

ኣባኺ ሓፍረት ኣቦ ገለጹ፣ ኣባኺ ሰበይቲ በቲ ጊዜ ደም መርገማ ኣዋረዱ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 15:16 | 4 Helpful votes

ሰብኣይ ካብ ዘርኡ እንተ ወጾ ድማ ብዘሎ ስጋኡ ብማይ ይተሐጸብ፡ ክሳዕ ምሸትውን ርኹስ ይኹን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 31:35 | 3 Helpful votes

ንሳ ኸኣ ነቦኣ፥ ጐይታይ፡ እቲ ናብ ኣንስቲ ዚኸውን መጺኡኒ እዩ እሞ፡ ኣብ ቅድሜኻ ሓፍ ክብል ኣይክእልን እየ፡ ኣይትዀርየለይ በለቶ። ንሱ ኸኣ ደለየ፡ ነቶም ጣኦታት ግና ኣይረኸቦምን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 15:24 | 2 Helpful votes

ሰብኣይ ምስኣ ደቂሱ ጻግኒኣ እንተ ጸየቖ፡ ሾብዓተ መዓልቲ ርኹስ ይኹን፡ ንሱ ዚድቅሶ ዂሉ መደቀሲ ኽኣ ርኹስ ይኹን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 18:11 | 2 Helpful votes

ሕጂ ድማ ኣብርሃምን ሳራን ዕለቶም ዘብጽሑ ኣሪጎም ነበሩ፡ ንሳራ ድማ እቲ ልምዲ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ።

Translation | Context