Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

meditation


እያሱ 1:8 | 12 Helpful votes

ነቲ ኣብኡ እተጻሕፈ ምእንቲ ተጠንቂቕካ ኽትገብሮስ፡ መዓልትን ለይትን ኣስተንትኖ እምበር፡ እዚ መጽሓፍ ሕጊ እዚ ኻብ ኣፍካ ኣይተፍለ። ሽዑ መገድኻ ተቕንዕ እሞ፡ ሽዑ ድማ ኪሰልጠካ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 1:2 | 8 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 19:14 | 7 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ከውሔይን መድሓንየይን፣ ቃላት ኣፈይን ሓሳባት ልበይን ኣብ ቅድሜኻ ብሁግ ይኹን።

Translation | Context
መዝሙር 119:15 | 6 Helpful votes

ንትእዛዛትካ ኤስተንትኖ፣ ንመገድኻውን እቋመቶ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 104:34 | 5 Helpful votes

ቃላተይ ባህ የብሎ፣ ብእግዚኣብሄር እሕጐስ እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 5 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context
ምሳሌ 4:20-22 | 4 Helpful votes

ወደየ፡ ናብ ቃላተይ ኣቕልብ፡ ኣዝንኻ ናብ ዘረባይ ኣድንን። ንዝረኽበን ህይወቱ፡ ንብዘሎ ስጋኡ ኸኣ ፈውሱ እየን እሞ፡ ካብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይተርሕቀን፡ ኣብ ውሽጢ ልብኻ ዕቘረን።

Translation | Context
መዝሙር 119:97 | 3 Helpful votes

ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፣ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 49:3 | 3 Helpful votes

ኣፈይ ጥበብ ይዛረብ፣ ሓሳብ ልበይ ከኣ ናይ ምስትውዓል እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 26:3 | 3 Helpful votes

እቲ ጽኑዕ ዝሃቐናኡ ኣባኻ ስለ እተማሕጸነ፡ ብሰላም፡ እወ ብሰላም ትሕልዎ።

Translation | Context
መዝሙር 1:1-6 | 2 Helpful votes

ብምኽሪ ረሲኣን ዘይመላለስ፣ ኣብ መገዲ ሓጥኣን ከኣ ዘይቀውም፣ ኣብ መንበር መላገጽቲ ድማ ዘይቅመጥ፣ ብሕጊ እግዝኣብሄር ደኣ ዚፍሳህ፣ ነቲ ሕጉውን ለይትን መዓልትን፣ ዚመራምሮ ሰብሲ ብጹእ እዩ። ንሱ ኸምታ ፍሬአ በብጊዜኣ እትህብ፣ ቈጽላ ኸኣ ዘይረግፍ፣ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ እተተኽለት ኦም ይኸውን። ዚገብሮ ዅሉውን ይሰልጦ። እቶም ረሲኣን ከምቲ ንፋስ ዚብትኖ ብቚብቚ እዮም እምበር፣ ከምዚ ኣይኰኑን። ንመገዲ ጻድቃንሲ እግዚኣብሄር ይፈልጣ እዩ፣ መገዲ ረሲአን ግና ኽትጠፍእ እያ እሞ፣ ስለዚ ረሲኣን ኣብ ፍርዲ፣ ሓጥኣንውን ኣብ ማሕበር ጻድቃን ኣይኪቘሙን እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:6 | 2 Helpful votes

ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 119:148 | 2 Helpful votes

ንቓልካ ኼስተንትንሲ፣ ኣዒንተይ ነቶም ናይ ለይቲ ሓለውቲ ቐደማኦም።

Translation | Context
መዝሙር 119:11 | 2 Helpful votes

ንኣኻ ምእንቲ ኸይብድልሲ፣ ንቓልካ ኣብ ልበይ ዐቘርክዎ።

Translation | Context
መዝሙር 119:97-99 | 2 Helpful votes

ንሕግኻ እምብዛ ኣፍቀርክዎ፣ ምሉእ መዓልቲ ኤስተንትኖ አሎኹ። ትእዛዛትካ ንሓዋሩ ምሳይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ጸላእተይ ኣለበመኒ። ምስክራትካ ምስትንታነይ እዩ እሞ፣ ሓለፋ ዅሎም መምህራነይ ለባም ኰንኩ።

Translation | Context