Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

medicine


ህዝቅኤል 47:12 | 11 Helpful votes

ወሰነ ወሰን እዚ ርባ በዝን በትን ኵሉ ኦኣይነት ፈራዪ ኣእዋም ኪበቍል እዩ። ኣቍጽልቱ ኣይኪጽምሉን፣ ፍሬኡውን ኣይኪውዳእን እዩ። ማያቱ ካብቲ መቕደስ እዩ ዚፍልፍል እሞ፣ ኣብ ወወርሒ ሓድሽ ፍረ ኺፈሪ፣ ፍሬታቱ ንምግቢ፣ ኣቍጽልቱ ድማ ንመድሓኒት ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 38:21 | 7 Helpful votes

ኢሳይያስ ግና፡ ጽባጥ በለስ ገይሮም፡ ነቲ ዝሐበጠ ይለብጥዎ እሞ ኪሐዊ እዩ፡ ኢሉ ነበረ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:22 | 6 Helpful votes

ሕጉስ ልቢ ጽቡቕ መድሃኒት እዩ፡ ስቡር መንፈስ ግና ነዕጽምቲ የንቅጾ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:23 | 6 Helpful votes

ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ።

Translation | Context
ማቴዎስ 9:12 | 6 Helpful votes

የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን።

Translation | Context
ሉቃስ 10:34 | 4 Helpful votes

ናብኡ ቐሪቡ ኣቑሳሉ ሰፈፈሉ፡ ዘይትን ወይንን ከኣ ኣፍሰሰሉ፡ ኣብ ኣድጉ ኣወጢሑውን ናብ ማሕደር ኣጋይሽ ወሲዱ አለዮ።

Translation | Context
መዝሙር 103:3 | 4 Helpful votes

ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣

Translation | Context
ኤርምያስ 8:22 | 3 Helpful votes

ዚልከ ፈውሲዶ ኣብ ጊልኣድ የልቦን፧ ፈዋሲዶኸ ኣብኡ የልቦን እዩ፧ ስለምንታይ ደኣ ቚስሊ ጓል ህዝበይ ተሰፈፉ ዘይሐዊ፧

Translation | Context
ያእቆብ 5:15 | 3 Helpful votes

እታ ናይ እምነት ጸሎት ድማ ነቲ ሕሙም ከተድሕኖ እያ፡ ጐይታውን ከተንስኦ እዩ። ሓጢኣት ገይሩ እንተ ዀይኑውን ኪሕደገሉ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 3 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ራእይ 22:2 | 3 Helpful votes

ብማእከል እቲ ኣደባባይ ይውሕዝ። ነቲ ርባ ብኽልተ ጎቦኡ ድማ ኣብ ወወርሒ እናፈረየት ዓሰርተው ክልተ ፍረ እትህብ ኦም ህይወት አላ። ቈጽሊ እታ ኦም እቲኣ ኸኣ ፈውሲ ህዝብታት ኰይኑ አሎ።

Translation | Context
እዮብ 5:18 | 2 Helpful votes

ንሱ የቚስልን ይዘንንን፡ ንሱ ይወቅዕ ኣእዳው የሕውያ።

Translation | Context
ኤርምያስ 46:11 | 2 Helpful votes

ኣቲ ድንግል ጓል ግብጺ፡ ናብ ጊልኣድ ድይቢ፡ ቅዲት ከኣ ውሰዲ። ንኸንቱ ኣፋውስ ተብዝሒ ኣሎኺ፡ ኣየሕውየክን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 30:2 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ኣነ ናባኻ ኣእዌኹ፣ ንስኻውን ኣጥዔኻኒ።

Translation | Context
ማርቆስ 5:24-29 | 2 Helpful votes

ምስኡ ድማ ኸደ፡ ብዙሓት ህዝቢ ኸኣ ሰዐብዎ፡ ይደፍእዎውን ነበሩ። ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ነበረት። ንሳ ብብዙሓት ሓኪማት ብዙሕ ተሰቀየት፡ ኵሉ ገንዘባውን ወድኤት፡ ግናኸ ገደዳ እምበር፡ ኣይጠቐማን። ብዛዕባ የሱስ ምስ ሰምዔት፡ ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬዅ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ አላ እሞ፡ ብማእከል እቶም ህዝቢ ብድሕሪኡ መጺኣ ኽዳኑ ተንከየት። ብኡብኡ ዓይኒ ደማ ነቐጸ፡ ካብ ሕማማ ከም ዝሐወየት ከኣ ንነፍሳ ተፈለጣ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 20:5-8 | 2 Helpful votes

ተመለስ እሞ ንህዝቅያስ፡ ነቲ መስፍን ህዝበይ፡ በሎ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣቦኻ ዳዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ጸሎትካ ሰሚዔ፡ ንብዓትካ ርእየ፡ እኔኹ፡ ከሕውየካ እየ፡ በታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ክትድይብ ኢኻ። ኣብ ልዕሊ ዕድሜኻውን ዓሰርተው ሓሙሽተ ዓመት ወሲኸልካ አሎኹ፡ ንኣኻን ነዛ ኸተማ እዚኣን ከኣ ካብ ኢድ ንጉስ ኣሶር ከድሕነኩም እየ፡ ነዛ ኸተማ እዚኣ ምእንታይን ምእንቲ ዳዊት ባርያይን ኢለ ኽከላኸለላ እየ። ኢሳይያስ ድማ፡ ጐጎ በለስ ኣምጽኡለይ፡ በለ። ኣምጺኦም ከኣ ኣብቲ ቚስሊ ገበረሉ እሞ፡ ሐወየ። ህዝቅያስ ድማ ንኢሳይያስ፡ እግዚኣብሄር ከም ዘሕወየንን፡ ኣብ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ከም ዝድይብከ፡ ምልክቱ እንታይ እዩ፧ በሎ።

Translation | Context
መዝሙር 147:3 | 2 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።

Translation | Context
ኤርምያስ 30:13 | 2 Helpful votes

ክትስፈፊ ኢሉ፡ ነገርኪ ዚጣበቐልኪ የልቦን፡ ዜሕዊ ፈውሲ ከኣ የብልክን።

Translation | Context