Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

maturity


1ይ ቈረንቶስ 14:20 | 15 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ በእምሮ ሰብኡት ኩኑ፡ ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር፡ ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:11 | 13 Helpful votes

ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:14-15 | 10 Helpful votes

ድሕሪ ሕጂ ንሕና በቲ ኻብቲ ብምጥባር ሰብን ንምፍሓስ ስሕተት ዚኸውን ተንኰልን ዚመጽእ ናይ ትምህርቲ ዅሉ ንፋስ ንየው ነጀው እንድፋእን እንኽብከብን ቈልዑ ምእንቲ ኸይንኸውንሲ፡ ብፍቕሪ ንሓቂ እናሰዓብና፡ ናብቲ ርእሲ ዝዀነ ክርስቶስ ንዕበ።

Translation | Context
እብራውያን 5:12-13 | 6 Helpful votes

ከም ምንዋሕ ዘመንስ መምህራን ክትኰኑ እኳ ምተገብኣኩም ነይሩ፡ ነቲ ናይ መጀመርታ ትምህርቲ ቘልዑ ናይ ቃል ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ኪምህሩኹም የድልየኩም አሎ እሞ ጸባ ደኣ እምበር፡ ዕጹም ብልዒ ኣየድልየኩምን እዩ። ጸባ ዚቕለብ ዘበለ ዅሉ ቘልዓ እዩ እሞ፡ ብናይ ጽድቂ ነገር ፍቱን ኣይኰነን።

Translation | Context
እብራውያን 6:1-3 | 4 Helpful votes

ስለዚ ናይ ክርስቶስ መጀመርታ ነገሩ ሐዲግና፡ ብንስሓ ኻብ ምዉት ግብሪ፡ ብእምነት ብኣምላኽ፡ ብትምህርቲ ጥምቀት፡ ብምንባር ኣእዳው፡ ብትንሳኤ ምዉታት፡ ብናይ ዘለኣለም ፍርዲውን ከም ብሓድሽ መሰረት ኣይንሰርት እሞ ናብ ፍጻሜ ንሕለፍ። ኣምላኽ እንተ ፈቐዶስ፡ ነዚ ድማ ክንገብሮ ኢና።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:13 | 4 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:1-27 | 3 Helpful votes

ያእቆብ ናይ ኣምላኽን ናይ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ባርያ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ ዓሰርተው ክልተ ነገድ ሰላም ይብሎም አሎ። ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ። ሓደ ኻባኻትኩም ጥበብ እንተ ጐደለቶ ግና፡ ነቲ ኸየስተሐፈረ ንዅሉ ብልግሲ ዚህብ ኣምላኽ ይለምኖ፡ ኪውሀቦውን እዩ። እቲ ዚጣራጠርሲ ኸምቲ ንፋስ ዚደፍኦን ዚመልሶን ማዕበል ባሕሪ እዩ ዚመስል እሞ፡ ከይተጣራጠረ ደኣ ብእምነት ይለምን። ክልተ ዝልቡ ሰብኣይ ብዅሉ መገዱ ጽኑዕ ኣይኰነን እሞ፡ እቲ ኸምዚ ዘመሰለ ሰብ ካብ ጐይታ ገለ ዚቕበል ኣይምሰሎ። እቲ ለጠቕ ዝበለ ሓው ግና ልዕል ብምባሉ ይመካሕ። እቲ ሃብታምውን፡ ከም ዕምባባ ሳዕሪ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ብውርደቱ ይመካሕ። ጸሓይ ምስ ዋዒኣ ትወጽእ እሞ፡ ነቲ ሳዕሪ ተንቅጾ፡ እቲ ዕምባባኡ ኸኣ ይረግፍ፡ ደመት ትርኢቱ ድማ ይጠፍእ፡ ከምኡውን እቲ ሃብታም ብመገዱ ኺሐርር እዩ። ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ። ኣምላኽሲ ብእኩይ ኣይፍተንን ባዕሉውን ንሓደ እኳ ኣይፍትንን እዩ እሞ፡ ሓደ እኳ ምስ ተፈተነ፡ ኣምላኽ ፈቲኑኒ ኣይበል። ነፍሲ ወከፍ ግና ብገዛእ ትምኒቱ ተስሒቡን ተሐቢሉን እዩ ዚፍተን። ደሓር፡ ትምኒት ምስ ጠነሰት፡ ንሓጢኣት ትወልዶ፡ ሓጢኣት ምስ ተፈጸመ ድማ፡ ንሞት ይወልዶ። ኣቱም ፍቁራት ኣሕዋተይ፡ ኣይትስሐቱ። ጽቡቕ ውህበትን ምሉእ ውህበትን ካብ ላዕሊ እዩ፡ ካብቲ ለውጢ ወይስ ምምልላስ ጽላሎት ዜብሉ ኣቦ ብርሃናት እዩ ዚወርድ። በዅሪ ፍጥረቱ ምእንቲ ኽንከውን ኢሉ እዩ ኸም ፍቓዱ ብቓል ሓቂ ዝወለደና። ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን። ስለዚ ንርኽሰት ዘበለን ብዝሒ ኽፍኣትን ኣርሕቑ፡ ነቲ ንነፍስኹም ኬድሕና ዚከኣሎ ትኹል ቃልውን ብገርህነት ተቐበልዎ። ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 5:3-4 | 3 Helpful votes

ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:18 | 3 Helpful votes

ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

Translation | Context
ያእቆብ 1:22-25 | 2 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:18 | 2 Helpful votes

ፍርሃትሲ ስቓይ እያ እተምጽእ፡ እቲ ዚፈርህ ከኣ ብፍቕሪ ፍጹም ኣይኰነን፡ እታ ፍጽምቲ ፍቕሪ ንፍርሃት ተባርራ ደኣ እምበር፡ ኣብታ ፍቕርስ ፍርሃት የልቦን።

Translation | Context
ምሳሌ 9:9 | 2 Helpful votes

ንጠቢብ ትምህርቲ ሀቦ እሞ ወሲኹ ኺጠብብ፡ ንጻድቕ ምሀሮ እሞ ፍልጠት ኪውስኽ እዩ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:12 | 2 Helpful votes

ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ አሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን።

Translation | Context
ገላትያ 2:20 | 2 Helpful votes

ግናኸ ክርስቶስ እዩ ኣባይ ዚነብር ዘሎ እምበር፡ ደጊም ኣነ ኣይኰንኩን ዝነብር ዘሎኹ። እዚ ሕጂ ብስጋ ዝነብሮ ዘሎኹ ድማ፡ ብእምነት በቲ ዘፍቀረኒ ምእንታይውን ነፍሱ ዘሕለፈለይ ወዲ ኣምላኽ እየ ዝነብር ዘሎኹ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:22 | 2 Helpful votes

ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ።

Translation | Context