Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

math


1ይ ነገስት 7:23 | 16 Helpful votes

ናይ ፍሲ ባሕሪ ድማ ካብ ወሰን ክሳዕ ወሰን ዓሰርተ እመት ዝምግፋሑ ብዙርያኡ ኸቢብ ገይሩ ሰርሔ፡ ቊመቱ ኸኣ ሓሙሽተ እመት ነበረ፡ ብዘሎ እቲ ዙርያኡ ድማ ስፍሩ ብሰላሳ እመት ዝምንዋሑ ገመድ ነበረ፡

Translation | Context
መዝሙር 90:12 | 11 Helpful votes

ጥበበኛ ልቢ ምእንቲ ኽንረክብሲ መዓልትታትና ኽንቈጽር ምሀረና።

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:15-16 | 8 Helpful votes

ከምዚ ኸኣ ግበራ፥ ምናሕ እታ መርከብ ሰለስተ ሚእቲ እመት፡ ምግፍሓ ሓምሳ እመት፡ ቍመታ ድማ ሰላሳ እመት ይዅን። ነታ መርከብ ኣብ ላዕላያ እመት ዝቝመቱ መስኰት ግበረላ። ኣፍ ደገ እታ መርከብ ድማ ብጎቦኣ ግበሮ። ታሕታይን ካልኣይን ሳልሳይን ደርቢ ግበረላ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 6:2-3 | 7 Helpful votes

እታ ንጉስ ሰሎሞን ንእግዚኣብሄር ዝሰርሓሉ ቤት ድማ ምንዋሓ ስሳ እመት፡ ምግፋሓ ኸኣ ዕስራ እመት፡ ቁመታውን ሰላሳ እመት ነበረ። እቲ ኣብ ቅድሚ ቤት መቕደስ ዝነበረ ገበላ ድማ ምንዋሑ ኸም ምግፋሕ እታ ቤት ዕስራ እመት፡ ምግፋሑ ኣብ ቅድሚ እታ ቤት ከኣ ዓሰርተ እመት ነበረ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:28 | 6 Helpful votes

ካባኻትኩምከ፡ ምስራሕ ግምቢ ዚደሊ እሞ መሰረት ምስ ሰረተ፡ ምውዳኡ እንተ ሰኣነ፡ ዝረአይዎ ዅሎም፡ እዚ ሰብኣይዚ ምንዳቕ ጀሚሩስ ምውዳኡ ስኢኑ፡ ኢሎም ምእንቲ ኼላግጹሉ ኸይጅምሩ፡ ንመወድኢኡ ዚኣኽሎ ገንዘብ እንተለዎ፡ ቅድም ተቐሚጡ ዘይጽብጽብ፡ እንታዋይ እዩ፧

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 4 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 6:19-20 | 3 Helpful votes

ምሳኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎም ድማ፡ ካብ ኵሉ ህያው ካብ ስጋ ዘበለ፡ ከክልተ ኻብ ኵሉ ዓይነት ናብ መርከብ ኣእቱ፡ ተባዕታይን ኣንስተይትን ይኹኑ። ንስኻ ብህይወት ምእንቲ ኽትሕልዎምሲ፡ ካብ ኣዕዋፍ በብዓይነተን፡ ካብ እንስሳ በብዓይነቱ ኣብ ምድሪ ለመም ካብ ዚብል በብዓይነቱ ጌርካ፡ ካብ ዝዀነ ዓሌት ከክልተ ናባኻ ይእተዉ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 6:6 | 3 Helpful votes

እቲ ኣግማል ኣብ ውሽጢ እቲ መንደቕ እታ ቤት ከይተሐዝሲ፡ ኣብቲ መንደቕ እታ ቤት ብግዳም ዙርይኣ ሕድጋት ገበረላ እሞ፡ እታ ታሕተይቲ ኽፍሊ ምግፋሓ ሓሙሽተ እመት፡ እታ ማእከለይቲ ድማ ምግፋሓ ሹድሽተ እመት፡ እታ ሳልሰይቲ ኸኣ ምግፋሓ ሾብዓተ እመት ነበረ።

Translation | Context
ምሳሌ 1:1-33 | 3 Helpful votes

ምስላታት ሰሎሞን፡ ወዲ ዳዊት ንጉስ እስራኤል፡ ጥበብን ተግሳጽን ንምፍላጥ፡ ቃላት ፍልጠት ንምስትውዓል፡ ዜለብም ተግሳጽን ጽድቅን ፍርድን ቅንዕናን ንምቕባል፡ ነቶም ገርህታትሲ ጥበብ፡ ንመንእሰይ ድማ ፍልጠትን ጥንቃቐን ንምሃብ እዩ። እቲ ጠቢብ ንምሳሌን ትርጓሜን ዘረባ ጠቢባንን ዓሚቝ ሓሳባቶምን ኬስተውዕልሲ፡ ነዚ ይስማዕ ፍልጠቱውን ይወስኽ፡ እቲ ለባም ከኣ ምኽሪ የጥሪ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ንጥበብ መጀመርያኣ እዩ፡ ዓያሱ ንጥበብን ትምህርትን ይንዕቅዎ። ወደየ፡ እዚ ንርእስኻ ዘውዲ ጸጋ፡ ንኽሳድካ ኸኣ ስልማት ድሪ እዩ እሞ፡ ንተግሳጽ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ንትምህርቲ ወላዲትካ ድማ ኣይትሕደጎ። ወደየ፡ ሓጥኣን እንተ ሓባበሉኻ፡ ሕራይ ኣይትበሎም። ንሳቶም እንተ በሉ፡ ምሳና ንዓ፡ ደም ከነፍስስሲ ነድቢ፡ ነቲ ንጹህ ብዘይ ምኽንያት መጻወድያ ነጻውደሉ፡ ጠሪሶም ናብ ጕድጓድ ከም ዚወርዱ፡ ብህይወውቶም ከለዉ ኸም ሲኦል ኴንና ንውሐጦም። ክቡር ገንዘብ ዘበለ ኽንረክብ፡ ነባይትና በቲ ዝዘመትናዮ ኽንመልኦ ኢና። ዕጫኻ ምሳና ኣውድቕ፡ ናይ ኵልና ማሕፉዳ ብሓደ ይኹን፡ እንተ በሉ፡ ወደየ፡ ኣእጋሮምሲ ናብ ክፉእ ይጐያ፡ ንምፍሳስ ደም ይቕልጥፋ እየን እሞ፡ መኻይዲ መገዶም ኣይትኹን፡ እግርኻስ ካብ መገዶም ደኣ ኸልክል። መፈንጠራ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ ዅለን እንተ ኣኽናፍ ዘለወን ብኸንቱ ይጻወድ። ንሳቶም ግና ንብገዛእ ደሞም የድብዩሉ፡ ንብገዛእ ነፍሶም ከኣ ውዲት ይገብሩሉ። መገዲ ነፍሲ ወከፍ ንህርፋን ረብሓ እተዋህበ ኸምዚ እዩ፡ ንሳ ንነፍሲ ዋናኣ ተጥፍኣ። ጥበብ ኣብ ወጻኢ ትጭድር፡ ኣብ ኣደባባያት ድምጻ ተስምዕ። ጫውጫው ኣብ ዘለዎ ጐደና ትጽውዕ፡ ኣብ ኣፍ ደጌታት፡ ኣብ ከተማ፡ ቃላት ትዛረብ፡ ኣቱም ዓያሱ፡ ክሳዕ መኣዝከ ዕሽነት ክትፈትዉ ኢኹም፡ መላገጽቲ ኸኣ ክሳዕ መኣዝ ላግጺ ባህ ኪብሎም፡ ደናቝርቲውን ፍልጠት ኪጸልኡ እዮም። ናብ ተግሳጸይ ተመለሱ፡ እንሆ፡ መንፈሰይ ከፈልፍለልኩም ቃላተይ ከፍልጠኩም እየ። ጸዊዔስ እምቢ ስለ ዝበልኩም፡ ኢደይ ዘርጊሔውን ዘስተብሀለ ስለ ዜልቦ፡ ኤረ ምኽረይ ዘበለ ደኣ ኣቤኹም፡ ተግሳጸይ ከኣ ኣይተቐበልኩምን ኣነውን፡ እቲ እትፈርህዎ ኸምጽእ ከሎ፡ እቲ እትፈርህዎ ኸም ህቦብላ ኺመጽእ፡ መከራ ኸም ሾምቦባ ዀይኑ ኺበጽሃኩም፡ ጸበባን ጭንቀትን ኪወርደኩም ከሎ፡ ብመከራኹም ክስሕቕ እየ፡ ኣነ ኸባጭወልኩም እየ። ሽዑ ናባይ ኪምህለሉ እዮም፡ ኣነ ግና ኣይክመልሰሎምን እየ፡ ኣንጊሆም ኪደልዩኒ፡ ግናኸ ኣይኪረኽቡንን እዮም። ፍልጠት ስለ ዝጸልኡ፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ስለ ዘይመረጹ፡ ምኽረይ ስለ ዘይፈተዉ፡ ንዅሉ ተግሳጸይ ስለ ዝነዐቕዎ፡ ፍረ መገዶም ኪበልዑ፡ ካብቲ ምኽሮም ከኣ ኪጸግቡ እዮም። እወ፡ ነቶም ዓያሱ ዕልወቶም ኪቐትሎም፡ ነቶም ደናቝርቲ ኸኣ እቲ ሸለል ምባሎም ኬጥፍኦም እዩ። እቲ ዚሰምዓኒ ግና ብደሓን ኪነብር፡ ንኽፉእ ከይፈርሄ ኸኣ ኪሀድእ እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:2-3 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ነቲ ዝገበሮ ግብሩ በታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ፈጸሞ፡ ብሳብዓይቲ መዓልቲ ድማ ኻብቲ ዝገበሮ ዅሉ ግብሩ ዐረፈ። ኣምላኽ ከኣ ኻብቲ ዝፈጠሮን ዝገበሮን ኵሉ ግብሩ ብእኣ ስለ ዝዓረፈ፡ ነታ ሳብዐይቲ መዓልቲ ባረኻን ቀደሳን።

Translation | Context
ዮሃንስ 21:11 | 2 Helpful votes

ስምኦን ጴጥሮስ ናብታ ጃልባ አትዩ፡ ነቲ ሚእትን ሓምሳን ሰለሰትን ገዘፍቲ ዓሳ ዝመልኤ መርበብ ናብ ምድሪ ጓተቶ። ክሳዕ ክንድዚ ብዙሓት ክነሶምሲ፡ እቲ መርበብ ኣይተቐደን።

Translation | Context