Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

marriage and virginity


ዘፍጥረት 2:24 | 10 Helpful votes

ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:1-40 | 10 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ። ነቶም እተመርዓዉ ግና፡ ዚእዝዝ ዘሎ ጐይታ እዩ እምበር፡ ኣነ ኣይኰንኩን፡ እታ ሰበይቲ ኻብ ሰብኣያ ኣይትፈታሕ፡ እንተ ተፈትሔት ከኣ፡ በኪ ትንበር ወይስ ምስ ሰብኣያ ትተዓረቕ፡ ሰብኣይውን ሰበይቱ ኣይፍታሕ፡ ኢለ እእዝዝ አሎኹ። ነቶም ካልኦት ድማ ኣነ እብል አሎኹ፡ ጐይታ ኣይኰነን፡ እቲ ዘይኣማኒ ሰብኣይ በታ ሰበይቱ ተቐዲሱ እዩ፡ እታ ዘይኣማኒት ሰበይቲውን በቲ ሓው ተቐዲሳ እያ እሞ፡ ከምኡ እንተ ዘይከውንሲ፡ ውሉድኩም ርኹሳት ምዀኑ ነይሮም፡ ሕጂ ግና ቅዱሳን እዮም። ሓደ ሓው ዘይኣማኒት ሰበይቲ እንተ አላቶ፡ ንሳ ድማ ምስኡ ኽትነብር እንተ ፈተወት፡ ኣይፍትሓያ፡ ሰበይቲውን ዘይኣማኒ ሰብኣይ እንተ ኣለዋ፡ ንሱ ኸኣ ምስኣ ኺነብር እንተ ፈተወ፡ ነቲ ሰብኣያ ኣይትፍትሓዮ። ኣቲ ሰበይቲ፡ ንሰብኣይኪ እንተ ኣድሐንክዮ፡ እንታይ ትፈልጢ፧ ወይስ ኣታ ሰብኣይ፡ ንሰበይትኻ እንተ ኣድሐንካያ፡ እንታይ ትፈልጥ፧ እቲ ዘይኣማኒ እንተ ተፈልየ ግና፡ ይፈለ። ሓው ወይስ ሓብቲ በዚ ኸምዚ ዘመሰለ ኣብ ትሕቲ ባርነት ኣይኰኑን ዘለዉ፡ ኣምላኽ ግና ብሰላም ክንነብር ጸዊዑና አሎ። ብዝተረፈስ፡ ነፍሲ ወከፍ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝዓደሎ፡ ነፍሲ ወከፍውን ከምቲ ኣምላኽ ዝጸውዖ ዀይኑ ይመላለስ፡ ንዂላተን ማሕበራት ከምኡ እየ ዝሰርዕ ዘሎኹ። ግዙር ክነሱ እተጸውዔዶ አሎ፧ ዘይግዙር ምዃኑ ኣይድለ። ዘይግዙር ክንሱ እተጸውዔኸ ኣሎዶ፧ ኣይገዘር። ምሕላው ትእዛዛት ኣምላኽ እዩ ዚጠቅም እምበር፡ ግዝረት ፍረ የብሉን፡ ዘይግዝረትውን ፍረ የብሉን። ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸዋዓሉ ጽውዓ ይንበር። ባርያ ኽነስኻ ዲኻ እተጸዋዕካ፧ ኣይትጒሄ። ሓራ ኽትወጽእ እንተ ዀነልካ ግና፡ ከምኡ ግበር። እቲ ባርያ ኽነሱ እግዚኣብሄር ዝጸውዖ፡ ናይ እግዚኣብሄር ውጹእ ሓራ እዩ። ከምኡውን እቲ ሓራ ኽነሱ እተጸውዔ፡ ባርያ ክርስቶስ እዩ። ብዋጋ ተዓዲግኩም ኢኹም፡ ባሮት ሰብ ኣይትኹኑ። ኣሕዋተየ፡ ነፍሲ ወከፍ በቲ እተጸውዖ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ብእኡ ይንበር። ብናይ ደናግል ግና፡ እሙን ክኸውን ካብ እግዚኣብሄር ምሕረት ከም እተቐበልኩ፡ ሓሳባይ እብል አሎኹ እምበር፡ ካብ እግዚኣብሄር ትእዛዝ የብለይን። እምብኣርሲ ንሰብ ብምኽንያት እቲ ሎሚ ዘሎ ጭንቀት ከምታ ዘለዋ ዀይኑ ኺነብር ጽቡቕ ከም ዝዀነ፡ ይመስለኒ። ብሰበይትኻዶ እሱር ኢኻ፧ ፍትሕ ኣይትድለ። ብሰበይትኻዶ ኣይተኣሰርካን፧ ሰበይቲ ኣይትድለ። ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ ድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ግና እነግር አሎኹ፡ እቲ ዘመን ሓጺር እዩ፡ እቶም ኣንስቲ ዘለዋኦም ድሕርዚ ኸም ዜብሎም ይኹኑ። እቶም ዚበኽዩ ኸም ዘይበኽዩ፡ እቶም ዚሕጐሱ ኸኣ ከም ዘይሕጐሱ፡ እቶም ዚዕድጉውን ከም ዘየጥረዩ ይኹኑ። ንብረት እዛ ዓለም እዚኣ ሓላፊ እዩ እሞ፡ እቶም በዛ ዓለም እዚኣ ዚጥቀሙ ኸም ዘይተጠቕሙ ይኹኑ። ኣነ ግና ብዘይ ሓልዮ ኽትኰኑ እየ ዝፈቱ። እቲ ዘይተመርዓወ ኸመይ ገይሩ ንጐይታ ኸም ዜሐጒሶ ብናይ ጐይታ እዩ ዚሐሊ። እቲ እተመርዓወ ግና ንሰበይቱ ኸመይ ገይሩ ኸም ዜሐጒሳ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዚሐሊ። ናይ ምርዕውቲ ሰበይትን ናይ ድንግልን ድማ በበይኑ እዩ። እታ ዘይተመርዓወት፡ ስጋኣን መንፈሳን ምእንቲ ኪቕደስ ኢላ፡ ብናይ ጐይታ እያ እትሐሊ፡ እታ ምርዕውቲ ግና፡ ከመይ ገይራ ንሰብኣያ ኸም እተሐጒሶ፡ ብናይ እዛ ዓለም እዚኣ እያ እትሐሊ። ብተገብኤ ነገርን ብጽንዓትን ከይተናቓነቕኩም ብጐይታ ኽትጸንዑ እምበር፡ መፈንጠራ ምእንቲ ኽገብረልኩም ኣይኰንኩን፡ እዚ ንረብሓ ርእስኹም እዩ ዝብሎ ዘሎኹ። ግናኸ ሓደ በታ ድንግል ጓሉ ዜሕፍር ዘለዎ እንተ መሰሎ፡ ኣዝያ ኸኣ ብጽሕቲ እንተ ዀነት፡ ከምዚ ኪኸውን ድማ ዚግባእ እንተ ዀይኑ፡ ዝደለየ ይግበር፡ ሓጢኣት የብሉን፡ ንሰብኣይ ይሃባ። ግናኸ እቲ ብልቡ ወዲእዎ ዝጸንዔ፡ ግዲ ዘይኰኖ፡ ኣብ ገዛእ ፍቓዱ ምልኪ ዘለዎ፡ እታ ጓሉ ብድንግልናኣ ኽትነብር ብልቡ ዝቘረጾ፡ ጽቡቕ ይገብር። እምብኣርሲ እቲ ንጓሉ ንሰብኣይ ዚህብ ጽቡቕ ይገብር፡ እቲ ዘይህብ ከኣ ዚሐይሽ ይገብር። ሰበይቲ እቲ ሰብኣይ ብህይወቱ ኽሳዕ ዘሎ ዘመን፡ እስርቲ እያ። ሰብኣይ እንተ ሞተ ግና፡ ብእግዚኣብሄር ጥራይ ደኣ ይኹን እምበር፡ ኣብ ዝደለየቶ ኽትምርዖ ሓራ እያ። ከም ሓሳበይ ግና፡ ከምቲ ዘላቶ ዀይና እንተ ትነብር፡ ኣዝያ ብጽእቲ ምዀነት፡ ኣነውን መንፈስ ኣምላኽ ከም ዘሎኒ ይመስለኒ አሎ።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 9 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:2 | 7 Helpful votes

ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:8-9 | 7 Helpful votes

ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል አሎኹ። ነፍሶም ኪመልኩ እንተ ዘይተኻእሎም ግና፡ ብፍትወት ካብ ምንዳድሲ ምምርዓው ይሐይሽ እሞ፡ ይመርዓዉ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18-20 | 7 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:3-8 | 5 Helpful votes

ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ። ኣምላኽሲ ንቕድስና እምበር፡ ንርኽሰት ኣይጸውዓናን እሞ፡ እግዚኣብሄር ብዅሉ እዚ ነገርዚ ሕነ ዚፈዲ ስለ ዝዀነ፡ ንሕናውን፡ ቀደም ከም ዝበልናኹምን ዝመስከርናልኩምን፡ ሓደ እኳ ንሓዉ በዚ ነገርዚ ኣየናሽዎን ኣይበለጸሉን። ስለዚ እቲ ዚንዕቕ፡ ነቲ ንኣኻትኩም ድማ ቅዱስ መንፈሱ ዚህብ ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ንሰብ ኣይኰነን ዚንዕቕ ዘሎ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 21:13-14 | 5 Helpful votes

ንሱ ድማ ብድንግልናኣ ዘላ ሰበይቲ የእቱ። ሰበይቲ ኻብ ህዝቡ ድንግል የእቱ እምበር፡ መበለት ወይ ፍትሕቲ ወይ ዝረኸሰት ወይ አመንዝራ ኣየእቱ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:25 | 4 Helpful votes

ከምቲ ክርስቶስ ንማሕበሩ ዘፍቀራ፡ ኣቱም ሰብኡት፡ ኣንስትኹም ኣፍቅሩ። ክርስቶስ ብቓሉ ገይሩ ብምሕጻብ ማይ ምስ ኣጽረያ ምእንቲ ኪቕድሳ፡ ርስሓት ወይስ ዕጣር ወይስ ገለ ነዚ ዚመስል ዜብላ፡ ብዘይ መንቅብ ቅድስትን ክብርትን ማሕበር ገይሩ ንእኡ ምእንቲ ኬቕውማ ኢሉ፡ ርእሱ በጃኣ ሃበ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:12-20 | 3 Helpful votes

ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ግናኸ ኲሉ ኣይጠቅምን እዩ። ኲሉ ተፈቒዱለይ አሎ፡ ኣነ ግና ሓደ ነገር እኳ ኺመልከኒ ኣይሐድጎን እየ። ብልዒ ንኸብዲ፡ ከብዲ ኸኣ ንብልዒ እዩ፡ ኣምላኽ ግና ነዝን ነትን ኬጥፍኦም እዩ። ስጋ ንጐይታ፡ ጐይታውን ንስጋ እዩ እምበር፡ ስጋስ ንምንዝርና ኣይኰነን። ኣምላኽ ድማ ከምቲ ንጐይታና ዘተንስኦ፡ ንኣናውን ብሓይሉ ኼተንስኣና እዩ። እቲ ስጋኹም ኣካል ክርስቶስ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እምብኣርስኸ ንኣካል ክርስቶስ ወሲደዶ ኣካል ኣመንዝራ ኽገብሮ እየ፧ ያእ ኣይፋለይን። እቶም ክልተ ሓደ ስጋ ኪዀኑ እዮም፡ ብሁል እዩ እሞ፡ ምስ ኣመንዝራ ዝለገበ ምስኣ ሓደ ስጋ ምዃኑዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እቲ ምስ ጐይታ ዚለግብ ግና ምስኡ ሓደ መንፈስ እዩ። ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር። ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:33 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩምውን ከምኡ ነፍሲ ወከፍኩም ነታ ሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፡ እታ ሰበይቲውን ንሰብኣያ ትፍርሃዮ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:16-17 | 3 Helpful votes

ሰብ ዘይተሐጽየት ጓል እንተ ኣስሐተ፡ እሞ ምስኣ እንተ ደቀሰ፡ ሰበይቱ ኽትከውን ገዝሚ የግዝማ። ኣቦኣ፡ ኣይህበካን፡ ኢሉ እንተ ኸልኦ፡ ከም ገዝሚ ኣዋልድ ገንዘብ ይኽፈል።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:6 | 2 Helpful votes

ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።

Translation | Context
ዘዳግም 22:13-21 | 2 Helpful votes

ሓደ ሰብኣይ ሰበይቲ እንተ ወሰደ፡ ምስ ኣተዋ ኸኣ እንተ ጸልኣ፡ ዜነውር ነገር ድማ እንተ ኣሰከማ፡ ነዛ ሰበይቲ እዚኣ ወሰድክዋ፡ ምስ ቀረብክዋ ግና ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ኽፉእ ስም እንተ ኣውረየላ፡ ሽዑ ኣቦ እታ ጓልን ኣዲኣን ምልክት ድንግልና እታ ጓል ወሲዶም ናብ ዓበይቲ እታ ኸተማ ኣብ ደገ የውጽእዋ። ኣቦ እታ ጓል ከኣ ነቶም ዓበይቲ ይበሎም፡ ነዚ ሰብኣይ እዚ ጓለይ፡ ሰበይቱ ኽትከውን፡ ሀብክዎ፡ ንሱ ኸኣ ጸልኣ። እንሆ ድማ፡ ንጓልካ ድንግልና ኣይረኸብኩላን፡ ኢሉ ዜነውር ነገር ኣሰከማ። ምልክት ድንግልና ጓለይ እዚ እዩ። ነቲ ኽዳና ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ይዘርግሕዎ። ሽዑ እቶም ዓበይቲ እታ ኸተማ ነቲ ሰብኣይ ወሲዶም ይቕጽዕዎ። ንድንግል እስራኤል ክፉእ ስም ስለ ዘውረየላ፡ ሚእቲ ሲቃል ብሩር የዕድይዎ፡ ነቦ እታ ጓል ድማ ይሀብዎ። ሰበይቱ ከኣ ትኹን፡ ብዅሉ ዘበኑ ኺፈትሓ ኣይኽእልን። እቲ ነገር ሓቂ እንተ ዀነ ግና፡ እታ ጓል ድንግልና እንተ ዘይተረኽባ፡ ሽዑ ነታ ጓል ናብ ደገ ቤት ኣቦኣ የውጽእዋ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ብምምንንዛራ ኣብ እስራኤል ነውሪ ስለ ዝገበረት፡ እቶም ሰብ እታ ኸተማኣ ብዳርባ እምኒ ይቕተልዋ፡ ትሙት። ክፉእ ዘበለስ ካብ ማእከልካ ኣርሕቆ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:3 | 2 Helpful votes

ከምቲ ንቕዱሳን ዚግባኦም ምስጋና ደኣ እምበር፡ ምንዝርናን ኵሉ ርኽሰትን ወይስ ስስዔ ከቶ ኣይሰማዕኩም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:18 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 4:3-4 | 2 Helpful votes

ፍቓድ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ ቅድስናኹም። ካብ ምንዝርና ኽትርሕቁ እሞ፡ ከምቶም ንኣምላኽ ዘይፈልጡ ኣህዛብ ብፍትወት ትምኒት ዘይኰነስ፡ ነፍሲ ወከፍኩም ንሰበይቲ ኺዳኑ ብቕድስናን ክብርን ምሕላይ ኪፈልጥ፡ እዚ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context