Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

making plans


ምሳሌ 15:22 | 16 Helpful votes

ኣብቲ ምኽሪ ዜብሉ፡ ህቃኔታት ከንቱ ይኸውን፡ ኣብቲ መኸርቲ ዚበዝሕዎ ግና ይጸንዕ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:3 | 15 Helpful votes

ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:13-17 | 15 Helpful votes

እስኪ ሕጂኸ ንስኻትኩም፡ ሎሚ ወይስ ጽባሕ ናብታ ኸተማ እቲኣ ንኺድ እሞ ኣብኣ ዓመት ንግበር፡ ክንነግድን ክንረብሕን ኢና፡ እትብሉ፡ ንስኻትኩም ነቲ ጽባሕ ዚኸውን ኣይትፈልጥዎን ኢኹም። ህይወትኩም ደኣ እንታይ እያ፧ ንቕሩብ ጊዜ ተርእዩስ፡ ደሓር ዚበንን ትኪ ኢኹም። ጐይታ እንተ ፈቐዶ፡ ንሕናውን እንተ አሊና፡ እዚ ወይስ እቲ ኽንገብር ኢና፡ ኣብ ክንዲ ምባልሲ፡ ሕጂ ግና ብምጅሃርኩም ትምክሑ አሎኹም። ከምዚ ዝበለ ዅሉ ትምክሕቲ ኽፉእ እዩ። እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:9 | 15 Helpful votes

ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:1 | 7 Helpful votes

ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ፡ መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 7 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:23 | 5 Helpful votes

ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 4 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 3 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context