Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

making decisions


ምሳሌ 16:1-33 | 37 Helpful votes

ሰብ ብልቡ ሓሳባት የዳሉ፡ መልሓስ እትመልሶ ግና ካብ እግዚኣብሄር እዩ። ሰብሲ ኵሉ መገዱ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቱ ንጹህ እዩ፡ መናፍስቲ ዚመዝን ግና እግዚኣብሄር እዩ። ተግባርካ ንእግዚኣብሄር ወፍዮ፡ ሽዑ ሓሳባትካ ኪቀውም እዩ። እግዚኣብሄርሲ ኵሉ ንምዱብ ነገር፡ ከምኡውን ንረሲእ ንመዓልቲ ሕሰም ፈጠሮ። ብልቡ ዚዕበ ዘበል ዅሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ፡ ኢድ ብኢድ ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን። ብምሕረትን ብሓቅን ስሬት ኣበሳ ይርከብ፡ ሰብውን ብፍርሃት እግዚኣብሄር ካብ እከይ ይርሕቕ። እግዚኣብሄር ብመገዲ ሓደ ሰብ ባህ እንተ በሎ፡ ነቶም ጸላእቱ እኳ ምስኡ ብሰላም የንብሮም። ካብ ብዙሕ እቶት ምስ ዓመጻ፡ ሒደት ምስ ጽድቂ ይሐይሽ። ልቢ ሰብ መገዱ ይምድብ፡ ንስጕምቱ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዜቃንዓ። ኣብ ከናፍር ንጉስሲ ንግራት ኣምላኽ አሎ፡ ኣፉ ብፍርዲ ኣይጋገን። ሓቀኛ ሚዛንን መምዘንን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፡ ኣብ ከርጺት ዘሎ ዅሉ መምዘኒ ኸኣ ተግባሩ እዩ። ዝፋን ብጽድቂ እዩ ዚጸንዕ እሞ፡ ነገስታት ንረሲእነት ይፍንፍንዎ። ጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፡ ነቲ ቅንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎ። ቍጥዓ ንጉስሲ ልኡኽ ሞት እዩ፡ ጥበበኛ ሰብ ግና የህድኦ። ገጽ ንጉስ እንተ በርሄ፡ ህይወት እዩ፡ ሞገሱ ኸኣ ከም ደበና ጽብሓት እዩ። ካብ ምጥራይ ወርቂ ክንደይ ኰን ምጥራይ ጥበብ ይበልጽ። ካብ ምጥራይ ብሩርሲ ምጥራይ ምስትውዓል ክንደይ ኰን ይኸብር። ጐደና እቶም ቅኑዓት ካብ ኣኩይ ምርሓቕ እዩ፡ እቲ ንመገዱ ዚጥንቀቐላ ንነፍሱ ይሕልዋ። ንውርደት ትዕቢት ትቕድማ፡ ንውድቀት ከኣ ኵርዓት። ምስቶም ዕቡያት ዘመተ ኻብ ምክፋልሲ፡ ምስቶም መሳኪን ደኣ ብመንፈስ ትሑት ምዃን ይሐይሽ። ነቲ ቓል ዜቅልበሉ ሰናይ ይረክብ፡ ብእግዚኣብሄር ዚእመን ከኣ ብጹእ እዩ። ጥበበኛ ዝልቡ መስተውዓሊ ይበሀል፡ ጣዕሚ ኸናፍር ከኣ ትምህርቲ ይውስኽ። ምስትውዓል ንዜጥርያ ሰብ ፈልፋሊት ህይወት እያ፡ ዕሽነት ግና ነቶም ዓያሱ ቕጽዓቶም እያ። ልቢ እቲ ጥበበኛ ንኣፉ መስተውዓሊ ይገብሮ፡ ንኸናፍሩ ድማ ትምህርቲ ይውስኸን። ልኡም ዘረባ መዓር ወለላ እዩ፡ ንነፍሲ ጥዑም፡ ነዕጽምቲ ኸኣ ጥዕና እዩ። ንሰብ ቅንዕቲ እትመስሎ መገዲ አሎ፡ መወዳእታኣ ግና መገዲ ሞት እዩ። ኣፉ ይድርኾ እዩ እሞ፡ ጥሜት እቲ ዓያዪ ስሌኡ ኢሉ ይዓዪ። ሕሱም ሰብ እከይ ይዅዕት፡ ኣብ ከናፍሩ ኸኣ ከም ዚባላዕ ሓዊ አሎ። ጠዋይ ሰብ ቈየቛ ይዝርግሕ፡ ሓማዪ ኸኣ ንእሙናት ፈተውቲ ይፈላልዮም። ግፍዔኛ ሰብ ንብጻዩ ይሐባብሎ እሞ፡ ሰናይ ናብ ዘይኰነት መገዲ ይመርሖ። በዒንቱ ዚጠቅስ ሓሳባቱ ጠዋይ እዩ፡ ከናፍሩ ዚርምጥጥ ከኣ ነቲ ኽፍኣት ፈጺምዎ እዩ። ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ። ንዅራ ደንጓዪ ዝዀነ ኻብ ጅግና ይበልጽ፡ ካብቲ ንኸተማ ዚሕዝ ከኣ መንፈሱ ዚገዝእ ይበልጽ። ዕጭ ናብ ሕቝፊ እዮም ዜውድቑ፡ ንመን ከም ዚበጽሕ ግና እግዚኣብሄር እዩ ዚምድቦ።

Translation | Context
መዝሙር 25:4 | 10 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ጐደናታትካ ኣፍልጠኒ፣ መገድታትካ ምሀረኒ።

Translation | Context
እያሱ 24:15 | 8 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።

Translation | Context
ምሳሌ 18:15 | 8 Helpful votes

ልቢ ለባም ሰብ ፍልጠት የጥሪ፡ እዝኒ ጠቢባን ከኣ ፍልጠት ትደሊ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:15 | 8 Helpful votes

እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6-7 | 7 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 1:17-19 | 7 Helpful votes

እምብኣርሲ እዚ ምስሐስበኩ፡ ብቕለት ደዀን ገይረዮ እኸውን፧ ወይስ ኣባይ፡ እወ፡ እወ ኣይኰነን ኣይኰነን፡ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ እቲ ዝመኽሮ ደዀን ከም ስጋ ገይረ መኺረዮ ዀይነ፧ እቲ ብኣና፡ ማለት ብኣይን ስልዋኖስን ጢሞቴዎስን፡ ኣብ ማእከልኩም እተሰብከ ወዲ ኣምላኽ፡ የሱስ ክርስቶስ፡ ብእኡ እወ እዩ እምበር፡ እወን ኣይኰነንን ኣይነበረን እሞ፡ ኣምላኽ እሙን ከም ዝዀነ፡ እቲ ንኣኹም ዝነገርናዮ ቓል፡ እወን ኣይኰነንን፡ ኣይነበረን።

Translation | Context