Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

lukewarm


ራእይ 3:16 | 18 Helpful votes

ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።

Translation | Context
ራእይ 3:15-16 | 12 Helpful votes

ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ።

Translation | Context
ራእይ 3:14-22 | 9 Helpful votes

ናብ መልኣኽ ማሕበር ሎዲቅያውን ጽሐፍ፡ እቲ ኣሜን፡ እሙን ሓቀኛ ምስክር፡ መጀመርታ ፍጥረት ኣምላኽ፡ ከምዚ ይብል አሎ፡ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ዘምዃንካ፡ ግብርኻ እፈልጥ አሎኹ። ብኻ ዝሑል ወይስ ምዉቕ ምዀንካ። ከምዚ ልብጥ ዝበለ ብምዃንካ ኣይምዉቕ ኣይዝሑል ኢኻ እሞ፡ ካብ ኣፈይ ጡፍ ክብለካ እየ። ሃብታምን ፈሳስን እየ፡ ሓንቲ ዝደልያ ነገር እኳ የብለይን ብምባልካ፡ ሕሱርን ዜደንግጽን ነዳይን ዕዉርን ዕሩቕን ምዃንካ ኣይትፈልጥን ኢኻ ዘሎኻ። ምእንቲ ኽትህብትም ብሓዊ ዝጸረየ ወርቂ ካባይ ክትዕድግ፡ ሕፍረት ዕርቃንካ ምእንቲ ኸይቅላዕን ክትክደንን ከኣ ጻዕዳ ኽዳውንቲ፡ ምእንቲ ኽትርኢ ነዒንትኻ ኽትኰሐለሉውን ኵሕሊ ኻባይ ክትዕድግ እመኽረካ አሎኹ። ኣነ ነቶም ዘፍቅሮም ዘበሉ እገንሖም እቐጽዖምውን እየ። ደጊም ቅናእ እሞ ተነሳሕ። እንሆ፡ ኣብ ደገ ቤት ደው ኢለ ኳሕኳሕ ኤብል አሎኹ። ሓደ እኳ ድምጸይ ሰሚዑስ ማዕጾ እንተ ኸፈተለይ፡ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡ ኸኣ ክድረር እየ፡ ንሱውን ምሳይ። ከምቲ ኣነውን ዝሰዐርኩ እሞ ምስ ኣቦይ ኣብ ዝፋኑ እተቐመጥኩ፡ ነቲ ዚስዕር ኣብ ዝፋነይ ምሳይ ኪቕመጥ ክህቦ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:3 | 8 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context