Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

loyalty


ምሳሌ 17:17 | 11 Helpful votes

ፈታዊ ንዅሉ ጊዜ የፍቅር፡ ሓው ድማ ንጸገማ ይውለድ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:24 | 10 Helpful votes

ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:35 | 6 Helpful votes

ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኵላቶም ከምኡ በሉ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 16:13-14 | 6 Helpful votes

ንቕሑ፡ ኣብ እምነት ጽንዑ፡ ሰብኡት ኩኑ፡ በርትዑ። ኲሉ ግብርኹም ብፍቕሪ ይገበር።

Translation | Context
ሩት 1:16-17 | 6 Helpful votes

ሩት ግና፡ ሐዲገኪ ኻባኺ ንድሕሪት ክምለስሲ ግዲ ኣይትበልኒ። ናብ እትኸድዮ እኸይድ ኣብ እትሓድርዮ ኸኣ እሐድር፡ ህዝብኺ ህዝበይ፡ ኣምላኽኪ ድማ ኣምላኸይ እዩ። ኣብታ እትሞትላ እመውት፡ ኣብኣ ድማ እቕበር፡ ንኣይን ንኣኽን ብጀካ ሞት ካልእ እንተ ፈልዮናስ፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይግበረኒ፡ ከምዚ ኸኣ ይወሰኸኒ በለት።

Translation | Context
ምሳሌ 21:21 | 5 Helpful votes

እቲ ንጽድቅን ብጕነትን ዚስዕባን፡ ህይወትን ጽድቅን ክብረትን ይረክብ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:15 | 4 Helpful votes

ሓውካ እንተ በደለካ፡ ኪድ፡ ንስኻን ንሱን ኣብ በይንኹም ግንሓዮ። እንተ ሰምዓካ፡ ንሓውካ ረባሕካዮ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:33 | 4 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ ኵሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:1 | 3 Helpful votes

ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡

Translation | Context
ሮሜ 13:1 | 3 Helpful votes

ብኣምላኽ ዘይኰነስ ስልጣን የልቦን፡ እቶም ዘለዉ ስልጣናት ከኣ ብኣምላኽ እተሰርዑ እዮም እሞ፡ ነፍሲ ወከፍ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ስልጣን ዘለዎ ይገዝኣዮ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 24:6-10 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ግና፡ ጫፍ ክዳን ሳኦል ስለ ዝቘረጸ፡ ንዳዊት ልቡ ወቕዖ። ንሰቡ ድማ፡ ንሱ ቕቡቕ እግዚኣብሄር እዩ እሞ፡ ንጐይታይ፡ ነቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ኢደይ ናብኡ ዘርጊሔ እዚ ነገር እዚ ምግባርሲ እግዚኣብሄር ካባይ የርሕቆ፡ በሎም። ዳዊት ነቶም ሰቡ ብዘረባኡ ዐገቶም፡ ኣብ ሳኦል ኪትንስኡ ድማ ኣይፈቐደሎምን። ሳኦል ከኣ ካብቲ በዓት ተንሲኡ መገዱ ኸደ። ድሕርዚ ዳዊት ተንሲኡ ኻብቲ በዓቲ ወጸ፡ ዎ ጐይታይ ንጉስ፡ ኢሉ ኸኣ ደድሕሪ ሳኦል ጸውዔ። ሳኦል ድማ ንድሕሪኡ ግልጽ በለ እሞ፡ ዳዊት ብገጹ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ፍግም በለ። ዳዊት ድማ ንሳኦል በሎ፡ ስለምንታይ ኢኻ ዘረባ እቶም፡ እንሆ፡ ዳዊት ንኽፉእካ እዩ ዚደሊ፡ ዚብሉኻ ሰባት እትሰምዕ፧

Translation | Context
ምሳሌ 3:3 | 3 Helpful votes

ሕያውነትን ሓቅን ካባኻ ኣይፈለያ፡ ኣብ ክሳድካ እሰረን፡ ኣብ ጽላት ልብኻውን ጽሐፈን።

Translation | Context
መክብብ 10:4 | 3 Helpful votes

መንፈስ ገዛኢ ኣብ ልዕሌኻ እንተ ተላዕለ ትዕግስቲ ንዓብዩ ኣበሳ ተህድእ እያ እሞ፡ ስፍራኻ ኣይትሕደግ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:2 | 2 Helpful votes

ምስናይ እዚ ኻብ መገብቲ ነፍሲ ወከፍ እሙን ኰይኑ ኺርከብ የድሊ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:7 | 2 Helpful votes

ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 2 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 26:6-16 | 2 Helpful votes

ዳዊት ድማ መሊሱ ንኣሂሜሌክ ሄታውያን ንኣቢሳይ ወዲ ጽሩያ ሓው ዮኣብን፡ ናብ ሳኦል ናብቲ ሰፈር መን ምሳይ ይወርድ፡ በሎም። ኣቢሳይ ከኣ፡ ኣነ ምሳኻ እወርድ፡ በለ። ዳዊትን ኣቢሳይን ከኣ ብለይቲ ናብቲ ህዝቢ መጹ፡ እንሆ ድማ፡ ሳኦል ኣብ ውሽጢ ሰፈር ሰረገላታት በጥ ኢሉ ደቂሱ፡ ኵናቱ ኸኣ ኣብ ጥቓ ርእሱ ኣብ ምድሪ ተተኺሉ ነበረ። ኣብኔርን እቶም ህዝብን ድማ ኣብ ዙርያኡ ደቂሶም ነበሩ። ሽዑ ኣቢሳይ ንዳዊት፡ ሎሚ ኣምላኽ ንጸላኢኻ ኣብ ኢድካ ኣሕሊፉ ሂቡካ አሎ፡ ሕጂ ኸኣ በጃኻ፡ ከይደገምኩስ ሓንሳእ ብዅናት ምስ ምድሪ ኸላግቦ ሕደገኒ፡ በሎ። ዳዊት ግና ንኣቢሳይ፡ ኢዱ ናብ ቅቡእ እግዚኣብሄር ዘርጊሑስ በደል ዘይዀኖ መን አሎ፧ ስለዚ ኣይትቕተሎ፡ በሎ። ዳዊት ድማ፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ፡ እግዚኣብሄር ኪቐትሎ እዩ፡ ወይ ከኣ መዓልቱ በጺሓ ይመውት ወይ ኣብ ውግእ ወሪዱ ይጠፍእ። ኢደይ ናብቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር ካብ ምዝርጋሕሲ እግዚኣብሂር ካባይ የርሕቆ። ሕጂ ድማ፡ በጃኻ፡ ነቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዘሎ ዅናትን ነቲ ርኰት ማይን ውሰድ እሞ ንኺድ፡ በለ። ዳዊት ከኣ ነቲ ዅናትን ነቲ ርኰት ማይን ካብ ጥቓ ርእሲ ሳኦል ወሰደ፡ መገዶም ድማ ኸዱ። እግዚኣብሄር ከቢድ ድቃስ ኣውዲቑሎም ነበረ፡ ስለዚ ዅሎም ደቂሶም ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ዝረአየ የልቦን፡ ዝፈለጠ ኸኣ የልቦን፡ ዝነቕሔውን የልቦን። ዳዊት ድማ ናብ ስግር ሐለፈ፡ ኣብ ርሑቕ ኣብ ርእሲ እቲ ኸረን ቈመ፡ ኣብ መንጎኦም ገፊሕ ቦታ ነበረ። ዳዊት ከኣ ነቶም ህዝብን ንኣብኔር ወዲ ኔርን፡ ኣታ ኣብኔር፡ ኣይትመልስንዶ፧ ኢሉ፡ ጸውዔ። ኣብኔር ድማ፡ ንንጉስ እትጽውዕ፡ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሉ መለሰ። ዳዊት ከኣ ንኣብኔር በሎ፡ ንስኻ ሰብአይ ደይኰንካ፧ ኣብ እስራኤልከ ኸማኻ ዝበለ መን አሎ፧ ሓደ ኻብ ህዝቢ ንጐይታኻ ንጉስ ኪቐትሎ መጺኡ ነይሩ እዩ እሞ፡ ስለምንታይ ደኣ ንጐይታኻ ንጉስ ዘይሐሎኻዮ፧ እዚ ዝገበርካዮ ነገር ጽቡቕ ኣይኰነን። ንጐይታኹም፡ እቲ ቕቡእ እግዚኣብሄር፡ ስለ ዘይሐሎኹምዎ፡ ንስኻትኩም ደቂ ሞት ከም ዝዀንኩም፡ ህያው እግዚኣብሄር እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ እቲ ኣብ ጥቓ ርእሱ ዝነበረ ዅናት ንጉስን ርኰት ማይን ኣበይ ከም ዘሎ ርኤ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context