Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

low self esteem


1ይ ሳሙኤል 16:7 | 15 Helpful votes

እግዚኣብሄር ግና ንሳሙኤል፡ ኣነ ንዒቐዮ እየ እሞ፡ ኣብ ትርኢቱን ኣብ ምንዋሕ ቊመቱን ኣይትጠምት። እግዚኣብሄርሲ ሰብ ከም ዚርእዮ ኣይርእን፡ ሰብ ነቲ ኣብ ቅድሚ ዓይኑ ዘሎ እዩ ዚርኢ፡ እግዚኣብሄር ግና ልቢ እዩ ዚርኢ፡ በሎ።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 4:7 | 14 Helpful votes

ኣቲ ፍትውተየ፡ ኩለንተናኺ ጽብቕቲ ኢኺ፡ ሕፍቲ የብልክን።

Translation | Context
መዝሙር 139:14 | 10 Helpful votes

መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:13 | 10 Helpful votes

በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 6 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:1 | 4 Helpful votes

ርኣዩ፡ ውሉድ ኣምላኽ ክንብሀል፡ እቲ ኣቦ ኸመይ ዝበለ ፍቕሪ ሀበና፡ ከምእውን ኢና። ስለዚ ኸኣ ዓለም ንእኡ ኣይፈለጠቶን እሞ፡ ንኣና ኣይትፈልጠናን እያ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28-30 | 4 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:8 | 3 Helpful votes

ደቀ መዛሙርቱ ግና ዚብላዕ ኪዕድጉ ናብ ከተማ ኸይዶም ነበሩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:6-8 | 3 Helpful votes

ኣነ ድማ፡ ኣይ፡ ኣታ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፡ ገና ቘልዓ እየ እሞ፡ እንሆ፡ ክዛረብ ኣይክእልን እየ፡ በልኩ። እግዚኣብሄር ግና በለኒ፡ ናብ ዝልእከካ ዂሉ ኺድ፡ እቲ ዝእዝዘካ ዂሉ ድማ ተዛረብ እምበር፡ ቈልዓ እየ ኣይትበል። ምእንቲ ኸናግፈካ ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ጸፎንያስ 3:17 | 2 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ንየሩሳሌ፣ ዎ ጽዮን ኣይትፍርሂ፣ ኣእዳውኪ ኣይተሐለላ፣ እግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ኣብ ማእከልኪ ዚድሕን ጅግና እዩ፣ ብኣኺ ሓጐስ ኪሕጐስ እዩ፣ ብፍቕሩ ኺሀድእ፣ ብኣኺ እልል እናበለ ኺሕጐስ እዩ፣ ኪብልዋ እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 12:3 | 2 Helpful votes

ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 2 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
መዝሙር 139:16 | 2 Helpful votes

ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:9 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
ዘጸአት 4:10-12 | 2 Helpful votes

ሙሴ ድማ ንእግዚኣብሄር፤ ኣየ ጐይታይ፡ ኣነ ኣፈይ ወታእ፡ ልሳነይ ኰርታዕ እየ እሞ፡ ትማሊ ዀነ፡ ቅድሚ ትማሊ ዀነ፡ ሕጂ ንባርያኻ ምስ ተዛረብካኒውን፡ ኣነ ተዛራቢ ሰብ ኣይኰንኩን፡ በሎ። እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኰንኩን፧ ሕጂ ኸኣ ኪድ፡ ኣነ ምስ ኣፍካ ዀይነ፡ እቲ እትዛረቦ ኸምህረካ እየ፡ በሎ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:18-19 | 2 Helpful votes

ካብቲ ኻብ ኣቦታትኩም እተቐበልኩምዎ ኸንቱ ንብረትኩም፡ ከም ብደም እቲ ኣበርን ርኽሰትን ዜብሉ ገንሸል፡ ብኽቡር ደም ክርስቶስ እምበር፡ ብጠፋኢ ነገር፡ ብብሩር ወይስ ወርቂ፡ ከም ዘይደሐንኩም፡ ትፈልጡ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።

Translation | Context
ፊልጲ 2:3 | 2 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።

Translation | Context