Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

loving someone


1ይ ቈረንቶስ 13:4-13 | 24 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡ ኣይተስተሓፍርን፡ ናታ ኣይትደልን፡ ኣይትምረርን፡ ኣይትቕየምን እያ፡ ብሓቂ ትሕጐስ እምበር፡ ብዓመጽ ባህ ኣይብላን። ኲሉ ትጸውር፡ ኲሉ ትኣምን፡ ኲሉ ተስፋ ትገብር፡ ኲሉ ትዕገስ። ፍቕሪ ከቶ ኣይተቋርጽን እያ። ትንቢት እንተሎ ንሱ ኺሰዓር፡ ምዝራብ ቛንቋታት እንተሎ ንሱ ኺውዳእ፡ ፍልጠት ንእተሎውን ንሱ ኺሰዓር እዩ፡ ማለት፡ ሓደ ምቃል ንፈልጥ ኢና እሞ፡ ሓደ ምቃል ከኣ ንንበ። ግናኸ እቲ ምልኣት ምስ መጸ፡ እቲ ምቃል ኪሰዓር እዩ። ቈልዓ ኸሎኹ፡ ከም ቈልዓ ተዛረብኩ፡ ልቢ ቘልዓ ነበረኒ፡ ከም ቈልዓ ሐሰብኩ። ሰብኣይ ምስ ኰንኩ ግና፡ እቲ ነገር ቈልዓ ሐደግኩ። ሕጂስ ብመረጸን ዋግዋጎ ንርኢ አሎና፡ ሽዑ ግና ገጽ ንገጽ ክንርኢ ኢና እሞ፡ ሕጂ ምቃል እፈልጥ አሎኹ፡ ሽዑ ግና ከምቲ ኣነ እተፈለጥኩ ኽፈልጥ እየ። ሕጂ ግና እምነት፡ ተስፋ፡ ፍቕሪ፡ እዘን ሰለስተ እዚኣተን ይነብራ፡ ካብዚኣተን እትዐቢ ግና ፍቕሪ እያ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:12 | 15 Helpful votes

ከምቲ ኣነ ዘፍቀርኩኹም፡ ነንሓድሕድኩም ክትፋቐሩ፡ ትእዛዘይ እዚ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 12 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 7 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
እብራውያን 13:4 | 6 Helpful votes

ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:19-20 | 6 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
መክብብ 4:12 | 3 Helpful votes

ገለ ነቲ በይኑ ዘሎ ሓደጋ እንተ ወደቖ፡ ክልተ እዮም ዚቃወምዎ፡ ብሰለስተ ዝኸረረ ገመድ ቀልጢፉ ኣይብተኽን።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:34 | 3 Helpful votes

የሱስ መለሰሎም፥ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፥ ሓጢኣት ዚገብር ዘበለ፡ ንሱ ባርያ ሓጢኣት እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-10 | 3 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ያእቆብ 5:16 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:5 | 2 Helpful votes

እንሆ፡ ንዘይትፈልጣ ህዝቢ ኽትጽውዕ ኢኻ፡ ዘይፈለጠካ ህዝቢ ድማ፡ ምእንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካን ምእንቲ ናይ እስራኤል ቅዱስን፡ ንሱ ኣኽቢሩካ እዩ እሞ፡ ናባኻ ኺጐዪ እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:13 | 2 Helpful votes

ሰብኣይ ከም ምስ ሰበይቲ ምስ ሰብኣይ እንተ ደቀሰ፡ ክልቲኦም ነውሪ ገይሮም እዮም፡ ሞት ይሙቱ፡ ደሞም ኣብ ልዕሊኦም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 2 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
ዘጸአት 1:1-22 | 2 Helpful votes

እቶም ናብ ግብጺ ዝመጹ ደቂ እስራኤል ስሞም እዚ እዩ፡ ነፍሲ ወከፍ መምስ ቤተ ሰቡ ምስ ያእቆብ መጸ፡ ሮቤል፡ ስምኦን፡ ሌውን ይሁዳን፡ ይሳኮር፡ ዛብሎን፡ ብንያም ድማ፡ ዳንን ንፍታሌምን ጋድን ኣሴርን። ካብ ሕቘ ያእቆብ ዝወጹ ዅላቶም ሰብዓ ነፍሲ ነበሩ። ዮሴፍ ድማ ኣብ ግብጺ ነበረ። ዮሴፍን ኵሎም ኣሕዋቱን፡ እቲ ወለዶ ዅሉ ከኣ ሞቱ። ደቂ እስራኤል ተፋረዩ፡ ሰሰኑ፡ በዝሑ ድማ። ኣዝዮም ከኣ በርትዑ፡ እታ ሃገርውን ብእኦም መልኤት። ኣብ ግብጺ ኸኣ ንዮሴፍ ዘይፈልጥ ሓድሽ ንጉስ ተንስኤ። ንሱ ድማ ንህዝቡ፡ እንሆ፡ ህዝቢ ደቂ እስራኤል ካባና በዝሑን በርትዑን፡ እምበኣርከ ኸይበዝሑ እሞ፡ ውግእ ምስ ዚለዐለና፡ ንሳቶም ድማ ምስ ጸላእትና ሐቢሮም ከይዋግኡና ኻብዛ ሃገርውን ከይወጹ፡ ንዑ ንጣበበሎም፡ በሎም። ብብርቱዕ ዕዮ ምእንቲ ኼጽብቡሎም ከኣ ኣዘዝቲ ሸመሎም። ንፈርኦን ድማ ጲቶምን ራዕምሴን ከተማታት ሪቕ ሰርሑሉ። ብመጠን እቲ ዘጽበቡሎም ግና ኽንዳኡ ሰሰኑ፡ ክንዳኡ ኸኣ ተዘርግሑ እሞ፡ ብደቂ እስራኤል ይጭነቑ ነበሩ። ግብጻውያን ንደቂ እስራኤል ብጭከና ኣዕየይዎም። ንህይወቶም ድማ ብብቱዕ ዕዮ፡ ብባዕጥን ብጡብን ብዅሉ ዕዮ መሮርን በቲ ዅሉ ዜዕይይዎም ዕዮ ብምጭካን ኣመረርዎም። ንጉስ ግብጺ ድማ ነተን መሕረስቲ እብራውያን፡ እታ ሓንቲ ሺፍራ ዝስማ፡ እታ ኻልኣይቲ ኸኣ ጱዓ ዝስማ፡ ተዛረበን፡ ነተን ኣንስቲ እብራውያን ከተሕርሳኤን ከሎኽን፡ ኣብቲ ዚሐርሳሉ ርኣያ፡ ወዲ እንተ ዀነ ቅተላኦ፡ ጓል እንተ ዀነት ግና ብህይወታ ትንበር። እተን መሕረስቲ ግና ንኣምላኽ ፈሪሄን፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት ሐደጋኦም እምበር፡ ከምቲ ንጉስ ግብጺ ዝበለን ኣይገበራን። ሽዑ ንጉስ ነተን መሕረስቲ ጸዊዑ፡ ነቶም እተወልዱ ብህይወት እትሐድጋኦምሲ፡ ስለምንታይ ከምዚ ገበርክን፧ በለን። እተን መሕረስቲ ኸኣ ንፈርኦን፡ እተን እብራውያን ከም ኣንስቲ ግብጻውያን ኣይኰናን። ንሳተን ሓያላት እየን እሞ፡ እታ መሕረሲት ከይመጸተን ሐሪሰን ይጸንሓ፡ በላኦ። ኣምላኽ ድማ ነተን መሕረስቲ ጽቡቕ ገበረለን። እቲ ህዝቢውን በዝሔ፡ ኣዝዪ ኸኣ በርትዔ። ኰነ ድማ፡ እተን መሕረስቲ ንኣምላኽ ስለ ዝፈርሃ፡ ኣባይቲ ገበረለን። ሽዑ ፈርኦን ንዅሉ ህዝቢ፡ እተወልደ ወዲ ዘበለ ናብ ርባ ደርብይዎ፡ ኵለን ኣዋልድ ግና ብህይወተን ሕደግወን፡ ኢሉ ኣዘዘ።

Translation | Context