Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

losing friends


መዝሙር 34:17-20 | 22 Helpful votes

ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም። ናይ ጻድቕ መከራ ብዙሕ እዩ፣ እግዚኣብሄር ግና ካብ ኵሉ የናግፎ። ንሱ ንዅለን ኣዕጽምቱ ይባልሄን፣ ሓንቲ እኳ ኣይትስበርን።

Translation | Context
ምሳሌ 18:24 | 19 Helpful votes

ብዙሓት ፈተውቲ ዘለውዎ ሰብ ይጠፍእ፡ ግናኸ ካብ ሓው ኣብሊጹ ጥብቂ ዝዀነ ፈታዊ አሎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:18-23 | 13 Helpful votes

ዓለም እንተ ጸልኣትኩም፡ ንኣይ ቅድሜኹም ከም ዝጸልኣትኒ ፍለጡ። ካብ ዓለም እንተ ትዀኑስ፡ ዓለም ነቲ ናታ ዝዀነ ትፈትዎ እያ እሞ፡ ምፈተወትኩም ነይራ። ኣነ ደኣ እየ ኻብ ዓለም ዝሐሬኹኹም እምበር፡ ካብ ዓለም ኣይኰንኩምን፡ ስለዚ ዓለም ትጸልኣኩም እያ። ነቲ፥ ባርያ ኻብ ጐይታኡ ኣይዓብን እዩ፡ ኢለ ዝነገርኩኹም ቃል ዘክርዎ። ንኣይ ሰጕጎምኒ እንተ ዀይኖም፡ ንኣኻትኩምውን ኪሰጉኹም እዮም። ቃለይ ሓልዮም እንተ ዀይኖም ከኣ፡ ቃልኩምውን ኪሕልዉ እዮም። ግናኸ ነቲ ዝለአኸኒ ኣይፈልጥዎን እዮም እሞ፡ ስለ ስመይ እዚ ዅሉ ኺገብሩኹም እዮም። ኣነ መጺኤ እንተ ዘይነግሮም፡ ሓጢኣት ኣይምዀኖምን ነይሩ፡ ሕጂ ግና ንሓጢኣቶም ምክንያት የብሎምን። እቲ ንኣይ ዚጸልኣኒ ነቦይውን ይጸልኦ እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 8 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 27:4-6 | 8 Helpful votes

ቍጥዓ ጨካን እዩ፡ ኵራውን ውሒዝ እዩ፡ ኣብ ቅድሚ ቅንኢ ግና መን ደው ይብል፡ ካብ ሕቡእ ፍቕሪ ግሉጽ ተግሳጽ ይሐይሽ። ናይ ፈታዊ ምቝሳል እሙን እዩ፡ ጸላኢ ግና ኣብዚሑ ይስዕም።

Translation | Context
ፊልጲ 4:19 | 6 Helpful votes

ኣምላኸይ ከኣ፡ ከምቲ መጠን ሃብቱ ብኽብሪ ብክርስቶስ የሱስ ገይሩ፡ ድሌትኩም ዘበለ ኺመልኣልኩም እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 3 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 3 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:22 | 3 Helpful votes

ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና፡ ንሱ ኺድሕን እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 3 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:20 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:13 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡

Translation | Context
ሮሜ 8:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።

Translation | Context