Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

looking back


ፊልጲ 3:13 | 20 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡

Translation | Context
ሉቃስ 9:62 | 18 Helpful votes

የሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 19:26 | 12 Helpful votes

ሰበይቲ ሎጥ ግና ንድሕሪት ክትርኢ ግልጽ በለት፡ ሓወልቲ ጨው ከኣ ዀነት።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:18-19 | 9 Helpful votes

ነቲ ቐደም ዝነበረ ኣይትዘክሩ፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ኸኣ ኣይትሕሰቡ። እንሆ፡ ሓድሽ ነገር ክገብር እየ፡ ሕጂ ትበቊል አላ፡ ኣይተለልይዋንዶ ኢኹም፧ እወ፡ መገዲ ኣብ በረኻ፡ ወሓይዝ ድማ ኣብ ምድረ በዳ ኽገብር እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 9:59-61 | 7 Helpful votes

ንሓደ ኻልእ ድማ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ቅድም ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ምዉታት ንምዉታቶም ይቕበሩ ሕደጎም። ንስኻ ግና ኪድ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንገር፡ በሎ። ሓደ ኻልእ ድማ፥ ጐይታይ፡ ክስዕበካ እየ፡ ግናኸ ቅድም ካብ ስድራ ቤተይ ክሳናበት ፍቐደለይ፡ በሎ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:21-22 | 4 Helpful votes

ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩ። ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:23-25 | 4 Helpful votes

ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
መክብብ 7:10 | 4 Helpful votes

ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 4 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:12 | 2 Helpful votes

ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1-51 | 2 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ። እዚ ብመጀመርታ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። ብእኡ ዅሉ ዀነ፡ ካብቲ ዝዀነ ዘበለ ድማ ብዘይ ብእኡ ዝዀነ የልቦን። ህይወት ኣብኡ ነበረት፡ እታ ህይወት ከኣ ብርሃን ሰብ ነበረት። ብርሃንውን ኣብ ጸልማት የብርህ፡ ጸልማት ግና ኣይሐዞን። ዮሃንስ ዝስሙ ሰብኣይ ካብ ኣምላኽ ተልኢኹ ተንስኤ። ኵሎም ብእኡ ናብ እምነት ምእንቲ ኺበጽሑ፡ ብዛዕባ ብርሃን ኪምስክር ንሱ ንምስክር መጸ። ብዛዕባ ብርሃን ደኣ ኺምስክር መጸ እምበር፡ ንሱስ ብርሃን ኣይነበረን። እቲ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ ዜብርህ ብርሃን ሓቂ ናብ ዓለም ይመጽእ ነበረ። ኣብ ዓለም ነበረ፡ ዓለምውን ብእኡ ዀነት፡ ዓለም ግና ኣይፈለጠቶን። ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን። ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም። ንሳቶም ከኣ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካብ ደም፡ ወይ ካብ ፍቓድ ስጋ፡ ወይ ካብ ፍቓድ ሰብኣይ ዘይተወልዱ እዮም። እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና። ዮሃንስ ብዛዕባኡ መስከረ፡ እቲ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ዝነበረ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ነበረ፡ እቲ ብዛዕባኡ ዝበልኩ ንሱ እዩ፡ ኢሉ ጨደረ። ሕጊ ብሙሴ ተውሂቡ እዩ እሞ፡ ጸጋን ሓቅን ግና ብየሱስ ክርስቶስ መጸ። እምብኣርከ ንሕና ዅላትና ኻብ ምልኣቱ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ተቐበልና፡ ሓደ እኳ ንኣምላኽ ዝረኣዮ የልቦን፡ እቲ ኣብ ሕቝፊ ኣቦኡ ዘሎ ሓደ ወዲ፡ ንሱ ኣግሃዶ። ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ዮሃንስ ድማ፥ ኣነ ብማይ ኤጥምቕ አሎኹ፡ ግናኸ ንስኻትኩም ዘይ ትፈልጥዎ ኣብ ማእከልኩም ደው ኢሉ አሎ። እቲ ቕድመይ ዝነበረ ድሕረይ ዚመጽእ፡ ንሱ እዩ፡ ኣነ ስራኽ ኣሳእኑ ንምፍታሕ እኳ ዘይበቕዕ እየ፡ ኡሉ መለሰ። እዚ ኣብቲ ዮሃንስ የጥምቐሉ ዝነበረ፡ ኣብ ቢታንያ ኣብ ማዕዶ ዮርዳኖስ ኰነ። ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረአየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቲ ብዛዕባኡ፥ ሓደ ሰብኣይ ድሕረይ ይመጽእ፡ ንሱ ቕድመይ ነይሩ እዩ እሞ፡ ንሱ ቕድመይ ኰነ፡ ዝበልክዎ እዚ እዩ። ኣነ ድማ ኣይፈለጥክዎን ንሱ ንእስራኤል ምእንቲ ኺግለጽ ግና፡ ኣነ ብማይ እናኣጥመቕኩ መጻእኩ። ዮሃንስ ድማ፡ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሰማይ ከም ርግቢ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ ርኤኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቲ ብማይ ከጥምቕ ዝለአኸኒ ደኣ፥ እቲ፡ መንፈስ ቅዱስ ወሪዱ ኣብኡ ኪቕመጥ ከሎ እትርእዮ፡ ንሱ እዩ ብመንፈስ ቅዱስ ዜጥምቕ፡ ኢሉኒ እምበር፡ ኣነስ ኣይፈለጥክዎን። ኣነ ኸኣ ርኤኹ እሞ፡ ንሱ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑ መስከርኩ። ንጽብሒቱ ድማ ዮሃንስ ምስ ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸም ብሓድሽ ደው ኢሉ ነበረ። ንየሱስ ኪሐልፍ ከሎ ረኣዮ እሞ፥ እንሆ፡ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ። እቶም ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ እዚ ኺብል ከሎ ሰሚዖም፡ ንየሱስ ሰዓብዎ። የሱስ ከኣ ግልጽ ኢሉ ኺስዕብዎ ኸለዉ ርእዩ፥ እንታይ ትደልዩ አሎኹም፧ በሎም። ንሳቶም ድማ፥ ረቢ፦ ትርጉሙ መምህር፦ ኣበይ ሰፊርካ አሎኻ፧ በልዎ። ንሱ፥ ንዑ ርኣዩ፡ በሎም። መጺኦም ኣበይ ከም ዝሰፈረ ረኣዩ፡ ሽዑ መዓልቲውን ምስኡ ወዓሉ። ኣስታት ዓስረይቲ ሰዓት ኣቢላ ኸኣ ነበረት። ካብቶም ንዮሃንስ ሰሚዖም ንየሱስ ዝሰዐብዎ ኽልተስ እቲ ሓደ እንድርያስ ሓው ስምኦን ጴጥሮስ እዩ። ንሱ ቕድም ንሓዉ ስምኦን ረኸቦ እሞ፥ ንመሲህ፦ ክርስቶስ ዝትርጉሙ፦ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናብ የሱስውን ኣምጽኦ፡ የሱስ ከኣ ጠሚትዎ፥ ንስኻ ስምኦን ወዲ ዮና ኢኻ። ንስኻ ኬፋ - ጴጥሮስ ዝትርጉሙ፦ ክትብሃል ኢኻ፡ በሎ። ንጽብሒቱ የሱስ ናብ ገሊላ ኪኸይድ ደለየ፡ ንፊልጶስ ከኣ ረኸቦ እሞ፡ ስዓበኒ፡ በሎ። ፊልጶስ ከኣ ብዓል ቤተ-ስይዳ ዓዲ እንድርያስን ጴጥሮስን እዩ። ፊልጶስ ንናትናኤል ረኸቦ እሞ፥ እቲ፡ ሙሴ ኣብ ሕጊ ነብያትውን ብዛዕባኡ ዝጸሐፉ፡ የሱስ፡ ወዲ ዮሴፍ ብዓል ናዝሬት፡ ረኺብናዮ፡ በሎ። ናትናኤል ድማ፥ ካብ ናዝሬትዶ ገለ ሰናይ ኪመጽእ ይከኣል እዩ፧ በሎ። ፊልጶስውን፥ ንዓ ርኤ፡ በሎ። የሱስ ንናትናኤል ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ምስ ረኣዮ፡ ብዛዕባኡ፥ እንሆ፡ ጕርሒ ዜብሉ ቕኑዕ እስራኤላዊ፡ በለ። ናትናኤል፥ ኣበይ ትፈልጠኒ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ ፊልጶስ ከይ ጸውዓካ፡ ኣብ ትሕቲ በለስ ከሎኻ ርእየካ፡ ኢሉ መለሰሉ። ናትናኤል ድማ፥ ረቢ፡ ንስኻ ወዲ ኣምላኽ ኢኻ፡ ንስኻ ንጉስ እስራኤል ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ድማ፥ ኣብ ትሕቲ በለስ ርእየካ ስለ ዝበልኩኻዶ ኣሚንካ፧ ካብዚ ዚዓቢ ነገር ክትርኢ ኢኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ካብ ሕጂ ሰማይ ተኸፊቱ፡ መላእኽቲ ኣምላኽውን ናብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ኪድይቡን ኪወርዱን ከም እትርእዩ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ።

Translation | Context