Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

long suffering


2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 14 Helpful votes

ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:2 | 9 Helpful votes

ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡

Translation | Context
ገላትያ 5:22 | 8 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 8 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 5:3-4 | 7 Helpful votes

ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 6 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 2:10 | 5 Helpful votes

እቲ ዅሉ ምእንታኡ ዅሉውን ብእኡ ዝዀነ፡ ንብዙሓት ውሉድ ናብ ክብሪ እናእተዎም፡ ነቲ ራእሲ ምድሓኖም ብስቅያት ኪፍጽሞ ተገብኦ።

Translation | Context
ሮሜ 2:4 | 5 Helpful votes

ወይ ከኣ ሕያውነት ኣምላኽ ናብ ንስሓ ኸም ዚስሕበካ ሰኣን ምፍላጥካ ሃብቲ ሕያውነቱን ጸዋር ምዃኑን ዓቕሉንዶ ትንዕቕ አሎኻ፧

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:1-18 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዛ ሕጂ ዝጽሕፈልኩም ዘሎኹ ካልኣይቲ ደብዳበይ እያ፡ ቀደም ብቕዱሳት ነብያት እተባህለ ቓልን ብሃዋርያትኩም ካብ ጐይታናን መድሓኒናን ዝረኸብኩምዎ ትእዛዝን ምእንቲ ኽትዝክሩ ኢለ፡ ብኽልቲኣተን እናኣዘከርኩኹም ነቲ ግሩህ ሓሳብኩም ኤንቅሖ አሎኹ። ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ከም ፍትወት ርእሶም ዚመላለሱን ዜላግጹ መላገጽትን ከም ዚመጹ፡ ቅድሚ ዅሉ እዚ ፍለጡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተስፋ ምጽኣቱ ደኣ ኣበይ አሎ፧ ካብታ ኣቦታትና ዝደቀሱላ መዓልቲ፡ ካብ መጀመርታ ፍጥረት ሒዙ ኵሉ ኸምቲ ዝነበሮ እዩ ዘሎ፡ ኪብሉ እዮም። ሰማያት ካብ ጥንቲ ብቓል ኣምላኽ ከም ዝነበረ፡ ምድሪውን ካብ ማይን ብማይን ምዃና፡ ነዚ ፈትዮም ይርስዕዎ አለዉ። እታ ሽዑ ዝነበረት ዓለም ብእኡ፡ በቲ ማይ፡ ተሰጢማ ጠፍኤት። እቲ ሕጂ ዘሎ ሰማያትን ምድርን ግና ብቓሉ ተዐቝሩ አሎ፡ ክሳዕ መዓልቲ ፍርድን ክሳዕ ጥፍኣት እቶም ንእግዚኣብሄር ዘይፈርሁ ሰባትን ንሓዊ ይሕሎ አሎ። ግናኸ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ኣብ እግዚኣብሄር ሓንቲ መዓልቲ ኸም ሽሕ ዓመት፡ ሽሕ ዓመትውን ከም ሓንቲ መዓልቲ ምዃኑ፡ እዛ ሓንቲ ነገር እዚኣ ኣይትሰወርኩም። ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ። መዓልቲ ጐይታ ግና ከም ሰራቒ ዀይና ኽትመጽእ እያ፡ ብእኣ ሰማያት ጥዋዕዋዕ እናበለ ኺሐልፍ እዩ፡ ፍጥረት ሰማይ ብረስኒ ኺመክኽ፡ ምድርን ኣብኣ ዘሎ ግብርታትን ኪነድድ እዩ። ደጊም እዚ ዅሉ ዘፈላለ ኻብ ኰነ፡ ስሊኡ ሰማያት ብሓዊ መኺኹ ዚፈላለየሉ፡ ፍጥረት ሰማያት ከኣ ብረስኒ ዚመከሉ፡ ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ እናተጸቤኹምዎን እናኣቐልጠፍኩምዎን ብቕዱስ ንብረትን ብፍርሃት እግዚኣብሄርን ከመይ ዝበሉ ኽትኰኑ እዩ ዚግብኣኩም። ንሕና ግና፡ ከምቲ ተስፋኡ፡ ጽድቂ ዚነብረሉ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ንጽበ አሎና። ስለዚ ኸኣ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ እናተጸቤኹምሲ፡ ብዘይ ነውርን ብዘይ መንቅብን ብሰላም ኣብ ቅድሚኡ ኽትርክቡ ተጋደሉ። ከምቲ እቲ ፍቁር ሓውና ጳውሎስ ድማ በቲ እተዋህቦ ጥበብ ዝጸሐፈልኩም፡ ነቲ ትዕግስቲ ጐይታና ንምድሓንኩም ቍጸርዎ። ንሱ ኣብ ኵላተን ደብዳቤታቱ ድማ ነዚ ነገር እዚ ኺዛረበሉ ኸሎ፡ ኣብኡ ንምስትውዓሉ ዚሽግር ሓይሎ ነገር አሎ። እቶም ደናቝርትን ዘይጽኑዓትን፡ ከምቲ ነቲ ኻልእ ጽሑፋት ንጥፍኣት ርእሶም ዝጠዋወይዎ ገይሮም ይጠዋውይዎ አለዉ። ደጊም፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ ነዚ ቕድም እናፈለጥኩምሲ፡ ብስሕተት እቶም ስዲ ዚኸዱ ዘልዉ ተስሒብኩም ካብ ጽንዓት ርእስኹም ከይትወድቁ ተሐለዉ። ብጸጋን ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ደኣ ዕበዩ። ንእኡ ሕጅን ንመዓልቲ ዘለኣለምን ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:41 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።

Translation | Context
ሮሜ 9:22 | 3 Helpful votes

ኣምላኽከ ቚጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቚጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡

Translation | Context
ዘጸአት 34:6 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ብቕድሚኡ ሐለፈ አወጀ ኸኣ፡ እግዚኣብሄር፡ እግዚኣብሄር፡ መሓርን ጸጋውን ኣምላኽ፡ ንዂራ ደንጓይ፡ በዓል ብዙሕ ለውሃትን ሓቅን፡

Translation | Context
እዮብ 1:1-22 | 3 Helpful votes

ኣብ ምድሪ ኡጽ እዮብ ዚበሀል ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ፍጹምን ቅኑዕን ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዝረሐቐን ሰብኣይ ነበረ። ንሱ ሾብዓተ ኣወዳትን ሰለስተ ኣዋልድን ተወሊዶምሉ ነበሩ። ጥሪቱ ድማ ሾብዓተ ሽሕ በጊዕ፡ ሰለስተ ሽሕ ገመል፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ጽምዲ ብዕራይ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ውላድ ኣድጊ ነበረ፡ ብዙሓት ግዙኣትውን ነበርዎ። እዚ ሰብኣይ እዚ ኻብ ኲሎም ሰብ ምብራቕ ዚበልጽ ዓብዪ ነበረ። እቶም ደቁ ድማ፡ በብታራኦም እናተዓዳደሙ፡ ሓደ መዓልቲ ኣብ ቤት እቲ ሓደ፡ ካልኣይ መዓልቲውን ኣብ ቤት እቲ ኻልእ ይምስሑ ነበሩ። ነተን ሰለስተ ኣሓቶም ከኣ፡ ምእንቲ ምሳታቶም ኪበልዓን ኪሰትያን፡ ይጽውዕወን ነበሩ። እተን ንምሳሕ ዚእከቡለን መዓልትታት ምስ ሐለፋ ኸኣ፡ እዮብ ልኢኹ ይቕድሶም ነበረ። ኣንጊሁ ተንሲኡ ድማ ብቚጽሪ ነፍሲ ወከፎም መስዋእቲ ምሕራር የዕርግ ነበረ። እዮብ፡ እዞም ደቀይ ምናልባሽ በዲሎም፡ ንኣምላኽ ከኣ ብልቦም ክሒዶም ይዀኑ፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ኲሉ ጊዜ ኸምዚ ይገብር ነበረ። ሓደ መዓልቲ ግና ዀነ፡ እቶም ደቂ ኣምላኽ መጺኦም ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ቈሙ። ሰይጣን ከኣ ኣብ ማእከሎም መጸ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ ካባይ መጺእካ፧ በሎ። ሰይጣን ድማ፡ ንምድሪ ዘይረያን ተመላሊሰያን መጻእኩ፡ ኢሉ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሰይጣን፡ ከም እዮብ ገይሩ ንኣምላኽ ዚፈርህን ካብ ክፋእ ዚርሕቕን ፍጹምን ቅኑዕን ሰብ ኣብ ምድሪ የልቦን እሞ፡ ንባርያይ እዮብስ ኣስተብሂልካዮዶ፧ በሎ። ሰይጣን ከኣ ንእግዚኣብሄር መለሰሉ በሎውን፡ እዮብ ንኣምላኽ ዚፈርሆስ ብኸምኡ ድዩ፧ ንስኻ ንእኡ ምስ ቤቱን ኣብ ዙርያኡ ዘለዎ ዂሉንዶ ሐጺርካዮ ኣየሎኻን፧ ንተግባር ኢዱ ባረኽካዮ፡ ጥሪቱ ድማ ንምድሪ መሊእዎ አሎ። ግናኸ፡ ኣብታ ገጽካ እንተ ዘይክሒዱካስ፡ ኢድካ ዘርጊሕካ ደሞ ንዂሉ ጥሪቱ ሃሰስ ኣይትብሎን፡ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ እግዚኣብሄር ንሰይጣን፡ በሎ እስኪ፡ ሓንትስ ናብኡ ደኣ ኢድካ ኣይትዘርግሕ እምበር፡ ዘለዎ ዂሉ ኣብ አድካ ሂበካ እኔኹ፡ በሎ። ሰይጣን ከኣ ካብ ገጽ እግዚኣብሄር ወጸ። ኰነ ድማ፡ ሓደ መዓልቲ እቶም ኣወዳቱን ኣዋልዱን ኣብ ቤት እቲ ዓብዪ ሓዎም ኪበልዑን ወይኒ ኺሰትዩን ከለው፡ መእወዪ ናብ እዮብ መጺኡ፡ እቶም ኣብዑር ይሕረሱ፡ እተን ኣእዱግ ድማ ኣብ ጥቓኣቶም ይበልዓ ነበራ፡ ሽዑ ሰብ ሳባ መጺኦም ዘሚቶምዎም። ነቶም ግዙኣት ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ናይ ኣምላኽ ሓዊ ኻብ ሰማይ ወሪዳ፡ ነተን ጤለ በጊዕን ንግዙኣትን ኣንደደቶምን በልዓቶምን። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምላጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጺኡ፡ ከልዳውያን ብሰለስተ ሰልፊ ዀይኖም፡ ኣብተን ኣግማል ሓደጋ ወዲቖም ዘሚቶምወን፡ ነቶም ግዙኣውን ብስሕለት ሴፍ ቀቲሎምዎም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። እዚ ገና ኺዛረብ ከሎ ኸኣ፡ ካልእ መጹኡ፡ ኣወዳትካን ኣዋልድካን ኣብ እንዳ እቲ ዓብዪ ሓዎም ይበልዑን ወይኑ ይሰትዩን ነበሩ፡ ሽዑ ብርቱዕ ህቦብላ ንፋስ ካብ በረኻ መጺኡ፡ ነታ ቤት በርባዕተ መኣዝና፡ ወቕዓ፡ ናብ ርእሲ እቶም ደቂ ድማ ወደቐት፡ ንሳቶም ከኣ ሞይቶም። ኣነ በይነይ ጥራይ እየ ነዚኣ ኽነግረካ ዘምለጥኩ፡ በሎ። ሽዑ እዮብ ተንሲኡ ኽዳኑ ቐደደ ርእሱውን ላጸየ እሞ፡ ጥራየይ እየ ኻብ ከርሲ ወላዲተይ ዝወጻእኩ፡ ጥራየይ ከኣ ናብኣ ኽምለስ እየ። እግዚኣብሄር ሀበ፡ እግዚኣብሄር ድማ ወሰደ። ስም እግዚኣብሄር ይባረኽ፡ ኢሉ ናብ ምድሪ ተደፊኡ ሰገደ። በዚ ዂሉ እዮብ ኣይበደለን፡ ንኣምላኽውን ኣይነቐፎን።

Translation | Context
ሮሜ 8:28-29 | 2 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና። ነቶም ቀደም ዝፈለጦም፡ ንሱ ንብዙሓት ኣሕዋትሲ በዂሮም ምእንቲ ኪኸውን፡ ንምስሊ ወዱ ኺመስሉ ቐደም መደቦም።

Translation | Context
መዝሙር 37:10-11 | 2 Helpful votes

ቅሩብ ጸኒሑ እቲ ረሲእ የሎን፣ ቦታኡ ኽትደልዮ ኢኻ፣ ኣይኪህሉን ድማ እዩ። ትሑታት ግና ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም፣ ብብዝሒ ሰላም ከኣ ደስ ኪብሎም እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:9 | 2 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ጽሑፍ፡ እቲ ዓይኒ ዘይረአየቶ እዝኒ ኸኣ ዘይሰምዓቶ ኣብ ልቢ ሰብ ድማ ዘይተሐስበ፡ ኣምላኽ ነቶም ዜፍቅርዎ ኣዳለወሎም፡ ዚብል፡

Translation | Context
ማቴዎስ 25:46 | 2 Helpful votes

እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
እብራውያን 4:15 | 2 Helpful votes

ደጊም ብዘይ ሓጢኣትሲ፡ ብዅሉ ኸምዚ ኸማና እተፈተነ እዩ እምበር፡ ብድኻምና ኺድንግጸልና ዘይኽእል ሊቀ ኻህናት የብልናን እሞ፡ ብሰማያት ዝሐለፈ ዓብዪ ሊቀ ኻህናት፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ ካብ ዚህልወናስ፡ ምእማንና ነጽንዕ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:15 | 2 Helpful votes

ብእኡ ዚኣምን ኵሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ በረኻ ተመን ዝሰቐለ፡ ከምኡ ድማ ወዲ ሰብ ኪስቀል ይግባእ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:12 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኸም ሕሩያት ኣምላኽን ቅዱሳንን ፍቁራትን ኴንኩም፡ ምሕረት ልቢ፡ ለውሃት፡ ትሕትና፡ ዓቕሊ፡ ትዕግስቲ ልበሱ።

Translation | Context