Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

long life


ዘዳግም 5:33 | 15 Helpful votes

ኣብታ እትወርስዋ ምድሪ ምእንቲ ብህይወት ክትነብሩ፡ ኪጽብቐልኩምውን ዕድሜኹም ድማ ኪነውሕ፡ በታ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኩም ኵላ መገዲ ኺዱ።

Translation | Context
መዝሙር 91:16 | 14 Helpful votes

ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1-4 | 11 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም። ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ። ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ምሳሌ 16:31 | 10 Helpful votes

ሸያብ ጸጕሪ ናይ ክብረት ዘውዲ እዩ፡ እዚ ኸኣ ኣብ መገዲ ጽድቂ እዩ ዚርከብ።

Translation | Context
ዘጸአት 23:25-26 | 6 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኣገልግሉ፡ ንሱ ኸኣ እንጌራኻን ማይካን ኪባርኸልካ እዩ። ሕማም ከኣ ካብ ማእከልካ ኸርሕቕ እየ። ኣብ ሃገርካ እተዋግር ወይ መኻን ሰበይቲ ኣይትርከብን። ፍቕዲ መዓልትታትካ ድማ ክመልኦ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 4 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:10 | 4 Helpful votes

ኣዒንቲ እግዚኣብሄርሲ ናብ ጻድቃን እየን ዚርእያ፡ ኣእዛኑውን ናብ ጸሎቶም እየን፡ ገጽ እግዚኣብሄር ግና ነቶም ገበርቲ እከይ ይጻረሮም እዩ እሞ፡ እቲ ህይወት ኪፈቱ ጽቡቓት መዓልትታት ከኣ ኪርኢ ዚደሊ፡ ልሳኑ ኻብ ክፉእ፡ ከናፍሩውን ተንኰል ከይዛረባ ይኸልክል። ካብ እከይ ይዝበል ሰናይ ከኣ ይግበር፡ ንሰላም ይድለያ ይስዐባውን።

Translation | Context
ምሳሌ 3:16 | 4 Helpful votes

ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፡ ኣብ ጸጋማ ኸኣ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።

Translation | Context
ዘዳግም 6:1-2 | 4 Helpful votes

እቲ ኣብታ ክትርስተይዋ እትሐልፍዋ ዘሎኹም ሃገር ክትገብርዎ፡ ኣነ ኽምህረኩም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ዝአዘዘኒ ትእዛዛትን ሕጋጋትን ፍርድታትን ድማ እዚ እዩ። ንስኻን ወድኻን ደቂ ደቅኻን ምሉእ ዕድሜኻ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምእንቲ ኽትፈርህ፡ ዕድሜኻ ድማ ምእንቲ ኺነውሕ፡ እዚ ኣነ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱን ሕጋጋቱን ሐሉ።

Translation | Context
መዝሙር 90:10 | 4 Helpful votes

መዓልትታት ዓመታትና ሰብዓ ዓመት፣ እንተ በዝሔ ኸኣ ሰማንያ ዓመት እዩ፣ ቀልጢፉ ይሐልፍ፣ ነፊርናውን ንኸይድ ኢና እሞ፣ ክብረቱ ጻዕርን መከራን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 57:1 | 3 Helpful votes

ጻድቕ ይመውት እሞ ዚሐስቦ የልቦን፡ እቶም ፈራህቲ እግዚኣብሄር ከኣ ይምንጠሉ እሞ፡ እቲ ጻድቕ ካብ እከይ ከም እተኣርነበ ዜስተንትኖ የልቦን።

Translation | Context