Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

loneliness


ኢሳይያስ 41:10 | 13 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 9 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

Translation | Context
እያሱ 1:5 | 7 Helpful votes

ምሉእ ዕድሜኻ ዚቃወመካ ሰብ የልቦን። ምስ ሙሴ ኸም ዝነበርኩ፡ ምሳኻ ድማ ክኸውን እየ። ኣይሐድገካን ኣይጥንጥነካንውን።

Translation | Context
መዝሙር 23:4 | 5 Helpful votes

በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 31:6 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ንሱ እዩ ምሳኻ ዚኸይድ እሞ፡ ኣይጠልመካን ኣይሐድገካን እዩ፡ ስለዚ ጽናዑ፡ ትብዑ፡ ኣይትፍርሁ፡ ብኣታቶም ኣይትሸበሩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:18 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ፡ ሰብኣይ በይኑ ኪኸውን ጽቡቕ ኣይኰነን፡ ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ክገብረሉ እየ፡ በለ።

Translation | Context
እብራውያን 13:1-25 | 4 Helpful votes

ፍቕሪ ሕውነት ትጽናዕ። ገሊኣቶም ከይፈለጡ ብእኡ ንመላእኽቲ ኸም ኣጋይሽ ተቐቢሎም አለዉ እሞ፡ ምቕባል ኣጋይሽ ኣይትረስዑ። ንእሱራት ከም መተኣስርቶም ኴንኩም፡ መከራ ይጸግቡ ንዘለዉ ኸኣ ንስኻትኩምውን ኣብቲ ስጋ ኸም ዘሎኹም ኴንኩም ዘክርዎም። ነመንዝራታትን ንዘመውትንሲ ኣምላኽ ኪፈርዶም እዩ እሞ፡ መውስቦ ኣብ ኵሉ ኽቡር፡ እቲ መደቀስ ኣሚን ከኣ ዘይረኽስ ይኹን። ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ። ስለዚ ተቢዕና፡ እግዚኣብሄር ረዳእየይ እዩ እሞ፡ ኣይክፈርህን እየ፡ ሰብከ እንታይ ከይገብረኒ፧ ንበል። ነቶም ቃል ኣምላኽ ዝነገሩኹም መራሕቲኹም ዘክርዎም፡ መወዳእታ ንብረቶም እናተቛመትኩም፡ ኣሰኣሰር እምነቶም ስዓቡ። የሱስ ክርስቶስ ትማልን ሎምን ንዘለኣለም ንሱ እዩ። ልብኹም፡ በቲ ነቶም ዝኸዱሉ ዘይጠቐሞም ብልዒ ዘይኰነስ፡ ብጸጋ እንተ ጸንዔ፡ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብብዙሕ ዝዓይነቱን ብጋሻን ትምህርቲ ኣይትስሐቱ። እቲ ብሊቀ ኻህናት ስለ ሓጢኣት ኣብ መቕደስ ዚኣቱ ዝነበረ ደም እንስሳታት፡ እቲ ስጋታተን ኣብ ወጻኢ ሰፈር ይሐርር ነበረ እሞ፡ ንሕናስ እቶም ነቲ ድንኳን ዜገልግሉ ካብኡ ኺበልዑ መሰል ዜብሎም መሰውኢ አሎና። ስለዚ የሱስ ከኣ፡ ብደም ንህዝቢ ምእንቲ ኪቕድስ ኢሉ፡ ኣብ ወጻኢ ኣፍ ከተማ መከራ ጸገበ። ነታ እትመጽእ ንደሊ አሎና እምበር፡ ኣብዚ እትነብር ከተማ የብልናን እሞ፡ ሕጂ ጸርፉ ተሰከምና ናብ ወጻኢ ሰፈር ናብኡ ንውጻእ። እምብኣርስ ብእኡ ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ መስዋእቲ ምስጋና፡ ማለት ንስሙ ዚእመና ፍረ ኸናፍር፡ ነቕርብ። ኣምላኽ ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ መስዋእቲ ይሰምሮ እዩ እሞ፡ ሰናይ ምግባርን ምምቓልን ኣይትረስዑ። ንመራሕትኹም ተኣዘዝዎምን ተገዝእዎምን። ንሳቶም ከምቶም ጸብጻብ ዚህቡ ዀይኖም፡ ምእንቲ ነፍሳትኩም ነቒሖም ይሕልዉ አለዉ እሞ፡ ነዚ ብታሕጓስ ኪገብርዎ እምበር፡ ብጓሂ እንተ ገበርዎ፡ እዚ ንኣካትኩም ኣይጠቅምን እዩ። ብዅሉ ደግነት ክንነብር እናደሌና፡ ሰናይ ሕሊና ኸም ዘሎና፡ ተረዲእናዮ አሎና እሞ፡ ጸልዩልና። ኣነ ቐልጢፈ ኸም ብሓድሽ ምእንቲ ኽውሃበኩም፡ እዚ ኽትገብሩ ኣብዚሔ እምዕደኩም አሎኹ። ኣምላኽ ሰላም ግና ነቲ ብናይ ዘለኣለም ደም ኪዳን ዓብዪ ጓሳ ኣባጊዕ፡ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ፡ ካብ ምዉታት ዘተንስኦ፡ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሉ ኣባኻትኩም እናገበረ ብሰናይ ግብሪ ዘበለ ዅሉ ፍቓድ ኽትገብሩ የብቅዕኩም። ካብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ንእኡ ኽብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ኣቱም ኣሕዋተይ፡ እዚ ቓል ምኽሪ እዚ ኣሕጺረ ጽሒፈልኩም እየ እሞ፡ ክትቅበልዎ እልምነኩም አሎኹ። ጢሞቴዎስ ሓዉና ኸም እተፈትሔ፡ ፍለጡ፡ ንሱ ቐልጢፉ እንተ መጸ፡ ምስኡ ኽርእየኩም እየ። ንዅላቶም መራሕትኹምን ንዅላቶም ቅዱሳንን ሰላም በልዎም። እቶም ካብ ኢጣልያ ዝዀኑ ሰላም ይብሉኹም አለዉ። ጸጋ ምስ ኵላትኩም ይኹን። ኣሜን።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6-7 | 4 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 28:20 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሀርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 38:9 | 3 Helpful votes

ጐይታየ፣ ኵሉ ሃረርታይ ኣብ ቅድሜኻ እዩ፣ እህህታይ ኣይተሰወረካን።

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 3 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
ሮሜ 8:35-39 | 3 Helpful votes

ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:16-18 | 2 Helpful votes

ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡ ኣይሐዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቘመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን።

Translation | Context
መዝሙር 27:10 | 2 Helpful votes

ኣቦይን እኖይን እኳ እንተ ዚጥንጥኑኒ፣ እግዚኣብሄርሲ ይእርንበኒ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:28-31 | 2 Helpful votes

እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
መዝሙር 62:8 | 2 Helpful votes

ኣቱም ህዝቢ፣ ኵሉ ጊዜ ብእኡ ተወከሉ፣ ልብኹም ኣብ ቅድሚኡ ኣፍስሱ፣ መዕቈቢና ኣምላኽ እዩ። [ሴላ።]

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:13 | 2 Helpful votes

ካብ መንፈሱ ስለ ዝሀበና፡ ንሕና ኣብኡ ኸም እንነብር ንሱውን ኣባና ኸም ዚነብር፡ በዚ ኢና እንፈልጥ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:18 | 2 Helpful votes

ኣነ ዘኽታማት ኴንኩም ኣይሐድገኩምን፡ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 62:5 | 2 Helpful votes

ትጽቢተይ ካብኡ እዩ እሞ፣ ነፍሰየ፣ ብኣምላኽ ጥራይ ሀዲእኪ ተጸበዪ።

Translation | Context