Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

living water


ዮሃንስ 4:14 | 15 Helpful votes

እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
ዮሃንስ 7:38 | 13 Helpful votes

ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:13-15 | 9 Helpful votes

የሱስ ድማ፥ ካብዚ ማይ እዚ ዚሰቲ ዘበለ መሊሱ ኺጸምእ እዩ። እቲ ካብቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ዚሰቲ ግና፡ እቲ ኣነ ዝህቦ ማይ ኣብኡ ንዘለኣለም ህይወት ዚፍልፍል ዓይኒ ማይ ኪኸውን እዩ እምበር፡ ንዘለኣለም ኣይጸምእን እዩ፡ ኢሉ መለሰላ። እታ ሰበይቲ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ ከይጸምእ እሞ ክቐድሕ ድማ ናብዚ ኸይወርድሲ ካብቲ ማይ እቲ ሃበኒ፡ በለቶ።

Translation | Context
ራእይ 21:6 | 7 Helpful votes

ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 44:3 | 6 Helpful votes

ማይ ኣብቲ ጽሙእ፡ ወሓይዝ ከኣ ኣብቲ ንቑጽ ከፍስስ እየ፡ መንፈሰይ ኣብ ዘርእኻ፡ በረኸተይ ከኣ ኣብ ሓድግኻ ኸፍስሶ እየ እሞ፡

Translation | Context
ዮሃንስ 7:37 | 4 Helpful votes

በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ።

Translation | Context
ኤርምያስ 2:13 | 4 Helpful votes

ህዝበይ ክልተ ኽፋእ ገይሩ፡ ንኣይ ንፈልፋሊ ህያው ማይ ሐዲጎምኒ፡ ንርእሶም ከኣ ሓጽብታት፡ ማይ ዘየዕቊር ነቓዕ ሓጽብታት ኲዒቶም እዮም እሞ፡ ኣቱም ሰማያት፡ በዚ ተገረሙ፡ ሰምብዱ፡ ኣዚኹምውን ራዕራዕ በሉ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ራእይ 22:1 | 3 Helpful votes

ከም ክሪስታል ዝምጽራዩ ርባ ማይ ህይወት ከኣ ኣርኣየኒ፡ እዚ ኻብቲ ናይ ኣምላኽን ናይቲ ገንሸልን ዝፋን እናወጸ፡

Translation | Context
ራእይ 22:17 | 3 Helpful votes

እቲ መንፈስን እታ መርዓትን፡ ንዓ፡ ይብሉ አለዉ። እቲ ዚሰምዕውን፡ ንዓ፡ ይበል። ዝጸምኤ ኸኣ ይምጻእ፡ ዝደለየውን ማይ ህይወት ብኸምኡ ይውሰድ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 58:11 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንዂሉ ጊዜ ኺመርሓካ፡ ኣብ ምድሪ ኣጻምእ ንነፍስኻ ኼጽግባ፡ ነዕጽምትኻ ድማ ኬበርትዖ እዩ። ንስኻ ኸኣ ከም ዝሰተየ ኣታኽልትን ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይን ክትከውን ኢኻ።

Translation | Context
ራእይ 7:16-17 | 3 Helpful votes

እቲ ኣብ ማእከል ዝፋን ዘሎ ገንሸል ስለ ዚጓስዮም፡ ናብ ዔላታት ማይ ህይወት ከኣ ስለ ዚመርሖም፡ ኣምላኽውን ካብ ኣዒንቶም ንብዓት ዘበለ ኺደርዘሎም እዩ እሞ፡ ደጊምሲ ኣይኪጠምዩን ኣይኪጸምኡን እዮም፡ ጸሓይን ሃሩርን ድማ ከቶ ኣይኪረኽቦምን እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:17-18 | 3 Helpful votes

ሽጉራትን ድኻታትን ማይ ይደልዩ እሞ የልቦን፡ ልሳኖም ብጽምኢ ነቐጸ፡ ግናኸ ኣነ  እግዚኣብሄር ክሰምዖም፡ ኣነ ኣምላኽ እስራኤል ኣይክሐድጎምንን እየ። ውሒዝ ኣብቶም መላጣት ኰረቢት፡ ዓይኒ ማያት ከኣ ኣብ ማእከል ሽንጭሮታት ከውሕዝ እየ፡ ንጸምጸም በረኻስ ማይ ዝመልኦ ቐላይ፡ ንምድሪ ኣጻምእ ከኣ ፈልፋሊ ኽገብሮ እየ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:1-2 | 2 Helpful votes

ኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ። ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጸማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡሉስ ስለምንታይ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ፡ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 12:3 | 2 Helpful votes

ካብ ዔላታቱ ምድሓን ከኣ ብደስታ ማይ ክትቀድሑ ኢኹም።

Translation | Context
መዝሙር 42:1-2 | 2 Helpful votes

እራብ ናብ ዓይኒ ማያት ከም እትናፍቕ፣ ከምኡ ኸኣ ነፍሰይ ናባኻ፣ ዎ ኣምላኽ፣ ትናፍቕ አላ። ነፍሰይ ንኣምላኽ፣ ነቲ ህያው ኣምላኽ፣ ትጸምእ አላ፣ መአዝ ኰን ክመጽእ፣ ኣብ ቅድሚ ገጽ ኣምላኽሲ ክቐውም እየ፧

Translation | Context
ዘካርያስ 13:1 | 2 Helpful votes

በታ መዕልቲ እቲኣ ንቤት ዳዊትን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነሩን ንሓጢኣትን ርኽሰትን እትኸውን ዔላ ማይ ክትክፈተሎም እያ።

Translation | Context
ዘጸአት 17:1-7 | 2 Helpful votes

ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ካብ በረኻ ሲን ነቐለ፡ ከም ትእዛዝ እግዚኣብሄር ድማ ካብ ሰፈር ናብ ሰፈር እናተጓዕዙ ኣብ ረፊዲም ሰፈሩ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ዚሰትዮ ማይ ኣይነበሮን። እቶም ህዝቢ ድማ፡ እንሰትዮ ማይ ሀቡና፡ ኢሎም ምስ ሙሴ ተቛየቑ። ሙሴ ኸኣ፡ ስለምንታይ ምሳይ ትቛየቑ፧ በሎም። ስለምንታይከ ንእግዚኣብሄር ትፍትኑ፧ በሎም። እቶም ህዝቢ ድማ ኣብኡ ማይ ጸሚኦም ንሙሴ፡ ስለምንታይ ኢኻ፡ ንሕናን ደቅናን ማልናን ብጽምኢ ኽንመውት ካብ ግብጺ ዘደየብካና፧ ኢሎም ኣጕረምረሙሉ። ሙሴ ድማ፥ ነዚ ህዝቢዚ እንታይ ክገብሮ እየ፧ ብዳርባ እምኒ ኪቐትሉኒ ቕሩብ ተሪፍዎም አሎ፡ ኢሉ ናብ እግዚኣብሄር ኣእወየ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ ናብ ቅድሚ ህዝቢ ሕለፍ እሞ፡ ካብ ዓበይቲ እስራኤል ከኣ ምሳኻ ውሰድ፡ እታ ነታ ርባ ዝወቓዕካላ በትርኻ ድማ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኺድ። እንሆ፡ ኣነ ኣብኡ ኣብ ቅድሜኻ ኣብ ልዕሊ ኸውሒ ሆሬብ ደው ክብል እየ። ነቲ ኸውሒ ኸኣ ክትወቅዖ ኢኻ፡ ነቶም ህዝቢ ዜስቲ ማይ ድማ ካብኡ ኺወጽእ እዩ፡ በሎ። ሙሴ ድማ ኣብ ቅድሚ ዓበይቲ እስራኤል ከምኡ ገበረ። ብዛዕባ እቲ ቘየቛ ደቂ እስራኤል፡ ንእግዚኣብሄር ድማ፡ እግዚኣብሄርሲ ኣብ ማእከልናዶ አሎ ወይ ኣይፋሉን፧ ኢሎም ስለ ዝፈተንዎ፡ ስም እታ ቦታ ማሳን መሪባን ኣውጽኣላ።

Translation | Context
ምሳሌ 5:15-20 | 2 Helpful votes

ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ፡ ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ። ምንጭኻ ንወጻኢ፡ ርባታትካስ ናብ ኣደባባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፡ ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ። ምንጭኻ ይባረኽ፡ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ። ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፡ ሰበይቲ እማትካስ እትሐቍፍ፡

Translation | Context
ዮሃንስ 7:37-39 | 2 Helpful votes

በታ ዳሕረይቲ ዓባይ መዓልቲ በዓል የሱስ ደው ኢሉ ጨደረ በለውን፥ ዝጸምኤ እንተሎ ናባይ ይምጻእ እሞ ይስተ። ብኣይ ዚኣምን፡ እቲ ጽሑፍ ከም ዝበለ፡ ካብ ከብዱ ርባታት ማይ ህይወት ኪውሕዝ እዩ። የሱስ ገና ስለ ዘይከበረ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ እሞ፡ እዚ ብዛዕባቲ እቶም ብእኡ ዝአመኑ ኪቕበልዎ ዘለዎም መንፈስ እዩ እተዛረበ።

Translation | Context