Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

living a christian life


ሮሜ 12:2 | 9 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:5-10 | 6 Helpful votes

ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡ ብሰሪ እዚ ነገርዚ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ኣብቶም ደቂ ዘይምእዛዝ ይወርድ እዩ። ንስኻትኩምውን፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኸሎኹም፡ ቀደም ብእኡ ትመላለሱ ኔርኩም። ሕጂ ግና ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ድማ፥ ኵራ፡ ምንጽርጻር፡ ክፍኣት፡ ጸርፊ፡ ዜሕፍር ዘረባውን ካብ ኣፍኩም ኣርሕቑ። ንስኻትኩም፡ ነቲ ኣረጊት ሰብ ምስ ግብሩ ቐንጢጥኩም፡ ከምቲ ምስሊ እቲ ዝፈጠሮ ጌርኩም፡ ነቲ ንፍልጠት ዚሕደስ ሓድሽ ሰብ ዝለበስኩም፡ ንሓድሕድኩም ኣይትተሓሳሰዉ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21-23 | 4 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:26 | 4 Helpful votes

ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:22-27 | 3 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ። ሓደ እኳ ሰማዕ ቃል ኰይኑ ገባሪ እንተ ዘይኰነ፡ ንሱ ነቲ ንገጽ ፍጥረቱ ብመስትያት ዚርኢ ሰብኣይ እዩ ዚመስል። ነፍሱ ይርኢ እሞ፡ ይኸይድ ብኡብኡውን ከመይ ምዃኑ ይርስዕ። እቲ ኣብቲ ምሉእ ሕጊ፡ ንሱ ድማ ሕጊ ሓርነት፡ ኣጸቢቑ ዚጥምትን ዚጸንዕን፡ ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዘይርስዕ ሰማዒ ግና፡ እዚ ብግብሩ ብጹእ ኪኸውን እዩ። ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ። ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:19-20 | 3 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:32 | 3 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:17 | 2 Helpful votes

ስለዚ ሓደ እኳ ብክርስቶስ እንተ አልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፡ እቲ ብሉይ ሐሊፉ፡ እንሆ፡ ኵሉ ሓድሽ ኰይኑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:1-6 | 2 Helpful votes

ደጊም ኣነ እሱር ብጐይታ፡ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ጽውዓ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እምዕደኩም አሎኹ። ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡ እቲ ልዕሊ ዅሉን ብዅሉን ኣብ ኵሉን ዘሎ ሓደ ኣምላኽን ኣቦ ዅሉን ንሱ እዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:14-24 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ሓደ ሰብ፡ እምነት ኣላትኒ፡ እንተ በለ፡ ግብሪ ግና ካብ ዘይህልዎ፡ እንታይ ይጠቅም፧ እዛ እምነት እዚኣዶ ኸተድሕኖ ትኽእል እያ፧ ሓው ወይስ ሓብቲ እንተ ዐረቑ፡ ናይ ዕለት ምግቢውን እንተ ሰአኑ፡ እሞ ንስጋኦም ዜድሊ ኸይሀብኩምዎምሲ፡ ሓደ ካባኻትኩም፡ ብሰላም ኪዱ፡ ሙቑ፡ ጽገቡ፡ እንተ በሎም፡ እንታይ ይጠቅም፧ ከምኡ ኸኣ እምነት፡ ግብሪ እንተ ዜብላስ፡ ንርእሳ ምውትቲ እያ። ግናኸ ሓደ ሰብ ግዳ፡ ንስኻ እምነት ኣላትካ፡ ኣነ ኸኣ ግብሪ አሎኒ፡ ይብል ይኸውን። እምብኣርሲ እምነትካ ብዘይ ግብሪ ኣርእየኒ፡ ኣነውን ብግብረይ ገይረ እምነተይ ከርእየካ እየ። ንስኻስ ኣምላኽ ሓደ በይኑ ምዃኑ ትአምን አሎኻ። ጽቡቕ ገበርካ፡ ኣጋንንቲውን ይኣምኑን ይንቅጥቀጡን እዮም። ግናኸ፡ ኣታ ኸንቱ ሰብ፡ እምነት ብዘይ ግብሪ ምውትቲ ምዃና ኽትፈልጥዶ ትደሊ ኢኻ፧ ኣብርሃም ኣቦናዶ ንይስሃቅ ወዱ ኣብ መሰውኢ ምስ ኣቕረቦ፡ ብግብሩ ኣይጸደቐን፧ እምነት ምስ ግብሩ ዀይና ኸም ዝዐየየት፡ እምነት ብግብሪ ገይራውን ከም እተፈጸመት፡ ትርኢ አሎኻ። እቲ፡ ኣብርሃም ንኣምላኽ አመኖ እሞ ንጽድቂ ዀይኑ ተቘጽረሉ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ፡ ፍቁር ኣምላኽውን ተባህለ። ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም።

Translation | Context
እብራውያን 13:5 | 2 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
ሮሜ 12:1 | 2 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:20 | 2 Helpful votes

እሙን ሰብ ኣዝዩ ይባረኽ፡ እቲ ኽህብትም ኢሉ ዚህወኽ ግና ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 2 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 14:1 | 2 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ።

Translation | Context