Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

listening to others


ያእቆብ 1:19 | 23 Helpful votes

ፍቁራት ኣሕዋተየ፡ እዚ ትፈልጡ ኢኹም። ኵራ ሰብኣይሲ ጽድቂ ኣምላኽ ኣይገብርን እዩ፡ ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ፡ ንምዝራብ ደንጓዪ፡ ንዂራ ደንጓዪ ይኹን።

Translation | Context
ምሳሌ 12:15 | 14 Helpful votes

እቲ ዓሻ፡ መገዱ ኣብ ኣዒንቱ ቕንዕቲ እያ፡ ጥበበኛ ግና ምኽሪ ይሰምዕ።

Translation | Context
ምሳሌ 18:13 | 12 Helpful votes

ከይሰምዔ ምላሽ ዚህብ ሰብ ዕሽነትን ነውርን ይቝጸሮ።

Translation | Context
ምሳሌ 19:27 | 10 Helpful votes

ወደየ፡ ነቲ ኻብ ቃል ፍልጠት ዜርሕቐካ ተግሳጽ ምስማዕ ሕደጎ።

Translation | Context
ምሳሌ 5:1-23 | 5 Helpful votes

ወደየ፡ ምኽሪ ኸተጽንዕ፡ ከናፍርካውን ፍልጠት ምእንቲ ኺሕዛስ፡ ናብ ጥበበይ ኣቕልብ፡ ናብ ምስትውዓለይውን እዝንኻ ኣድንን። ከናፍር ኣመንዝራ ሰበይትስ መዓር ወለላ የንጠብጥብ፡ ኣፋ ኸኣ ካብ ዘይቲ ይልስልስ። መወዳእታኣ ግና ከም ዕረ መሪር፡ ክልተ ኣፍ ከም ዘለዎ ሴፍ ከኣ በሊሕ እዩ። ኣእጋራ ናብ ሞት ይወርዳ፡ ስጕምታ ናብ ሲኦል ይበጽሕ። ንመገዲ ህይወት ከይትረኽባስ፡ በኻይዳኣ ዀብላሊት እያ እሞ፡ ኣይትፈልጥን እያ። ኣቱም ደቀየ፡ እምበኣርሲ ሕጂ ስምዑኒ፡ ካብ ቃላት ኣፈይ ከኣ ኣይትርሐቑ። መገድኻ ኻብኣ ኣርሕቕ፡ ናብ ደገ ቤታ ኣይትቕረብ። ክብርኻ ንኻልእ፡ ዕድሚኻውን ንጨካን ከይትህብ፡ ብጥሪትካ ኻልኦት ከይጸግቡ፡ ፍረ ድካምካውን ናብ ቤት ካልእ ከይሐልፍ፡ ኣብ መጠረስታ ነፍሰ ስጋኻ ምስ ተወድኤ፡ ከይተልቅስ እሞ፡ ከመይከ ንተግሳጽ ጸላእክዎ፡ ልበይሲ ንዘለፋ ነዐቖ፡ ስለምንያትከ ድምጺ መምህራነይ ዘይሰማዕኩ፡ ናብቶም ዜስተምህሩንስ ኣእዛነይ ዘየድነንኩ፡ ኣብ ማእከል ማሕበርን ጉባኤን ናብ ክፉእ ዘበለ ኵሉ ንምብጻእ ቅሩብ ተሪፉኒ ነይረ፡ ከይትብልሲ፡ መገድኻ ካብኣ ኣርሕቖ። ማይሲ ኻብ ዔላኻ ደኣ፡ ካብቲ ዚፍልፍል ምንጭኻ ደኣ ስተ። ምንጭኻ ንወጻኢ፡ ርባታትካስ ናብ ኣደባባያትዶ ይፈስስ አሎ እዩ፡ ንኣኻ ጥራይ ይኹን፡ ጓኖት ኣይካፈሉኻ። ምንጭኻ ይባረኽ፡ በታ ሰበይቲ ንእስነትካ ባህ ይበልካ። ፍትውቲ ዋላ፡ ጽብቕቲ ሜዳቝ ትዅነልካ፡ እቲ ኣጥባታ ዅሉ ጊዜ የዕግብካ፡ ብፍቕራውን ወርትግ ተመሰጥ። ኣታ ወደይ፡ ስለምንታይ ጓና ሰበይቲ እተፍቅር፡ ሰበይቲ እማትካስ እትሐቍፍ፡ እምብኣርሲ መገዲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር እዩ፡ ነኻይዳኡውን ንሱ ይምልከቶ። እቲ ረሲእ ብኣበሳኡ ይሕንኰል፡ በግማድ ሓጢኣቱ ኸኣ ይእሰር። ንሱ ሰኣን ተግሳጽ ይመውት፡ በቲ ዓብዪ ድንቍርናኡ ኸኣ ይጋገ።

Translation | Context
ምሳሌ 11:14 | 4 Helpful votes

ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።

Translation | Context
ምሳሌ 17:28 | 4 Helpful votes

ዓሻ እኳ ስቕ እንተ በለስ፡ ጥበበኛ መሲሉ ይርኤ፡ ከናፍሩ ዚዐጹ ኣእምሮኛ ይበሀል።

Translation | Context
ምሳሌ 18:2 | 4 Helpful votes

ዓሻ ነቲ ኣብ ልቡ ዘሎ ኺገልጾ እምበር፡ ምስትውዓል ኣይፈቱን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 2:2 | 3 Helpful votes

ወደየ፡ እዝንኻ፡ ናብ ጥበብ ምእንቲ ኬቕልብ፡ ልብኻውን ናብ ምስትውዓል ምእንቲ ኺደንን ኢልካስ፡ ንቓላተይ እንተ ተቐበልካዮ፡ ንትእዛዛተይ ከኣ ምሳኻ እንተ ኣርነብካዮ፡

Translation | Context
ምሳሌ 21:23 | 3 Helpful votes

እቲ ኣፉን መልሕሱን ዚሕሉ ሰብ ንነፍሱ ኻብ ጸበባ ይሕልዋ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:19 | 2 Helpful votes

ብዙሕ ዘረባ ኣብ ዘለዎ ኣብኡ ኣበሳ ኣይሰኣኖን፡ ከናፍሩ ዚገትእ ግና ለባም እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:2 | 2 Helpful votes

ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።

Translation | Context
ያእቆብ 1:26 | 2 Helpful votes

ሓደ እኳ፡ ንልቡ ደኣ ዜስሕቶ እምበር፡ ልሳኑ ዘይለጕም እንተሎ፡ ንኣምላኽ ዜምልኽ ከም ዘሎ እንተ መሰሎ፡ ኣምልኾኡ ኸንቱ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:8 | 2 Helpful votes

ጠቢብ ዝልቡ ትእዛዛት ይቕበል፡ ዓሻ ዝኸናፍሩ ግና ይወድቕ።

Translation | Context