Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

liquor


ምሳሌ 20:1 | 10 Helpful votes

ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:10 | 6 Helpful votes

ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18 | 6 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-10 | 4 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 5:11 | 4 Helpful votes

እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 3 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:23 | 3 Helpful votes

ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:4 | 3 Helpful votes

ልሙኤለየ፡ ሰትዮም ሕጊ ኸይርስዑ እሞ፡ ፍርዲ ዅሎም ግፉዓት ከይልውጡስ፡ እዚ ኣይንነገስታትን እዩ፡ ነገስታት ወይኒ ኺሰትዩ፡ መሳፍንቲ፡ ዜስክር መስተ ኣበይ አሎ፡ ኪብሉ ኣይግባእን።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-7 | 3 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ።

Translation | Context
ዮሃንስ 2:1-11 | 3 Helpful votes

ኣብታ ሳልሰይቲ መዓልቲ ኸኣ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ መርዓ ዀነ፡ ኣደ የሱስውን ኣብኡ ነበረት። የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብቲ መርዓ ተዓደመ። ወይኒ ምስ ተወድኤ፡ ኣደ የሱስ፥ ወይኒ እምበር የብሎምን፡ በለቶ። የሱስ ድማ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ ምሳኺኸ እንታይ አሎኒ፡ ጊዜይ ገና ኣይበጽሔን፡ በላ። ኣዲኡ ኸኣ ነቶም ተዓጠቕቲ፥ ንሱ ዚብለኩም ኵሉ ግበሩ፡ በለቶም። ኣብኡ ኸም ስርዓት ምጽራይ ኣይሁድ ሹድሽተ ኣጋንእ እምኒ ተተኺሉ ነበረ፡ እቲ ኣጋንእ ከክልተ ወይ ሰሰለስተ ዝንግሪር ዜግብእ እዩ። የሱስ፥ ነዚ ኣጋንእ ማይ ምልእዎ፡ በሎም። ኣፍ ንኣፍ ከኣ መልእዎ። ሽዑ፥ ሕጂ ቅድሕዎ እሞ ነቦ ዳስ ውሰድሉ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ወሰዱ። እቲ ኣቦ ዳስ ግና ነቲ ንወይኒ እተለወጠ ማይ ምስ ጠዓሞ፡ ካበይ ምዃኑ ኣይፈለጠን፦ እቶም ማይ ዝመልኡ ተዓጠቕቲ ግና ይፈልጡ ነበሩ፦ እቲ ኣቦ ዳስ ነቲ መርዓዊ ጸዊዑ፥ ኵሉ ሰብ ቅድም ጽቡቕ ወይኒ፡ ምስ ሰኸሩ ኸኣ እቲ ሕምቕ ዝበለ ደኣ የቕርብ። ንስኻ ግና ነቲ ጽቡቕ ወይኒ ኽሳዕ ሕጂ ኣጽናሕካዮ፡ በሎ። የሱስ ነዚ መጀመርያ ተኣምራቱ እዚ ኣብ ቃና ናይ ገሊላ ገበሮ። ክብረቱ ኸኣ ገለጸ፡ ደቀ መዛሙርቱውን ብእኡ አመኑ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:31 | 3 Helpful votes

ከምቲ ሰብ ኪገብሩልኩም እትደልይዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ግበሩሎም።

Translation | Context
ገላትያ 5:21 | 3 Helpful votes

ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context