Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

23 bible verses about

lifting hands


መዝሙር 63:4 | 11 Helpful votes

ብህይወተይ ክሳዕ ዘሎኹ ኽባርኸካ፣ ብስምካ ነእዳወይ ከልዕለን እየ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:8 | 9 Helpful votes

እምብኣርሲ ሰብኡት ብዘይ ኵራን ውልውልን ቅዱሳት ኣእዳው ኣልዒሎም፡ ኣብ ኵሉ ስፍራ ኪጽልዩ፡ እደሊ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 134:2 | 8 Helpful votes

ኣእዳውኩም ናብ መቕደሱ ኣልዕሉ፣ ንእግዚኣብሄር ከኣ ባርኽዎ።

Translation | Context
ድጒዓ 3:41 | 8 Helpful votes

ልብና ምስናይ ኣእዳውና ናብ እግዚኣብሄር ኣብ ሰማይ ነልዕል።

Translation | Context
መዝሙር 141:2 | 7 Helpful votes

ጸሎተይ ኣብ ቅድሜኻ ኸም ዕጣን፣ ምልዓል ኢደይ ከም መስዋእቲ ምሸት ይኹን።

Translation | Context
ነህምያ 8:6 | 4 Helpful votes

እዝራ ድማ ንእግዚኣብሄር፡ ነቲ ዓብዩ ኣምላኽ ባረኾ። ኲሎም ህዝቢ ኸኣ ኣእዳዎም ኣልዒሎም፡ ኣሜን፡ ኣሜን፡ ኢሎም መለሱ። ተጎንቢሶም ድማ ብገጾም ኣብ ምድሪ ተደፊኦም ንእግዚኣብሄር ሰገዱሉ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 8:54 | 4 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ሰሎሞን ነዚ ናብ እግዚኣብሄር ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ምህልላን እዚ ምስ ወድኤ፡ ካብ ቅድሚ እቲ ብብርኩ ተንበርኪኹ ኣእዳዉ ንሰማይ ዘርጊሑሉ ዝነበረ መሰውኢ እግዚኣብሄር ተንስኤ።

Translation | Context
መዝሙር 28:2 | 3 Helpful votes

ነእዳወይ ናብ ቅድስተ ቕዱሳን ኣልዒለ፣ ናባኻ ኽምህለል ከሎኹ፣ ንድምጺ ጸሎተይ ስምዓዮ።

Translation | Context
መዝሙር 143:6 | 3 Helpful votes

ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ፣ ነፍሰይ ከም ደረቕ ምድሪ ትጸምኣካ አላ። [ሴላ።]

Translation | Context
1ይ ነገስት 8:22 | 3 Helpful votes

ሰሎሞን ከኣ ኣብ ቅድሚ መሰውኢ እግዚኣብሄር ቈይሙ፡ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ማሕበር እስራኤል ኣእዳዉ ናብ ሰማይ ዘርግሔ።

Translation | Context
ዘጸአት 9:33 | 3 Helpful votes

ሙሴ ድማ ካብ ፈርኦንን ካብ እታ ኸተማን ወጸ፡ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ እግዚኣብሄር ዘርግሔ፡ ነጕድን በረድን ድማ ሐደገ፡ ዝናምውን ናብ ምድሪ ኣይዘነመን።

Translation | Context
እዮብ 11:13 | 3 Helpful votes

ልብኻ እንተ ኣዳሎኻ፡ ኣእዳውካውን ናብኡ እንተ ዘርጋሕካ፡

Translation | Context
ሉቃስ 24:50 | 3 Helpful votes

ንወጻኢ ድማ ክሳዕ ቢታንያ ወሰዶም፡ ኢዱ ኣልዒሉውን ባረኾም።

Translation | Context
ዘጸአት 9:29 | 2 Helpful votes

ሙሴ ኸኣ፡ ካብ ከተማ ምስ ወጻእኩ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ክዝርግሕ እየ። ምድሪ ናይ እግዚኣብሄር ምዃና ምእንቲ ኽትፈልጥ፡ ነጕዲ ይሐድግ፡ ደጊም ከኣ በረድ ኣይከውንን።

Translation | Context
እዝራ 9:5 | 2 Helpful votes

ብጊዜ መስዋእቲ ምሸት ከአ ምስ ቅዱድ ክዳነይ ባርኖሰይን ካብ ሐዘነየይ ተንሳእኩ። ብብርከይ ተንበርኪኸ ድማ፡ ኣእዳወይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ዘርጋሕኩ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 8:38 | 2 Helpful votes

ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤልን ነፍሲ ወከፍ ቊስሊ ልቢ እተፈለጦ፡ ዚጽልዩ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳዉ ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዚዝርግሕ፡

Translation | Context
መዝሙር 88:9 | 2 Helpful votes

ኣዒንተይ ብስቓይ ይስልምታ ኣለዋ፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ኵሉ መዓልቲ ናባኻ ኤእዊ። ኣእዳወይ ናባኻ እዝርግሕ አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 6:29-30 | 2 Helpful votes

ዝዀነ ሰብ ወይ ኲሉ ህዝብኻ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍ ቊስሉን ቃንዛኡን እተፈለጦ፡ ዚጽልዮ ዂሉ ጸሎትን ኲሉ ምህልላን ኣእዳው ድማ ናብዛ ቤት እዚኣ ኣቢሉ ምስ ዘርግሔ፡ ሽዑ ንስኻ ኻብ ሰማይ፡ ካብታ እትነብረላ ስፍራ ስማዕ፡ ይቕረ ኸኣ በል፡ ንልቢ ደቂ ሰብ እትፈልጦ ንስኻ በይንኻ ኢኻ እሞ፡ ኣብዛ ነቦታትና ዝሀብካዮም ምድሪ ዚነብሩለን ኲለን መዓልትታት ምእንቲ ኺፈርሁኻ እሞ ብመገድታትካ ኪኸዱስ፡ ንነፍሲ ወከፍ ልቡ እትፈልጥ፡ ከከም መገዱ ሀቦ።

Translation | Context
መዝሙር 119:48 | 2 Helpful votes

ኣእዳወይ ድማ ናብቲ ዘፍቅሮ ትእዛዛትካ ኸልዕል፣ ስርዓታትካ ኸኣ ከስተንትን እየ።

Translation | Context
ዘጸአት 17:11 | 2 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ ሙሴ ኢዱ ምስ ዜልዕል፡ እስራኤል ይስዕር ነበረ፡ ኢዱ ምስ ዜውርድ ድማ፡ ኣማሌቅ ይስዕር ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 68:31 | 2 Helpful votes

መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።

Translation | Context
ኣንባቆም 3:10 | 2 Helpful votes

እቶም ኣኽራን ረኣዩኻ እሞ ኣንቀጥቀጡ፣ ሞገድ ማያት ሐለፈ፣ መዓሙቝ ድምጺ ኣስምዔ፣ ኣእዳዉ ኸኣ ናብ ላዕሊ ኣልዐለ።

Translation | Context
ድጒዓ 2:19 | 2 Helpful votes

ኣብ መመጀመርታ ሕልዋ ተንስኢ፡ ብለይቲ ጨድሪ፡ ኣብ ቅድሚ ገጽ እግዚኣብሄር ልብኺ ኸም ማይ ከዐዊ። ስለ ነፍሳት እቶም ኣብ መኣዝን ኲሉ መገዲ ጠምዮም ዜሕለልዉ ሕጻናትኪ ኣእዳውኪ ናብኡ ኣልዕሊ።

Translation | Context