Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

life


ዮሃንስ 14:6 | 11 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 8 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 16:25 | 7 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ ንህይወቱ ኼድሕና ዚደሊ ኼጥፍኣ እዩ። እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ኸኣ ኪረኽባ እዩ እሞ፡ ኪስዕበኒ ዚፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዐበኒ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 6 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 6 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:7 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:35 | 5 Helpful votes

የሱስ በሎም፥ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 5 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:3-4 | 4 Helpful votes

መዊትኩም ኢኹም፡ እታ ህይወትኩም ድማ ምስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ተሰዊራ አላ እሞ፡ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ሕሰቡ፡ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣይኰነን። ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:17-19 | 4 Helpful votes

ነቶም ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዘለዉ ሃብታማት ከይዕበዩ፡ በቲ ኽንሕጐስ ኢሉ ዅሉ ብልግሲ ዚሃበና ኣምላኽ እምበር፡ በዚ ሓላፊ ሃብቲ ኸይእመኑ አዝዞም። ገበርቲ ሰናይ ኪዀኑ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺህብትሙ፡ ለጋሳትን መማቐልትን ኪዀኑ፡ ናይ ሓቂ ህይወት ምእንቲ ኺረኽቡስ፡ ነቲ ዚመጽእ ዘሎ ጊዜ ጽቡቕ መሰረት ንርእሶም ኪእክቡ አዝዞም።

Translation | Context
ሮሜ 10:13 | 3 Helpful votes

ማለት፡ ነፍሲ ወከፍ ስም እግዚኣብሄር ዚጽውዕ ዘበለ ኺድሕን እዩ፡ ንሱስ ሓደ ጐይታ እዩ፡ ነቶም ዚጽውዕዎ ዂሎምውን ሃብታም እዩ እሞ፡ ኣብ መንጎ ኣይሁዳውን ጽርኣውን ሌላን ጒሌላን የልቦን።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:3 | 3 Helpful votes

እቲ ብፍልጠት ክብሩን ደግነቱን ዝጸውዓና ኣምላኻዊ ሓይሉ ንህይወትን ንፍርሃት እግዚኣብሄርን ዚኸውን ኵሉ ኻብ ዚህበና፡

Translation | Context
ቈሎሴ 3:4 | 2 Helpful votes

ክርስቶስ ህይወትና ምስ ዚግለጽ፡ ሽዑ ንስኻትኩምውን ምስኡ ብኽብሪ ኽትግለጹ ኢኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 3:1-2 | 2 Helpful votes

ወደየ፡ ምንዋሕ መዓልትታትን ዓመታት ህይወትን ሰላምን ኪውሰኸልካ እዩ እሞ፡ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፡ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሐልወን።

Translation | Context
ምሳሌ 13:22 | 2 Helpful votes

ደጊ ሰብ ንደቂ ደቁ የውርሶም፡ ሃብቲ ሓጥእ ግና ንጻድቕ ይዕቈረሉ።

Translation | Context
መክብብ 7:1-29 | 2 Helpful votes

ካብ ጽቡቕ ሽታ ጽቡቕ ስም ይሐይሽ፡ ካብ መዓልቲ ምላድ መዓልቲ ሞት ይበልጽ። ናብ ቤት መስተ ኻብ ምኻድ ናብ ቤት ሓዘን ምኻድ ይሐይሽ፡ እዚ መወዳእታ ዅሉ ሰብ እዩ እሞ፡ እቲ ብህይወቱ ዘሎ ኣብ ልቡ የንብሮ። ገጽ እንተ ሐዘነ፡ ልቢ ይበርህ እዩ እሞ፡ ካብ ሰሓቕስ ሓዘን ይሐይሽ። ልቢ ጥበበኛታት ኣብ ቤት ሓዘን፡ ልቢ ዓያሱ ግና ኣብ ቤት ሓጐስ እዩ። ካብ ደርፊ ዓያሱ ምስማዕስ መግናሕቲ ጥበበኛታት ምስማዕ ይሐይሽ። ሰሓቕ ዓሻስ ከምቲ ኣብ ትሕቲ ቑራዕ ጣዕጣዕ ዚብል እሾኽ እዩ እሞ፡ እዚውን ከንቱነት እዩ። ግፍዒ ንጥበበኛ የዐሽዎ፡ መማለጃ ኸኣ ንልቢ የጥፍኦ። ካብ መጀመርታ ነገር መወዳእትኡ ይሐይሽ፡ ካብ ዕቡይ መንፈስ ዓቃል መንፈስ ይሐይሽ። ኩራ ኣብ ውሽጢ ዓያሱ እዩ መሕደሪኡ እሞ፡ ብመንፈስካ ንኹራ ኣይትተሀወኽ። ካብ እዚኣተንሲ እተን ናይ ቀደም መዓልትታት ዚሔሸ ስለምንታይ እዩ፡ ኣይትበል፡ እዝስ ብጥበብ ኣይኮንካን እትሐቶ ዘሎኻ። ጽላል ጥበብ ከም ጽላል ገንዘብ እዩ፡ ግናኸ ምብላጽ ፍልጠትሲ እታ ጥበብ ንመጥረዩኣ ብህይወት ምንባር እዩ እሞ፡ ጥበብ ከም ርስቲ ጽብቕቲ እያ፡ ኤረ ነቶም ጸሓይ ዚርእዩስ ኣዝያ ትጠቕሞም እያ። ንግብሪ ኣምላኽ ጠምቶ፡ ነቲ ንሱ ዘጐበጦ መንከ የቕንዖ፡ በመዓልቲ ጣዕሚ ባህ ይበልካ፡ ብመዓልቲ መከራ ድማ ሕሰብ፡ ሰብ ነቲ ድሕሪኡ ዚኸውን ምእንቲ ኸይፈልጥ፡ ኣምላኽ ነዝን ነተን ገበሮ። ጻድቕ ብጽድቁ ዚጠፍእ አሎ፡ ረሲእ ድማ ብግብሪ እከዩ መዕልትታቱ ዜንውሕ አሎ። ነዚ ዅሉ ብመዓልትታት ከንቱነተይ ርኤኽዎ። እምብዛ ጻድቕ ኣይትኹን፡ ንርእስኻውን እምብዛ ጥበበኛ ኣይትግበር፡ ስለምንታይ ንርእስኻ እተጥፍእ፡ እምብዛ ረሲእ ኣይትኹን፡ ዓሻውን ኣይትኹን፡ ስለምንታይ ቅድሚ ጊዜኻ እትመውት፡ ንኣምላኽ ዚፈርህሲ ኻብዚ ዅሉ የምልጥ እዩ እሞ፡ ነዚ እንተ ሐዝካ ካብዚውን ኢድካ እንተ ዘየርሓቕካ ሰናይ እዩ። ካብ ኣብ ከተማ ዘለዉ ዓሰርተ ስልጡናትሲ ጥበብ ንጥበበኛ ተበርትዖ። ብርግጽ ሰናይ ዚገብር እሞ ዘይሐጥእ ጻድቕ ኣብ ምድሪ የልቦን። ንስኻውን ብዙሕ ጊዜ ንኻልኦት ከም ዝረገምካ፡ ልብኻ ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ባርያኻ ኺረግመካ ኸሎ ኸይትሰምዕሲ፡ ንዚዛረብ ዘበለ ዅሉ ቓላት ኣይተቕልበሉ። ነዚ ዅሉ ጥበብ ተዓዘብክዎ፡ ኣነ ጥበበኛ ክኸውን እየ፡ በልኩ፡ ንሳ ግና ካባይ ረሐቐት። እታ ርሕቕትን ኣዝያ ዓማቑንከ መን ኪበጽሐ ይኽእል፡ ኣነ ጥበብን ምኽንያት ነገርን ክፈልጥ፡ ክምርምር ክደሊውን፡ ረሲእነትሲ ዕሽነት፡ ዕብዳን ከአ ጽላለ ምዃኑ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ምልስ ኢለ ብልበይ ኣድሀብኩ። ካብ ሞት ዚመርርውን ረኸብኩ፡ እዚኣ መርበብ እትመስል፡ ልባ ኸኣ መፈንጠራ፡ ኣእዳዋ ድማ መቑሕ ዝዀነት ሰበይቲ እያ። ንኣምላኽ ባህ ዜብሉ ኻብኣ ይመሉቑ፡ ሓጥእ ግና ብእአ ይተሐዝ። እቲ ሰባኺ ድማ፡ ናብ ምስትውዓል ክበጽሕስ በብሓደ እናሐዝኩ፡ እንሆ እዚ ረኸብኩ፡ ይብል። ነፍሰይ ግና እትደልዮ እሞ ዘይረኸበቶ አሎ፡ ካብ ሽሕሲ ሓደ ሰብኣይ ረኺበ፡ ኣብ ማእከል ኩላቶም ግና ሓንቲ ሰበይቲ ኣይረኸብኩን። እንሆ፡ ኣምላኽ ንሰብ ቅኑዕ ገይሩ ኸም ዝፈጠሮ ግዳ ረኸብኩ፡ ንሳቶም ግና ብዙሕ ብልሓት ደለዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 22:16 | 2 Helpful votes

ሕጂኸ ንምንታይ እትድንጒ፡ ተንሲእካ ተጠመቕ፡ ስም ጐይታ ጸዊዕካ ኻብ ሓጢኣትካ ተሐጸብ፡ በለኒ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:38 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ከኣ፡ እቲ ተስፋ ንኣኻትኩምን ንደቅኹምን ነቶም ኣብ ርሑቕ ዘለዉ ዂሎም፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ዚጽውዖም ዘበሉን እዩ እተዋህበ እሞ፡ ተነስሑ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ ብስም የሱስ ክርስቶስ ንሕድገት ሓጢኣት ይጠመቕ፡ ህያብ መንፈስ ቅዱስውን ክትቅበሉ ኢኹም በሎም።

Translation | Context