Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

7 bible verses about

lieing


ምሳሌ 12:17 | 18 Helpful votes

ሓቂ ዚዛረብ ቅንዕና የውሪ፡ ሓሳዊ ምስክር ግና ጥበራ።

Translation | Context
ምሳሌ 16:13 | 15 Helpful votes

ጻድቃን ከናፍር ንነገስታት የሐጕሳኦም፡ ነቲ ቅንዕና ዚዛረብውን የፍቅርዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:37 | 5 Helpful votes

ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-11 | 5 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 1:8-11 | 4 Helpful votes

ግናኸ ነቲ ሕጊ ብመገዲ ሕጊ እንተ ገበርዎስ፡ ሰናይ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ሕጊ ንመፍረስቲ ሕጊ እምበር፡ ንጻድቕ ከም ዘይተሰርዔ፡ ካብ ፈለጥናስ፡ ንዘይእዙዛትን ኣምላኽ ንዘይፈርሁን ንሓጥኣንን ንርኹሳትን ንቐለልትን ንቐተልቲ ኣቦኦምን ንቐተልቲ ኣዲኦምን፡ ንቐተልቲ ነፍሲ፡ ነመናዝር፡ ግብሪ ሰዶም ንዚገብሩ፡ ንሸየጥቲ ሰብ፡ ንሓሰውቲ፡ ብሓሶት ንዚምሕሉ፡ ሓደ ኻልእውን ምስቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዚጻረር እንተሎ፡ ንኣታቶም እዩ። እዚውን ከምቲ ንኣይ ሕድሪ እተዋህበ ወንጌል ናይቲ ብሩኽ ኣምላኽ ክብሪ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5 | 4 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ።

Translation | Context
ያእቆብ 3:5-6 | 3 Helpful votes

ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ አላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ።

Translation | Context