Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

leviathan


ኢሳይያስ 27:1 | 14 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር በቲ ተሪርን ዓብይን ሓያልን ሰይፉ ገይሩ፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ቕልጡፍ ተመን፡ ንሌዋታን፡ ነቲ ዚለዋወ ተመን፡ ኪቐጽዖ፡ ነቲ ኣብ ባሕሪ ዘሎ ገበል ከኣ ኪቐትሎ እዩ።

Translation | Context
እዮብ 41:1-34 | 12 Helpful votes

እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡ ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ። ንእኡ ኪቕስቅሶ ዚደፍር የልቦን። ኣብ ቅድመይ ዚቐውም ደኣ መን እዩ፧ እቲ ቕድም ገለ ዝሀበኒ፡ ኣነውን ዝመልሰሉ፡ መን እዩ፧ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ዘሎ ዂሉ ናተይ እዩ። ኣነ ብናይ ኣካላቱ፡ ብናይ ብርቱዕ ሓይሉ፡ ብናይ ምጽባቕ ኣገባብራኡ ስቕ ኣይክብልን እየ። ንጌጽ ክዳኑ ዚቐልዖ መን እዩ፧ ናብ መንጎ ኽልቲኤን ምንጋጋኡ መን ይኣቱ፧ ንመዓጹ ገጹ ዚኸፍት መን እዩ፧ ኣብ ዙርያ ኣስናኑ ፍርሃት አሎ። እቶም ብርቱዓት ዋልታታቱ ትዕቢቱ እዮም፡ ከም ብጸቢብ ማሕተም እተጋጠሙ እዮም፡ ንሓድሕዱ ተላጊቡ እዩ፡ ብመንጎኡ ንፋስ ኣይኣቱን። እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ግጡም እዩ፡ ንሓድሕዶም ይተሓሐዙ ኣይፋላለዩንውን እዮም። እንጥሾኡ ብርሃን የንጸባርቕ፡ ኣዒንቱ ኸም ናይ ወጋሕታ ቕርኒብ ዓይኒ እዩ። ካብ ኣፋ ፋና ይወጽእ፡ ካብኡ ኸኣ ቊልዒ ሓዊ ይነጥር። ከም ካብ ዚገርር ድስትን ቊራዕን ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ይወጽእ። ብእስትንፋሱ ንሕመት የንድዶ፡ ካብ ኣፉ ኸኣ ሃልሃልታ ይወጽእ። ኣብ ክሳዱ ሓይሊ ይሐድር፡ ኣብ ቅድሚኡ ፍርሃት ይሰራሰር። ክፍልታት ስጋኡ ግጡም እዩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ጽኑዕ፡ ከቶ ዝይነቓነቕ እዩ። ልቡ ኸም እምኒ ተሪር እዩ፡ ከም እምኒ መጥሓን ከኣ ጽኑዕ እዩ። ንሱ እንተ ተንስኤ፡ ጀጋኑ ይሽበሩ፡ ብሰሪ ፍርሃትሲ ልቦም ይጠፍኦም። ሰይፊ እንተ ወቕዖ፡ ኲናት ወይ ጩረ፡ ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ። ንሱ ንሓጺን ከም ሓሰር፡ ነስራዚውን ከም በዂባዂ ዕጨይቲ ይቘጽሮ። ፍላጻ ኣየህድሞን፡ እምኒ ወንጭፍን ከም ብርዒ ይዀኖ። ንጐመድ ከም ብርዒ እዩ ዚቘጽሮ፡ ንምውርዋር ኲናት ከኣ ይስሕቆ። ኣብ ትሕቲ ኸብዱ በሊሕ ስሕለት አለዎ፡ ኣብ ጭቃ ኸኣ ኣሰር በላሕቲ ጫፍ ይሐድግ። ንሱ ንመዓሙቚ ከም ድስቲ የፍልሖ፡ ንባሕሪ ድማ ከም ቊራዕ ቅዲት ይገብሮ። ደድሕሪኡ እቲ መገዲ ይበርህ፡ እቲ መዓሙቚውን ሽበት ይመስል። ንሱ ዘይፈርህ ኰይኑ ተፈጥረ እሞ፡ ኣብ ምድሪ ማዕሬኡ ዚኸውን ከቶ ኣይርከብን። ንልዕል ዝበለ ዂሉ ንዒቑ ይጥምቶ። ንብዘለዉ ደቂ ትዕቢት ከኣ ንጉሶም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 74:14 | 9 Helpful votes

ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም።

Translation | Context
መዝሙር 104:26 | 7 Helpful votes

ኣብኣ መራኽብ ይኸዳ፡ እቲ ዝፈጠርካዮ ሌዋታን ኣብኣ ይጻወት።

Translation | Context
እዮብ 3:8 | 6 Helpful votes

እቶም ንመዓልቲ ዚረግሙ ንሌዋታን ድማ ኬንቀሳቕሱ ዚኽእሉ ይርገምዋ።

Translation | Context
እዮብ 41:1 | 5 Helpful votes

እንሆ፡ ተስፋኡ ኸንቱ እዩ፡ ዝረኣዮ ዂሉ ኣብ ቅድሚኡ ይወድቕ።

Translation | Context
መዝሙር 18:8 | 4 Helpful votes

ካብ ኣፍንጫኡ ትኪ ፈለል በለ፣ ካብ ኣፉ ኸኣ ሞዅ ዜብል ሓዊ ወጸ፣ ጓህሪ ኻብኡ መጸ።

Translation | Context
መዝሙር 74:13-14 | 3 Helpful votes

ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ። ኣርእስቲ ሌዋታን ቀጥቂጥካ፣ ነቶም ኣብ በረኻ ዚነብሩ፣ ምግቢ ኪዀኖም፣ ሀብካዮም።

Translation | Context
እዮብ 41:18 | 3 Helpful votes

ሰይፊ እንተ ወቕዖ፡ ኲናት ወይ ጩረ፡ ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
41:32 | 3 Helpful votes

ሰይፊ እንተ ወቕዖ፡ ኲናት ወይ ጩረ፡ ወይ መውግእ ኣንበሪ ዓሳ ከቶ ኣይጠቅምን እዩ።

Translation | Context
ራእይ 12:1-17 | 3 Helpful votes

ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት። ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት። ካልእ ትእምርቲ ኸኣ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ እንሆ፡ ሾብዓተ ርእስን ዓሰርተ ቐርንን፡ ኣብቲ ኣራእሱውን ሾብዓተ ዘውዲ ዘለዎ ዓብዪ ቐይሕ ገበል፡ እቲ ጭራኡ ድማ ሲሶ ኸዋኽብቲ ሰማይ ሰሐበ፡ ናብ ምድሪውን ደርበዮም። እቲ ገበል ድማ፡ ምስ ወለደትሲ ነቲ ውሉዳ ምእንቲ ኺውሕጦ ኢሉ፡ ኣብ ቅድሚ እታ ኽትወልድ ዝቐረበት ሰበይቲ ደው በለ። ንሳ ንዅሎም ኣህዛብ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም ዘለዎ ወዲ፡ ተባዕታይ፡ ወለደት። እቲ ውሉዳ ኸኣ ናብ ኣምላኽን ናብ ዝፋኑን ተመንጠለ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ሽሕን ክልተ ሚእትን ስሳን መዓልቲ ኺምግብዋ፡ ናብቲ ኣምላኽ ዘዳለወላ ቦታ ናብ በረኻ ሀደመት። ኣብ ሰማይ ከኣ ውግእ ኰነ፡ ሚኪኤልን መላእኽቱን ምስቲ ገበል ተዋግኡ። እቲ ገበልን መላእኽቱን ድማ ተዋግእዎም። ኣይሰዐርዎምን ከኣ፡ ድሕርዚ ስፍራኦም ኣብ ሰማይ ኣይተረኽበን። እቲ ንብዘላ ዓለም ዜስሕታ ዘሎ ድያብሎስን ሰይጣንን ዚብሀሉ ዓብዪ ገበል፡ እቲ ናይ ጥንቲ ተመን ተደርበየ፡ ናብ ምድሪ ተደርበየ፡ መላእኽቱውን ምስኡ ተደርበዩ። ኣብ ሰማይ ከኣ ዓው ብዝበለ ድምጺ፡ እቲ ለይትን መዓልትን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽናን ዚኸሶም ዝነበረ ኸሳስ ኣሕዋትና ተደርብዩ እዩ እሞ፡ ሕጂ ምድሓንን ስልጣንን መንግስትን ናይ ኣምላኽና ዀይኑ፡ ምልኪ ኸኣ ናይቲ ቕቡኡ እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን። ስለዚ፡ ኣቱም ሰማያት፡ ኣባታቶም እትነብሩውን፡ ተሐጐሱ። ኣቱም ምድርን ባሕርን ግና፡ ድያብሎስ ቅሩብ ዘመን ከም ዘለዎ ፈሊጡ፡ ብብርቱዕ ቍጥዓ ወሪዱኩም አሎ እሞ፡ ወይለኹም። እቲ ገበል ከኣ ናብ ምድሪ ኸም እተደርበየ፡ ምስ ረአየ፡ ነታ ተባዕታይ ሕጻን ዝወለደት ሰበይቲ ሰጐጓ። ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ ካብ ገጽ እቲ ተመን ርሒቓስ ዘመንን ዘመናትን ፈረቓ ዘመንን ክትምገብ፡ ናብ በረኻ ናብቲ ስፍራኣ ምእንቲ ኽትነፍር፡ ክልተ ኽንፊ ናይቲ ዓብዪ ንስሪ ተዋህባ። እቲ ተመን ድማ፡ ውሒዝ ምእንቲ ኺወስዳስ፡ ነታ ሰበይቲ ደድሕሪኣ ኸም ውሒዝ ዝዀነ ማይ ካብ ኣፉ ኣውጽኤ። ምድሪ ኸኣ ነታ ሰበይቲ ረድኣታ፡ እታ ምድሪ ኣፋ ኸፊታ፡ ነቲ እቲ ገበል ካብ ኣፉ ዘውጽኦ ውሒዝ ወሐጠቶ። እቲ ገበል ከኣ ነታ ሰበይቲ ተቘጥዓ እሞ ምስቶም ንትእዛዝ ኣምላኽ ዚሕልዉን ምስክር የሱስ ሒዞም ዘለውን ዝተረፉ ዘርኣ ኺዋጋእ ከደ።

Translation | Context
መዝሙር 74:13 | 3 Helpful votes

ንስኻ ንባሕሪ ብሓይልኻ መቐልካዮ፣ ኣራእስ ገበላት ኣብ ማያት ጨፍለቕካ።

Translation | Context
እዮብ 40:15-24 | 2 Helpful votes

ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡ ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ፡ እንሆ ድማ፡ ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ፡ ምብርታዑ ኣብ ጭዋዳ ኸብዱ እዩ ዘሎ። ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይዝርግሖ፡ ጅማውቲ ሰለፉ ጽኑዕ ትትዖ እዩ፡ ኣዕጽምቱ ኸም ሻምብቆ ኣስራዚ እዩ፡ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ። ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡ ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሀቦ። ኣኽራን ሳዕሪ የብቊለሉ እዩ እሞ፡ ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡ ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦ። ውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልኤውን፡ ህዱእ እዩ። እናረአየዶ ይተሐዝ እዩ፧ ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዜእትወሉኸ መን እዩ፧

Translation | Context
41:31 | 2 Helpful votes

ነቲ ምሳኻ ዝገበርክዎ ብህሞት እሞ ርኣዮ፡ ንሱ ኸም ብዕራይስ ሳዕሪ ይበልዕ፡ እንሆ ድማ፡ ሓይሉ ኣብ ሕቜኡ፡ ምብርታዑ ኣብ ጭዋዳ ኸብዱ እዩ ዘሎ። ንጭራኡ ኸም ኦም ሊባኖስ ይዝርግሖ፡ ጅማውቲ ሰለፉ ጽኑዕ ትትዖ እዩ፡ ኣዕጽምቱ ኸም ሻምብቆ ኣስራዚ እዩ፡ ኣካላቱ ኸም በትሪ ሓጺን እዩ። ንሱ ንኣምላኽ ኣውራ ፍጥረቱ እዩ፡ ፈጣሪኡ ኸኣ ሴፉ ሀቦ። ኣኽራን ሳዕሪ የብቊለሉ እዩ እሞ፡ ኲለን እንስሳ መሮርውን ኣብኡ ይጻወታ። ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣእዋም፡ ኣብ ሰንሰላን ጨፈቃን ተሐቢኡ ለጥ ይብል፡ ኣእዋም የጽልሎ፡ ናይ ወሓዚ ዕቦላት ይኸቦ። ውሒዝ ብሓይሉ እንተ ተጀርበባ እኳ፡ ኣይሽበርን እዩ፡ ዮርዳኖስ ክሳዕ ኣፋ እንተ መልኤውን፡ ህዱእ እዩ። እናረአየዶ ይተሐዝ እዩ፧ ንኣፍንጫኡ ኣንኲሉ ሰነቀ ዜእትወሉኸ መን እዩ፧

Translation | Context
ራእይ 13:1 | 2 Helpful votes

ዓሰርተ ቐርን ሾብዓተ ርእስን፡ ኣብቲ ኣቕርንቱ ኸኣ ዓሰርተ ዘውዲ፡ ኣብቶም ኣራእሱውን ስማት ጸርፊ ዘለዎ ኣራዊት ካብ ባሕሪ ኺወጽእ ከሎ ርኤኹ።

Translation | Context
ራእይ 20:2 | 2 Helpful votes

ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።

Translation | Context
41:30 | 2 Helpful votes

ንሱውን ነቲ ገበል፡ ነቲ ናይ ጥንቲ ተመን፡ ሐዞ፡ እዚ እቲ ድያብሎስን ሰይጣንን እዩ፡ ሽሕ ዓመትውን ኣሰሮ።

Translation | Context