Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

legacy


መዝሙር 78:4 | 20 Helpful votes

ካብ ውሉዶም ኣይንሐብኦን፣ ነቲ ዚመጽእ ወለዶስ ምስጋና እግዚኣብሄርን ስልጣኑን እቲ ዝገበሮ ተአምራቱን ደኣ ንነግሮ።

Translation | Context
ዘዳግም 6:5-7 | 11 Helpful votes

ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:6-8 | 8 Helpful votes

ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:20-21 | 8 Helpful votes

መዝገብካ ኣብ ዘለዎ፡ ኣብኡ ድማ ልብኻ አሎ። ስለዚ ብልዒ ኣብ ዘይበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዘየንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዘይሰርቅዎ ኣብ ሰማይ ደኣ መዝገብ ግበሩ እምበር፡ ብልዒ ኣብ ዚበልዖ፡ ነቐዝ ኣብ ዜንቅዞ፡ ሰረቕቲ ዅዒቶም ኣብ ዚሰርቅዎ ኣብ ምድሪ ንኣኻትኩም መዝገብ ኣይትግበሩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:2 | 6 Helpful votes

እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:1-22 | 5 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ። ንስኻ ግና ብኵሉ ተጠንቀቕ፡ መከራ ጽገብ፡ ግብሪ ወንጌላዊ ግበር፡ ኣገልግሎትካ መልእ። ኣነስ ካብ ሕጂ እስዋእ አሎኹ፡ እታ መዓልቲ ምስንባተይውን በጺሓ እያ እሞ፡ ሰናይ ገድሊ ተጋዲለ፡ እቲ ጕያ ወዲኤ፡ ነታ እምነት ሐልየ። ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን። ቀልጢፍካ ናባይ ክትመጽእ ፍጠን። ዴማስ፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ፈትይዋ እዩ እሞ፡ ሐደገኒ ናብ ተሰሎንቄውን ከደ። ክሬስኬስ ናብ ገላትያ፡ ቲቶስ ናብ ደልማይታ ኸዱ። ሉቃስ ጥራይ ምሳይ አሎ፡ ማርቆስ ንዕዮ ይጠቕመኒ እዩ እሞ፡ ተማልኣዮ፡ ምሳኻ ይምጻእ። ንጥኪቆስ ግና ናብ ኤፌሶን ሰዲደዮ አሎኹ። ክትመጽእ ከሎኻ፡ እቲ ኣብ ጥሮኣስ ምስ ቃርጶስ ዝሐደግክዎ ባርኖስን እቲ መጻሕፍትን፡ ምናዳ እቲ ብራናታት፡ ተማልኣለይ። እስክንድሮስ፡ እቲ ኣንጠረኛ፡ ብዙሕ ክፉእ ገይሩኒ። እግዚኣብሄር ከምታ ግብሩ ኺፈድዮ እዩ። ንሱ፡ ነቲ ቓልና ብዙሕ ይጻረሮ እዩ እሞ፡ ንስኻ ድማ ካብኡ ተሐሎ። ኣብቲ ቐዳማይ ምጕተይ፡ ኣይሐዘሎም፡ ኵላቶም ጠለሙኒ እምበር፡ ሓደ እኳ ምሳይ ኣይነበረን። እቲ ስብከት ብኣይ ምእንቲ ኺምላእ፡ ኵሎም ኣህዛብውን ምእንቲ ኺሰምዑ ግና፡ ጐይታ ቘመለይ፡ ኣበርትዓኒ፡ ካብ ኣፍ ኣንበሳውን ኣናገፈኒ። እግዚኣብሄር ካብ እኩይ ግብሪ ዘበለ ኼናግፈኒ፡ ናብታ ሰማያዊት መንግስቱ ኽኣቱውን ኬድሕነኒ እዩ። ንእኡ ኻብ ዘለኣለም ንዘለኣለም ክብሪ ይኹኖ። ኣሜን። ንጵርስኪላን ንኣኪላስን ንቤት ኦኔሲፎሮስን ሰላም በለለይ። ኤራስጦስ ኣብ ቈረንቶስ ተሪፉ፡ ንጥሮፊሞስ ግና ሐሚሙ ኣብ መሊጦስ ሐዲገዮ አሎኹ። ቅድሚ ኽረምቲ ንምምጻእ ፍጠን። ኤውቡሎስን ጱደንስን ሊኖስን ቅላውድያን ኵላቶም ኣሕዋትን ሰላም ይብሉኻ አለዉ። ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምስ መንፈስካ ይኹን። ጸጋ ምሳካትኩም ይኹን። ኣሜን።

Translation | Context
መዝሙር 103:17 | 4 Helpful votes

ምሕረት እግዚኣብሄር ግና አብቶም ዚፈርህዎ ኻብ ዘለአለም ንዘለአለም ትነብር።

Translation | Context
እያሱ 4:21-22 | 4 Helpful votes

ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ደቅኹም ጽባሕ፡ እዚ ኣእማን እዚ እንታይ እዩ፧ ኢሎም ነቦታቶም እንተ ጠየቑ፡ እስራኤል ነዚ ዮርዳኖስ እዚ ብንቑጽ ተሳገሮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም፡ ከምቲ ንባሕሪ ኤርትራ ዝገበሮ፡ ክሳዕ እንሳገር ዘንቀጾ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ክሳዕ እትሳገሩ ንማይ ዮርዳኖስ ኣብ ቅድሜኹም ኣንቀጾ። ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኢድ እግዚኣብሄር ሓያል ምዃና ምእንቲ ኺፈልጡ፡ ንስኻትኩምውን ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ወርትግ ምእንቲ ክትፈርህዎ እዩ፡ ኢልኩም ንደቅኹም ኣፍልጥዎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 17:20-25 | 4 Helpful votes

ስለቶም ብቓሎም ብኣይ ዚአምኑ ድማ እምበር፡ ስለ እዚኣቶም ጥራይ ኣይኰንኩን ዝልምን ዘሎኹ። ዓለም፡ ንስካ ኸም ዝለኣኽካኒ፡ ምእንቲ ኽትኣምንሲ፡ ዎ ኣቦይ፡ ከምቲ ንስካ ኣባይ ዘሎኻ ኣነውን ኣባኻ፡ ከምኡ ድማ ንሳቶም ኣባና ሓደ ኪዀኑ፡ ኵላቶም ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ እልምን አሎኹ። ብኣንድነት ፍጹማት ኪዀኑ፡ ዓለም ድማ ከምቲ ንኣይ ዝለኣኽካንን ዘፍቀርካንን፡ ከምኡ ንኣታቶምውን ከም ዘፍቀርካዮም ምእንቲ ኽትፈልጥሲ፡ ንሕና ሓደ ኸም ዝዀንና፦ ኣነ ኣባታቶም ንስኻውን ኣባይ፦ ሓደ ምእንቲ ኪዀኑ፡ ኣነ እቲ ዝሀብካኒ ኽብሪ ሀብክዎም። ዎ ኣቦይ፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ኣፍቂርካኒ ኢኻ እሞ፡ እዞም ዝሀብካኒ ነቲ ዝሀብካኒ ኽብረይ ምእንቲ ኺርእዩስ፡ ኣብቲ ኣነ ዘሎኽዎ ንሳቶምውን ኣብኡ ምሳይ ኪህልዉ እደሊ አሎኹ። ጻድቕ ኣቦይ፡ ዓለም ኣይፈለጠትካን፡ ኣነ ግና ፈሊጠካ አሎኹ። እዚኣቶምውን ንስኻ ኸም ዝለኣክካኒ ፈሊጦም አለዉ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:12-15 | 4 Helpful votes

ስለዚ ምንም እኳ እንተ ፈለጥኩምዎ፡ ኣብቲ ዘሎኩም ሓቂውን እንተ ጸናዕኩም፡ ነዚ ነገርዚ ኵሉ ጊዜ ኸዘክረኩም ሓሳበይ እዩ። ከምቲ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ዝገለጸለይ ከኣ፡ እቲ ምቕንጣጥ ድንኳነይ ቀልጢፉ ኸም ዚኸውን ስለ ዝፈለጥኩ፡ ኣብዚ ድንኳን እዚ ኽሳዕ ዘሎኹ፡ ብምዝካር ከንቅሓኩም ቅኑዕ ኰይኑ ይርኣየኒ አሎ። ግናኸ ድሕሪ ስንብታይ ከኣ ኵሉ ጊዜ ነዚ ኽትዝክርዎ ኢለ እጽዕር አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 112:1-3 | 4 Helpful votes

ሃሌሉያ። እቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሆ፣ ብትእዛዛቱ ኣዝዩ ባህ ዚብሎ ሰብ ብጹእ እዩ። ዘርኡ ኣብ ምድሪ ኺስልጥን፣ ወለዶ ቕኑዓት ኪባረኽ እዩ። ሃብትን ጽጋብን ኣብ ቤቱ እዩ፣ ጽድቁውን ንዘለአለም ይነብር።

Translation | Context
መዝሙር 145:4 | 3 Helpful votes

ካብ ወልዶ ንወለዶ ግብርታትካ ይንእዱ፣ ስልጡን ተግባርካውን የውርዩ።

Translation | Context
እያሱ 24:14-15 | 3 Helpful votes

ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ፡ ብፍጹምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ፡ ነቶም ኣብ ክንየው ርባን ኣብ ግብጽን ኣቦታትኩም ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣግልስዎም፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ። ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።

Translation | Context
ዘጸአት 20:5-6 | 2 Helpful votes

ኣይትስገድሎም ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይን ወለዶ ዝቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዛተይ ንዚሕልዉን ግና ክሳዕ ኣሽሓት ምሕረት ዝገብር እየ።

Translation | Context