Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

lebanon


ኢሳይያስ 29:17 | 5 Helpful votes

ሊባኖስ ናብ ፍርያም ግራት ኪልወጥ፡ እቲ ፍርያም ግራት ከኣ ከም ዱር ኪቚጸር፡ ቅሩብ ጊዜዶ ኣይኰነን ተሪፉ ዘሎ፧

Translation | Context
መዝሙር 104:16 | 4 Helpful votes

ኣእዋም እግዚኣብሄርን እተን ዝተኸልካየን ጽሕድታት ሊባኖስን ጸገባ።

Translation | Context
ሆሴዕ 14:5-7 | 3 Helpful votes

ኣነ ንእስራኤል ከም ኣውሊ እዀኖ፡ ንሱ ኸም ዕምባባ ይዕምብብ፡ ከም ሊባኖስ ከኣ ሰረውሩ ይሰድድ። ጨናፍሩ ይዝርጋሕ፣ ምጽባቑ ኸም ኣውልዕ፣ መኣዛኡ ድማ ከም ሊባኖስ ይኸውን። እቶም ኣብ ትሕቲ ጽላሉ ዚነብሩ ይምለሱ፡ ብስርናይ ይብርትዑ፡ ከም ተኽሊ ወይኒ ይዕምብቡ፡ መዘከርታኡ ኸም ወይኒ ሊባኖስ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 2:13 | 3 Helpful votes

ኣብ ኲሉ ዓብይን ልዕል ዝበለ ኣእዋም ሊባኖስን ኣብ ኲሉ ኣእዋም ባሳንን፡

Translation | Context
መዝሙር 29:5 | 3 Helpful votes

ድምጺ እግዚኣብሄር ንጽሕድታት ይሰብሮ፣ እግዚኣብሄር ንጽሕዲ ሊባኖስ ይሰባብሮ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 19:23 | 3 Helpful votes

ብልኡኻትካ ጌርካ ንጐይታ ኸምዚ ኢልካ ጸረፍካዮ፡ ኣነ ብብዝሒ ሰረገላይ ርእሲ ኣኽራን፡ ናብ ማእከል ሊባኖስ ደየብኩ፡ ነቲ ነዋሕቲ ቄድሮሱን ነቲ ሕሩይ ጽሕድታቱን ከኣ ቘረጽኩ፡ ናብቲ ዝረሐቐ መሕደሪኡ፡ ናብቲ ፈራዪ ድማ ኣቶኹ።
Translation | Context


ኤርምያስ 18:14 | 3 Helpful votes

በረድ ሊባኖስዶ ነቲ ኣኻውሕ መሮር ይለቀሉ እዩ፧ እቲ ኻብ ርሑቕ ዚመጽእ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነጽፍዶ እዩ፧

Translation | Context
መዝሙር 92:12 | 3 Helpful votes

ጻድቕ ከም ስየ ይልምልም፣ ከም ጽሕዲ ሊባኖስ ይዐቢ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:16 | 2 Helpful votes

ሊባኖስ ንምንዳድ ኣይኣክልን፡ እንስሳኡውን ንመስዋእቲ ምሕራር ኣይኣክልን።

Translation | Context
ኤርምያስ 22:6 | 2 Helpful votes

ስለዚ እግዚኣብሄር ብዛዕባ ቤት ንጉስ ይሁዳ ኸምዚ ይብል አሎ፡ ንስኻ ንኣይ ከም ጊልኣድን ከም ርእሲ ሊባኖስን ኢኻ፡ ግናኸ ኣነ ብርግጽ ከም ምድረ በዳ፡ ከምተን ሓደ እኳ ዘይነብረለን ከተማታት ክገብረካ እየ።

Translation | Context
እያሱ 1:4 | 2 Helpful votes

ዶብኩም ካብ በረኻን ካብዚ ሊባኖስን ክሳዕ እቲ ዓብዪ ርባ፡ ርባ ኤፍራጥስ፡ ብዘላ ምድሪ ሔታውያንን ክሳዕ እቲ ኣብ ምዕራብ ጸሓይ ዘሎ ዓብዪ ባሕርን ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 9:15 | 2 Helpful votes

እቲ እሾዅ ድማ፡ ብሓቂ ንኣይ ቀቢእኩም ኣብ ልዕሌኹም ክተንግሱኒ እንተ ደሌኹምሲ፡ ኣብ ጽላለይ ኣጽልሉ፡ እንተ ዘይኰነስ ድማ፡ ካብቲ እሾዅ ሓዊ ይውጻእ እሞ ነቲ ጽሕድታት ሊባኖስ ይብልዓዮ፡ በሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 14:8 | 2 Helpful votes

ጽሕድታትን ኣእዋም ሊባኖስን እኳ፡ ንስኻ ኻብ እትወድቕ ጀሚሩ ኪቘርጸና ዝደየበ የልቦን፡ እናበሉ ብዛዕባኻ ይሕጐሱ ኣለው።

Translation | Context
እያሱ 9:1 | 2 Helpful votes

ኰነ ኸኣ፡ እቶም ኣብ ስግር ዮርዳኖስ ኣብ ከረንን ቈላን ኣብ ገምገም እቲ ዓብዪ ባሕሪ ብሸነኽ ሊባኖስ ዚነብሩ ዅሎም ነገስታት፡ ሔታውያንን ኣሞራውያንን ከነአናውያንን ፈረዛውያንን ሃዋውያንን ይቡሳውያንን እዚ ምስ ሰምዑ፡

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 4:15 | 2 Helpful votes

ናይ ገነት ዓይኒ ማይ፡ ናይ ማይ ህይወት ዔላ፡ ካብ ሊባኖስ ዚፈስስ ፈልፋሊት ኢኺ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 2:8 | 2 Helpful votes

ገላዉኻ ምቚራጽ ኣእዋም ሊባኖስ ከም ዜስተውዕሉ፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ካብ ሊባኖስውን ኣእዋም ቄድሮስን ጽሕድን ሰንደልን ስደደለይ። እንሆ ድማ ገላዎይ ምስ ገላዉኻ ኪዀኑ እዮም።

Translation | Context
መሃልየ መሃልይ 5:15 | 2 Helpful votes

ኣእጋሩ ብደገፍ ጽሩይ ወርቂ እተሰረታ ኣዕኑድ እምነ በረድ እየን፡ ትርኢቱ ኸም ሊባኖስ፡ ከም ኣእዋም ሊባኖስ እተመርጸ እዩ።

Translation | Context