Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

leadership


1ይ ጢሞቴዎስ 4:12 | 13 Helpful votes

ነቶም ኣመንቲ ብቓል፡ በኻይዳ፡ ብፍቕሪ፡ ብእምነት፡ ብንጽህናውን ኣርኣያ ኹኖም እምበር፡ ነታ ንእስነትካ ሓደ እኳ ኣይንዓቃ።

Translation | Context
ፊልጲ 2:3 | 9 Helpful votes

ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ።

Translation | Context
ኤርምያስ 23:1 | 6 Helpful votes

እቶም ነባጊዕ መጓሰይ ዜጥፍኡን ዚዘርውን ጓሶት ወይለኦም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ማቴዎስ 20:25-28 | 6 Helpful votes

የሱስ ከኣ ጸዊዑ በሎም፡ ነህዛብ ሸየምቶም ከም ዚገዝእዎም፡ ዓበይቶም ድማ ከም ዚመልክዎም፡ ትፈልጡ ኢኹም። ኣባታትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን፡ እቲ ኻባታትኩም ዓብዪ ምዃን ዚደልስ፡ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። እቲ ኻባታትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ባርያኻትኩም ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ፡ ኬገልግልን ህይወት ምእንቲ ብዙሓት በጃ ኼሕልፍን እምበር፡ ኬግልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን።

Translation | Context
ሮሜ 12:9-13 | 6 Helpful votes

ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ።

Translation | Context
ሉቃስ 22:24-27 | 5 Helpful votes

መኖም ዓብዪ መሲሉ ኸም ዚርኤ ኸኣ፡ ኣብ ማእከሎም ክርክር ኰነ። ሽዑ ንሱ በሎም፥ ነህዛብ ነገስታቶም እዮም ዚገዝእዎም፡ እቶም ምልኪ ዘለዎም ከኣ ሕያዎት ይብሃሉ። ንስኻትኩም ግና ከምኡ ኣይትኹኑ፥ እቲ ኣባኻትኩም ዓብይስ ከም ንእሽቶ፡ እቲ ጐይታውን ከም ግዙእ ደኣ ይኹን። እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥን እቲ ዜግልገልንከ ኣየናዮም ይዐቢ፧ እቲ ኣብ መኣዲ ዚቕመጥ ደይኰነን፧ ኣነ ግና ኣብ ማእከልኩም ከም ኣገልጋሊ እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:12-15 | 4 Helpful votes

ከምዚ ገይሩ ኣእጋሮም ምስ ሓጸቦም፡ ክዳውንቱ ተኸዲኑ፡ ከም ብሓድሽ ተቐሚጡ፡ እዚ ዝገበርኩልኩምሲ ትፈልጥዎዶ አሎኹም፧ በሎም። ንስኻትኩም መምህርን ጐይታን ትብሉኒ አሎኹም፡ ኣነ ኸምኡ እየ እሞ፡ ጽቡቕ በልኩም። ኣነ መምህርን ጐይታን ክነሰይ፡ ኣእጋርኩም ካብ ሓጸብኩስ፡ ከምቲ ኣነ ኣባኻትኩም ዝገበርክዎ፡ ንስኻትኩምውን ከምኡ ኽትገብሩ መርኣዪ ሂበኩም አሎኹ እሞ፡ ከምኡ ኣእጋር ሓድሕድኩም ክትሐጽቡ ይግብኣኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-7 | 4 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ።

Translation | Context
ዘጸአት 18:21 | 4 Helpful votes

ንስኻ ኻብ ኵሉ ህዝቢ ኸኣልቲ ንእግዚኣብሄር ዚፈርሁ ሰባት፡ እሙናት፡ ረብሓ ዓመጽ ዚጸልኡ ሰባት ሕረ። ንኣታቶም ከኣ ሕላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ልዕሊኦም ሽመሎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:12 | 3 Helpful votes

ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 10:42-45 | 3 Helpful votes

የሱስ ድማ ናብኡ ጸዊዑ፥ ነህዛብ እቶም ከም ሸየምቶም ዚቝጸሩ ኸም ዚገዝእዎም፡ እቶም ዓበይቶምውን ከም ዚመልክዎም ትፈልጡ አሎኹም። ኣባኻትኩም ግና ከምዚ ኣይኰነን። እቲ ዓብዪ ኪኸውን ዚደሊ ግዙእኩም ደኣ ይኹን። ካባኻትኩም ምርኡይ ኪኸውን ዚደሊ ኸኣ፡ ንሱ ባርያ ዅሉ ይኹን። ወዲ ሰብ ድማ ኬገልግል ህይወቱውን በጃ ብዙሓት ኪህብ እምበር፡ ኬገልግልዎ ኢሉ ኣይመጸን፡ በሎም።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-10 | 3 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ። ባዕለይ እፈልጥ ኣይትበል፡ ንእግዚኣብሄር ፍራህ፡ ካብ ክፉእ ከኣ ርሐቕ። እዚ ንሕምብርትኻ ፈውሲ ነዕጽምትኻውን ኣንጕዕ ኪዀነካ እዩ። ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፡ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ። ሽዑ ቘፋፍኻ ብብዝሒ ኺመልእ፡ መጽመቝኻ ኸኣ ብዀልዒ ወይኒ ኪቕጸጽ እዩ፡

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:2 | 3 Helpful votes

እዚ ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ምስክር ካባይ ዝሰማዕካዮ ድማ ንኻልኦት ኪምህሩ ንዚከአሎም እሙናት ሰብ ሕድሪ ሃቦም።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:11 | 2 Helpful votes

እቲ ሕያዋይ ጓሳ ኣነ እየ። እቲ ሕያዋይ ጓሳ ህይወቱ በጃ ኣባጊዑ የሕልፋ።

Translation | Context
ዘዳግም 1:13 | 2 Helpful votes

ካባኻትኩም ጠቢባንን መስተውዓልትን ፍሉጣትን ሰባት ከካብ ነገድኩም ኣውጽኡ፡ ሓላቑኹም ክገብሮም እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 1:15 | 2 Helpful votes

ሽዑ ሓላቑ ነገዳትኩም፡ ጠቢባንን እተፈልጡን ሰባት ወሲደ፡ ሓላቑ ሽሕን ሓላቑ ሚእትን ሓላቑ ሓምሳን ሓላቑ ዓሰርተን ኣብ ነገዳትኩም መኳንንቲ፡ ኣብ ልዕሌኹም ሓላቑ ገበርክዎም።

Translation | Context
ምሳሌ 25:28 | 2 Helpful votes

መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቀጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 1:10-12 | 2 Helpful votes

ነዚ ዓብዪ ህዝብኻ እዝስ መን ኪፈርዶ ይኽእል፡ እምበኣርሲ ኣብ ቅድሚ እዚ ህዝቢ እዚ ኽወጽእን ክአቱን ጥበብን ፍልጠትን ሀበኒ፡ በለ። ኣምላኽ ድማ ንሰሎሞን፡ እዚ ኣብ ልብኻ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ ኣብ ልዕሊኡ ዘንገስኩኻ ህዝበይ ምፍራድ ምእሻቲ ኽትክእልስ፡ ጥበብን ፍልጠትን ኪውሀበካ ስለ ዝለመንካ እምበር፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ወይ ነፍሲ ጸላእትኻ ወይ ነዊሕ ዕድመ ኻብ ዘይለመንካስ፡ ጥበብ ፍልጠትን ተዋሂቡካ አሎ። ድማ ቅድሜኻ ንዝዀነ ዘበለ ንጉስ ከምኡ ዝበለ ዘይነበሮ፡ ብድሕሬኻ ዚትንስእ ዘበለውን ከምኡ ዝበለ ዘይረኽቦ፡ ሃብትን መዛግብትን ክብረትን ክህበካ እየ፡ በሎ።

Translation | Context
ዘዳግም 17:16-20 | 2 Helpful votes

ሓንትስ፡ ኣፍራስ ደኣ ኣየብዝሕ፡ ኣፍራስ ምእንቲ ኼብዝሕ ኢሉ ኸኣ፡ ነቲ ህዝቢ ናብ ግብጺ ኣይምለሶ። እግዚኣብሄር፡ ድሕሪ ደጊም ነዛ መገዲ እዚኣ ኣይትመለስዋ፡ ኢሉኩም እዩ። ልቡ ኸይሰድዕ ድማ ኣንስቲ ኣየብዝሕ። ወርቅን ብሩርን ከኣ እምብዛ ኣየብዝሕ። ይኸውን ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ዝፋን መንግስቱ ምስ ተቐመጠ። ካብቲ ኣብ ቅድሚ ሌዋውያን ካህናት ዘሎ ሕጊ ንእኡ ዚኸውን ቀዲሑ ኣብ መጽሓፍ ይጽሐፍ። ፍርሃት እግዚኣብሄር ኣምላኹ ምእንቲ ኺመሀር፡ ልቡ ኣብ ልዕሊ ኣሕዋቱ ምእንቲ ኸይልዐል፡ ካብቲ ትእዛዝ ከኣ ንየማን ኰነ ንጸጋም ከይዘብል፡ ንሱን ደቁን ኣብ ማእከል እስራኤል መዓልትታት መንግስቱ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ናይ እዚ ሕጊ እዚ ቓላትን እዚ ትእዛዛት እዝን ተጠንቂቑ ኺገብሮስ፡ ምስኡ ይኹን፡ ኵሉ መዓልቲ ህይወቱ ኸኣ የንብቦ።

Translation | Context