Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

lake of fire


ራእይ 20:10 | 8 Helpful votes

እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 7 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context
ራእይ 20:15 | 6 Helpful votes

ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:41 | 4 Helpful votes

ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙን ዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።

Translation | Context
ራእይ 20:7-10 | 4 Helpful votes

እተን ሽሕ ዓመት ምስ ተፈጸማ ኸኣ፡ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ኺፍታሕ፡ እሞ ነቶም ኣብ ኣርባዕተ መኣዝን ምድሪ ዚነብሩ ኣህዛብ፡ ንጎግን ማጎግን ኬስሕቶም፡ ንውግእውን ምእንቲ ኺእክቦም፡ ኪወጽእ እዩ፡ ቍጽሮም ድማ ከም ሑጻ ባሕሪ እዩ። ኣብ ልዕሊ እቲ ግፍሒ ምድሪ ኸኣ ወጹ፡ ንሰፈር እቶም ቅዱሳትን ነታ ፍቅርቲ ኽተማን ድማ ከበቡ። ካብ ሰማይ ከኣ ሓዊ ወሪዱ በልዖም። እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:46 | 4 Helpful votes

እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

Translation | Context
ራእይ 20:14 | 3 Helpful votes

ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:28 | 3 Helpful votes

ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይከአሎም ኣይትፍርህዎም።

Translation | Context
ራእይ 19:20 | 2 Helpful votes

እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም።

Translation | Context
ራእይ 20:11-15 | 2 Helpful votes

ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

Translation | Context
ራእይ 20:14-15 | 2 Helpful votes

ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

Translation | Context
መዝሙር 16:10 | 2 Helpful votes

ንነፍሰይ ኣብ ሲኦል ኣይትሐድጋን፣ ቅዱስካውን ጥፍኣት ኪርኢ ኣይትፈቅድን ኢኻ እሞ፣ ስለዚ ልበይ ይሕጐስ፣ ክብረይ እልል ይብል፣ ስጋይውን ኣብ ጽኑዕ ኪሐድር እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 9:43-48 | 2 Helpful votes

ኢድካ እንተ ኣስሐተትካ፡ ቍረጻ። ክልተ ኢድ ኣልዩካ፡ ናብቲ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ቍሩጽ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። እግርኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ቁረጻ። ክልተ እግሪ ኣልዩካ፡ ናብ ዘይጠፍእ ሓዊ፡ ሓሳኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ኣብ ዘይጠፍእ ካብ እትድርበስ፡ ሓንካስ ኴንካ ናብ ህይወት ምእታው ይሔሸካ። ዓይንኻ እንተ ኣስሐተትካውን፡ ኣንቍራ። ክልተ ዓይኒ ኣልዩካ፡ ናብቲ ሓሰኻኦም ኣብ ዘይመውት፡ ሓዉውን ዘይጠፍእ ናብ ሓዊ ገሃነም ካብ እትድርበስ፡ ነቋር ኴንካ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ምእታው ይሔሸካ።

Translation | Context
ራእይ 20:10-15 | 2 Helpful votes

እቲ ዘስሐቶም ድያብሎስውን ናብቲ እቲ ኣራዊትን እቲ ነብዪ ሓሶትን እተደርበይዎ ቐላይ ሓውን ዲንን ተደርበየ። ንዘለኣለመ ኣለም ከኣ ለይትን መዓልትን ኪሳቐዩ እዮም። ዓብዪ ጻዕዳ ዝፋንን እተቐመጦን ከኣ ርኤኹ። ምድርን ሰማይን ካብ ገጹ ሀደሙ፡ ቦታውን ኣይተረኽበሎምን። ምዉታት ድማ፡ ዓበይትን ናእሽቱን፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ደው ኢሎም ርኤኹ፡ መጻሕፍቲውን ተገንጸሉ። ካልእ መጽሓፍ ከኣ ተገንጸለ፡ እዚውን እቲ መጽሓፍ ህይወት እዩ። እቶም ምዉታት ድማ፡ ከምቲ ኣብቲ መጻሕፍቲ ተጽሒፉ ዝጸንሔ፡ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ባሕሪ ድማ ነቶም ኣብኣ ዘለዉ ምዉታት ወፈየት፡ ሞትን ሲኦልንውን ኣባታቶም ዘለዉ ምዉታት ወፈዩ። ነፍሲ ወከፎም ከኣ ከከም ግብሮም ተፈርዱ። ሞትን ሲኦልንውን ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበዩ። እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ ማለት ቀላይ ሓዊ። ዝኰነ ይኹን ኣብ መጽሓፍ ህይወት ተጽሒፉ ዘይተረኽበ፡ ናብቲ ቐላይ ሓዊ ተደርበየ።

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 2 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ራእይ 19:11-16 | 2 Helpful votes

ሰማይ ከኣ ተኸፊቱ ርኤኹ። እንሆ ድማ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ኸኣ እሙንን ሓቀኛን ይብሀል፡ ብጽድቂውን እዩ ዚዳንን ዚዋጋእን። ኣዒንቱ ኸም ሃልሃልታ ሓዊ እየን፡ ኣብ ርእሱውን ብዙሕ ዘውድታት አለዎ፡ ብጀካኡ ሓደ እኳ ዘይፈልጦ ጽሑፍ ስም ድማ አለዎ። ብደም እተዐለሰ ኽዳን ተወንዚፉ እዩ፡ ስሙውን ቃል ኣምላኽ እዩ። ኣብ ሰማይ ዘለዉ ሰራዊት ከኣ፡ ጻዕዳን ጽሩይን ሻሽ ተኸዲኖም፡ ኣብ ኣምበሌታት ኣፍራስ ተቐሚጦም ሰዐብዎ። ካብ ኣፉ ኸኣ ነህዛብ ዚወቕዓሉ በሊሕ ሰይፊ ይወጽእ። ንሱ ብበትሪ ሓጺን ኪጓስዮም እዩ፡ ነቲ መጽመቝ ወይኒ ናይቲ ብርቱዕ ቍጥዓ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ከኣ ንሱ ይረግጾ። ኣብ ክዳኑን ኣብ ምሕኵልቱን ድማ፡ ንጉስ ነገስታት፡ ጐይታ ጐይተትውን፡ ዚብል ጽሑፍ ስም አለዎ።

Translation | Context
ራእይ 19:19-21 | 2 Helpful votes

እቲ ኣራዊትን እቶም ነገስታት ምድርን ሰራዊቶምን ከኣ፡ ምስቲ ኣብ ፈረስ እተቐመጠን ምስቶም ሰራዊቱን ኪዋግኡ ተኣኪቦም ርኤኹ። እቲ ኣራዊት ተታሕዘ፡ እቲ ነቶም ማሕተም እቲ ኣራዊት እተቐበሉን ንምስሉ ዝሰገዱን ዜስሕቶም ትእምርቲ ኣብ ቅድሚኦም ዝገበረ ነብዪ ሓሶትውን ምስኡ ተታሕዘ፡ ንኽልቲኣቶም ብህይወቶም ከለዉ፡ ናብቲ ብዲን ዚነድድ ቀላይ ሓዊ ደርበይዎም። እቶም ዝተረፉ ድማ በቲ ኻብ ኣፍ እቲ ኣብ ፈረስ ተቐሚጡ ዘሎ ዚወጽእ ሰይፊ ተቐትሉ፡ ኵለን ኣዕዋፍውን ስጋኦም በሊዔን ጸገባ።

Translation | Context