Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

kingdom


ማቴዎስ 6:33 | 14 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 4:20 | 12 Helpful votes

መንግስቲ ኣምላኽ ብሓይሊ እምበር፡ ብዘረባ ኣይኰነትን ዘላ እሞ፡ ጐይታ እንተ ፈቐዶስ፡ ቀልጢፈ ናባኻትኩም ክመጽእ እየ፡ ሽዑ ሓይሊ እቶም ንፉሓት ክፈልጥ እየ እምበር፡ ቃሎም ኣይኰነን።

Translation | Context
ሮሜ 14:17-18 | 11 Helpful votes

መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-10 | 7 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 10:7-8 | 5 Helpful votes

ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ፡ ኢልኩም ስበኹ። ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሀቡ።

Translation | Context
መዝሙር 145:13 | 5 Helpful votes

መንግስትኻ መንግስቲ ዘለአለም እያ፣ ግዝኣትካ ኸኣ ንውሉድ ወለዶ ይነብር።

Translation | Context