Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

keeping promises


ዘሁልቍ 30:2 | 17 Helpful votes

ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡

Translation | Context
መክብብ 5:4-5 | 12 Helpful votes

ንኣምላኽ እንተ ተመባጻዕካሉ፡ ንምፍጻሙ ኣይትደንጉ። ብዓያሱ ባህ ኣይብልን እዩ እሞ፡ ነቲ እተመባጽዕካዮ ፈጽሞ። ተመባጺዕካ ኻብ ዘይትፍጽሞስ፡ ዘይምምብጻዕ ይሐይሽ።

Translation | Context
መዝሙር 89:34 | 11 Helpful votes

ኪዳነይ ኣየፍርስን፣ ከናፍረይ እተዛረቦ ድማ ኣይልውጥን።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:37 | 9 Helpful votes

ነገርኩምሲ፡ እወ፡ እወ፡ ኣይኰነን፡ ኣይኰነን ደኣ ይኹን። ካብዚ ዝበዝሔ ኻብቲ ኽፉእ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 3:9 | 7 Helpful votes

ጐይታስ፡ ኵላቶም ናብ ንስሓ ኺበጽሑ እምበር፡ ሓደ እዃ ኺጠፍእ ዘይፈቱ ስለ ዝዀነ፡ ምእንታኻትኩም ይዕገስ አሎ እምበር፡ ከምቲ ንገሊኣቶም ዚድንጒ ዚመስሎም፡ ንተስፋኡ ኣየድንጒዮን እዩ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 23:19 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ከይሕሱ፡ ሰብ ኣይኰነን። ከይጠዐስ ከኣ፡ ወዲ ሰብ ኣይኰነን። ንሱ ዝበሎስ ኣይገብሮንዶ፧ እተዛረቦስ ኣይፍጽሞንዶ፧

Translation | Context
ዘሁልቍ 30:1-2 | 3 Helpful votes

ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ዅሉ ድማ፡ ሙሴ ንደቂ እስራኤል ነገሮም። ሙሴ ኸኣ ንሓላቑ ነገድ ደቂ እስራኤል፡ እቲ እግዚኣብሄር ዝአዘዞ እዚ እዩ፡ ኢሉ ተዛረቦም፡

Translation | Context
ማቴዎስ 5:33 | 3 Helpful votes

ድማ ነቶም ቀዳሞት፡ ማሕላኻ ንእግዚኣብሄር ሀቦ እምበር፡ ብሓሶት ኣይትምሐል፡ ከም ተባህለ ሰሚዕኩም አሎኹም።

Translation | Context
እያሱ 23:14 | 3 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፡ ኣነ ሎሚ መገዲ ዅላ ዓለም እኸይድ አሎኹ እሞ ካብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዛዕባኹም እተዛረቦ ዅሉ ጽቡቕ ነገር፡ ሓደ ነገር እኳ ኸም ዘይወደቐ፡ ብዅሉ ልብኹምን ብዅሉ ነፍስኹምን ፍለጡ። ኵሉ በጽሓኩም እምበር፡ ካብኡስ ሓደ ነገር እኳ ኣይወደቐን።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7 | 2 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 10:9 | 2 Helpful votes

እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉ ተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።

Translation | Context
ያእቆብ 5:12 | 2 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኣብ ትሕቲ ፍርዲ ኸይትወድቁስ፡ እቲ እዌኹም እወ፡ እቲ ኣይኰነን ዝበልኩምዎ ኸኣ ኣይኰነን ይኹን እምበር፡ ቅድሚ ዅሉ ብሰማይ፡ ወይስ ብምድሪ፡ ወይስ ብኻልእ ማሕላ ኣይትምሐሉ።

Translation | Context
መዝሙር 91:1-16 | 2 Helpful votes

አብ ጸግዒ እቲ ልዑል ዚሐድር፣ ኣብ ጽላል እቲ ዅሉ ዚኽእል ይነብር። ንእግዚኣብሄር፣ ጸግዔይን ዕርደይን ዝውከሎ ኣምላኸይን እዩ፣ እብሎ አሎኹ። ካብ መጻወድያ ሃዳናይ፣ ካብ ዜጥፍእ ፌራ ኼናግፈካ እዩ እሞ፣ ብግልግሌኡ ኼጐልብበካ፣ ኣብ ትሕቲ አኽናፉ ኸኣ መጸግዒ ኽትረክብ ኢኻ፣ ሓቁ ዋልታን ጸግዕን እዩ። ካብ ስምባድ ለይቲ፣ ካብቲ ብመዓልቲ ዚውርወር ፍላጻ፣ ካብቲ ብጸልማት ዚኸይድ ፌራ፣ ብቐትሪ ዜባድም ሕማም ኣይክትፈርህን ኢኻ። ኣብ ጥቓኻ ሽሕ፣ ኣብ የማንካውን እልፊ ኺወድቁ እዮም፣ ኣባኻ ግና ኣይኪበጽሕን እዩ። በዒንትኻ ጥራይ ክትጥምቶ፣ ረሲኣን ዚረኽብዎ መስጣውን ክትርኢ ኢኻ። ጐይታይ፣ ንስኻ መዕቈብየይ ኢኻ፣ ኢልካ ኢኻ እሞ፣ ንልዑልሲ መጸግዒኻ ስለ ዝገበርካዮ፣ እከይ ዘበለ ኣይኪረኽበካን፣ ስቓይውን ኣብ ድንኳንካ ኣይኪቐርብን እዩ። አብ ኵሉ መገድኻ ኺሕልዉኻ፣ ንመላእኽቱ ኺእዝዘልካ እዩ እሞ፣ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍሲ፣ ኣብ ልዕሊ ኣእዳዎም ኪጾሩኻ እዮም። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context