Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

judging one another


ማቴዎስ 7:1-5 | 15 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምይታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፡ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ።  ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ።

Translation | Context
ዮሃንስ 7:24 | 9 Helpful votes

ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ሉቃስ 6:37 | 8 Helpful votes

ኣይትፍረዱ ኣይክትፍረዱን ኢኹም፡ ኣይትዀንኑ ኣይክትኵነኑን ድማ ኢኹም፡ ሕደጉ ኺሕደገልኩም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1 | 7 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:11-12 | 6 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ንሓድሕድኩም ኣይተተሓማመዩ። እቲ ንሓዉ ዚሐሚ ወይስ ኣብ ሓዉ ዚፈርድ ነቲ ሕጊ ይሐምዮ፡ ኣብ ሕጊውን ይፈርድ። ኣብ ሕጊ ኻብ እትፈርድ ግና፡ ፈራዲ እምበር፡ ገባር ሕጊ ኣይኰንካን። እቲ ኼድሕንን ኬጥፍእን ዚኽእል ሓጋግ ሕግን ፈራድን ሓደ ንሱ እዩ። ኣብ ብጻይካ እትፈርድከ ንስኻ እንታዋይ ኢኻ፧

Translation | Context
ሮሜ 14:4 | 5 Helpful votes

ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 16:17-18 | 4 Helpful votes

ግናኸ ኣሕዋተየ፡ ነቶም ካብቲ እተመሃርኩምዎ ምህሮ ምፍልላይን መዓንቀፍን ዚገብሩ ኽትዕዘብዎም፡ እምዕደኩም አሎኹ። እቶም ከምዚኣቶም ዝበሉ ንኸብዶም እምበር፡ ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ኣየገልግልዎን፡ ብጥዑም ዘረባን ምርቓን ልቢ እቶም ገርህታት የስሕቱ እዮም እሞ፡ ካባታቶም ኣግልሱ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:15 | 4 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኪምህሮ ኢሉ፡ ሓሳቡ ዝፈለጠኸ እንታዋይ እዩ፧ ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ አሎና። እምብኣርሲ እቲ መንፈሳዊ ንዂሉ ይምርምር፡ ንሱ ግና ብሓደ እኳ ኣይምርመርን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 2:1-3 | 4 Helpful votes

ስለዚ፡ ኣታ እትፈርድ ሰብ፡ ዝዀንካ እንተ ዀንካ፡ ነቲ እትፈርዶስ ትገብሮ ስለ ዘሎኻ፡ በቲ ንኻልእ እትፈርዶ ንርእስኻ ትዂንን አሎኻ እሞ፡ ምኽንያት የብልካን። ንሕናስ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እቲ ፍርዲ ኣምላኽ ሓቂ ምዃኑ ንፈልጥ ኢና። ኣታ ኣብቶም ከምዚ ዝበለ ዚገብሩ እትፈርድ ባዕልኻውን እትገብሮ ሰብ፡ ካብቲ ፍርዲ ኣምላኽ እትመልቚዶ ይመስለካ አሎ፧

Translation | Context
ማቴዎስ 7:15 | 3 Helpful votes

ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:7 | 2 Helpful votes

ደጋጊሞም ምስ ሐተትዎ ኸኣ፡ ቅንዕ ኢሉ፡ ካባኻትኩም ሓጢኣት ዜብሉ፡ ንሱ ቕድም እምኒ የውድቐላ፡ በሎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:12 | 2 Helpful votes

ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚአምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።

Translation | Context