Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

25 bible verses about

judas


መዝሙር 41:9 | 9 Helpful votes

እወ፣ እቲ ዝእመኖ፣ እንጌራይ ዝበልዔ ፈታውየይ እኳ ሸዀናኡ ኣልዐለለይ።

Translation | Context
ማርቆስ 14:43-45 | 8 Helpful votes

ብኡብኡ ገና ኺዛረብ ከሎ፡ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ኸኣ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይትን፡ ኣስያፍ ኣባትርን ዝሐዙ እኩባት ህዝቢ መጹ። እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ፡ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ ኣጽኒዕኩምውን ውሰድዎ፡ ኢሉ መፈለጥታ ሃቦም። መጺኡ ድማ ብኡብኡ ናብኡ ቐሪቡ፡ ረቢ፡ ረቢ፡ ኢሉ ሰዓሞ።

Translation | Context
ማቴዎስ 27:5 | 6 Helpful votes

ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ።

Translation | Context
ማቴዎስ 27:3-10 | 6 Helpful votes

ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሐዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረአየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ። ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ። ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ፡ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ። ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ። ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል አላ። እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:67-71 | 4 Helpful votes

ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:16-25 | 4 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ። ምሳና ተቘጺሩ ነበረ እሞ፡ ነዚ ኣገልግሎት እዚ ኸኣ ተዐዲሉ ነበረ። እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡ ገዛኡ ይዖኑ፡ ኣብኡ ዚነብር ከኣ ኣይረኸብ፡ ሽመቱውን ካልእ ይውሰዳ፡ ዚብል ኣብ መጽሓፍ መዝሙር ጽሑፍ እዩ እሞ፡ እዚ፡ እታ ግራት እቲኣ ብዘረባኦም ኣከልደማ፡ ማለት ግራት ደም፡ ክሳዕ እትብሀል፡ ኣብ የሩሳሌም ንዚነብሩ ዂላቶም ተፈልጠ። ስለዚ ኻብ እዞም በቲ ጐይታና የሱስ ካብ ጥምቀት ዮሃንስ ጀሚሩ ኽሳዕ እታ ኻባና ዝዐረገላ መዓልቲ ናባና ዝአተወሉን ዝወጻሉን ኲሉ ዘመን ዝሰዐቡና ሰባት፡ ካብ እዚኣቶም ሓደ ብዛዕባ ትንሳኤኡ ምሳና ምስክር ኪኸውን ይግባእ እዩ። ንኽልተ ኸኣ፡ ንበርሰባስ ዚብሀል ዮስጦስ ዝሰመይዎ ዮሴፍን ንማትያስን ደው ኣበልዎም እሞ፡ ዎ ልቢ ዂሉ እትፈልጥ ጐይታ፡ እዛ ይሁዳ ናብ ስፍራኡ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ዝሐደጋ ስፍራ ኣገልግሎትን ሃዋርያነትን ኪቕበልሲ፡ ካብዞም ክልተ እዚኣቶም ዝሐሬኻዮ ሓደ ኣርኢ፡ ኢሎም ጸለዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:2 | 4 Helpful votes

ኪድረሩ ኸለዉ ኸኣ፡ ድያብሎስ ናብ ልቢ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ኬትሕዞ ቕድም ሓሳብ ኣእትዩ ነበረ።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:4-6 | 4 Helpful votes

ካብ ቶም ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ ኼትሕዞ ዘለዎ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን ግና፥ እዚ ቕዱይ ቅብኢ እዚ ኸመይ ግዳ ንሰለስተ ሚእቲ ድሪም ተሸይጡስ ንድኻታት ዘይውሃብ፡ በለ። እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝአተወውን የልዕል ነበረ።

Translation | Context
ሉቃስ 22:3-6 | 4 Helpful votes

ሰይጣን ግና ናብቲ ኣስቆሮታዊ ዚብሃል ይሁዳ ኣተወ፡ ንሱ ኻብ ቍጽሪ እቶም ዓሰርተው ክልተ እዩ፡ ከይዱ ኸኣ፡ ናብቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ሓላቑ ሓለውቲ መቕደስን ከመይ ገይሩ ኸም ዜትሕዞ፡ ተዛረበ። ተሐጕሶም ከኣ ኣቕራሽ ኪህብዎ ኣውዓሉሉ። ንሱ ድማ ተሳማምዖም፡ ኣኬባ ህዝቢ ብዜብላ ጊዜ ኼትሕዞውን ምሽእቲ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:14-16 | 3 Helpful votes

ሽዑ ኻብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዚብሀል፡ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ከይዱ፡ ኣነ ንኣኻትኩም ኣሕሊፈ ክህቦስ፡ እንታይ ትህቡኒ፧ በሎም። ንሳቶም ከኣ ሳላሳ ቕርሺ መዘኑሉ። ካብኡ ሒዙ ኣሕሊፉ ኺህቦ ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:6 | 3 Helpful votes

እዚ ዝበለ፡ ሰራቒ ስለ ዝዀነ እዩ እምበር፡ ንድኻታት ሐልዩሎም ኣይኰነን። ማሕፉዳ ምስኡ ነበረ፡ ካብቲ ኣብኡ ዝአተወውን የልዕል ነበረ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:18 | 3 Helpful votes

እዚ በቲ ዓስቢ ዓመጻኡ ግራት ኣጥረየ፡ ብኣፍ ርሕሙ ተደፊኡ ኸኣ ኣብ ክልተ ተጨደ፡ ብዘሎ ኣምዑቱ ድማ ወጸ እሞ፡

Translation | Context
ዮሃንስ 13:18-26 | 3 Helpful votes

ኣነ ነቶም ዝሐሬኽዎም እፈልጦም እየ፡ ብዛዕባ ዅላትኩም ኣይኰንኩን ዝዛረብ ዘሎኹ። ግናኸ እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ እቲ እንጌራይ ዚበልዕ፡ ሸኰናኡ ኣባይ ኣልዓለ። ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም አሎኹ። ነቲ ዝለኣኽክዎ ዚቕበል ንኣይ ይቕበል። እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለአኸኒ እዩ ዚቕበል፡ ኢለ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። የሱስ እዚ ምስ በለ፡ ብመንፈሱ ጕህዩ፥ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ መስከረ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ መን ከም እተዛረበ ጠፊእዎም፡ ንሓድሕዶም ተጣማመቱ። ካብ ደቀ መዛሙርቱ ሓደ፡ እቲ የሱስ ዜፍቅሮ ዝነበረ፡ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጸጊዑ ኣብ መኣዲ ነበረ። ንእኡ ስምኦን ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ መን ይዛረብ ከም ዘሎ፡ ኪሐቶ ኣመልከቶ። እቲ ኣብ ኣፍ ልቢ የሱስ ተጐዝጕዙ ዘሎ ኸኣ፥ ጐይታይ፡ መን እዩ ንሱ፧ በሎ። የሱስ ከኣ፥ እቲ ኣነ ቝራስ እንጌራ ጸቢሔ ዝህቦ፡ ንሱ እዩ፡ ኢሉ መለሰ። ሽዑ ኸኣ ቍራስ እንጌራ ጸቢሑ ንይሁዳ፡ ወዲ ስምኦን ኣስቆሮታዊ፡ ሃቦ።

Translation | Context
ዮሃንስ 17:12 | 3 Helpful votes

ኣነ ምሳታቶም ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብስምካ ሐሎኽዎም፡ ነዞም ዝሀብካኒ ተኸናኸንክዎም። እቲ ጽሑፍ ምእንቲ ኺፍጸምሲ፡ ብዘይ እቲ ሓደ ወዲ ጥፍኣት ካባታቶም ዝጠፍኤ የልቦን።

Translation | Context
ማቴዎስ 27:3-5 | 2 Helpful votes

ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሐዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረአየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ። ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ።

Translation | Context
ማርቆስ 14:18-21 | 2 Helpful votes

ኣብ መኣዲ ተቐሚጦም ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ፥ ሓደ ኻባካትኩም፡ እቲ ምሳይ ዚበልዕ፡ ኬትሕዘኒ እዩ፡ ኢለ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በለ። ኪጕህዩ ጀመሩ፡ በብሓደ ኸኣ፡ ኣነ ደዀን እኸውን፧ በሉ። ንሱ ኸኣ በሎም፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ እዩ። ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈ፡ ይኸይድ። እቲ፡ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ፡ ምሔሾ ነይሩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 1:16 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኣሕዋተይ፡ ብዛዕባ እቲ ነቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ መራሕ መገዲ ዝዀኖም ይሁዳ፡ መንፈስ ቅዱስ ብኣፍ ዳዊት ቀደም ዝበላ ጽሕፈት ክትፍጸም ይግባእ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 18:2-5 | 2 Helpful votes

የሱስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ዀይኑ ብዙሕ ጊዜ ናብኣ ይኸይድ ስለ ዝነበረ፡ እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ነታ ቦታ እቲኣ ይፈልጣ ነበረ። ይሁዳ ነቶም ጭፍራ ሮማውያንን ንገላዉ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ተቐቢሉ፡ ፋናታትን መብራህትታትን ኣጽዋርን ሒዙ ወጸ። ሽዑ የሱስ ዚመጾ ዘበለ ፈሊጡ ወጸ እሞ፡ ንመን ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ንሳቶም፡ ንየሱስ ናዝሬታዊ፡ ኢሎም መለሱሉ። የሱስ ከኣ፡ ኣነ እየ፡ በሎም። እቲ ዜትሕዞ ይሁዳ ድማ ምሳታቶም ደው ኢሉ ነበረ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:47-50 | 2 Helpful votes

እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ። እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ፡ ኢሉ ምልክት ሀቦም። ብኡብኡ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ። የሱስ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሐዝዎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:27 | 2 Helpful votes

ድሕሪ እታ ቝራስ እንጌራ ኸኣ ሰይጣን ናብኡ ኣተወ። ሽዑ የሱስ፡ ነቲ እትገብሮ ቐልጢፍካ ግበሮ፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:21-25 | 2 Helpful votes

ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሀዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ኪብልዎ ጀመሩ። መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዜትሕዘኒ። ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ። እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ድማ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:70 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ማርቆስ 14:11 | 2 Helpful votes

ሰሚዖም ተሓጐሱ። ኣቕራሽ ኪህብዎ ኸኣ ኣውዐሉሉ። ንሱ ድማ ኣሕሊፉ ኺህቦም ምሹእ ጊዜ ይደሊ ነበረ።

Translation | Context
ዘካርያስ 11:12 | 2 Helpful votes

ኣነ ድማ፣ ነዒንትኹም ባህ እንተ ኣበለኩምሲ፣ ዋጋይ ሀቡኒ፣ እንተ ዘይኰነስ ሕደግዎ፣ በልክዎም። ንሳቶም ንዋጋይ ሰላሳ ብሩር መዘኑ።

Translation | Context
ሉቃስ 22:21-23 | 2 Helpful votes

ግናኸ ኢድ እቲ ዜትሕዘኒ ኣብ መኣዲ ምሳይ እንሃ። ወዲ ሰብሲ ኸምቲ እተመደበሉ ይኸይድ እዩ፡ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ግና ወይለኡ፡ በለ። ካባታቶም እቲ እዚኣ ዚገብር መን ምዃኑ ኸኣ፡ ንሓድሕዶም ኪማራመሩ ጀመሩ።

Translation | Context