Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

jewelry


1ይ ጢሞቴዎስ 2:9 | 15 Helpful votes

ኣንስቲውን ከምኡ ብስሩሕ ርእስን ብወርቂ ወይስ በዕናቝ ወይስ ብብዙሕ ዝዋጋኡ ኽዳውንቲ ዘይኰነስ፡ ብግቡእ ክዳውንትን ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስንን፡ ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለወን ኣንስቲ ኸም ዚግባእ፡ ብሰናይ ግብሪ ኺስለማ፡ እደሊ አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:3 | 12 Helpful votes

ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:4 | 10 Helpful votes

ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:28 | 9 Helpful votes

ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:1-6 | 7 Helpful votes

ኣትን ኣንስቲ፡ ገለ ነቲ ቓል ዘይእዘዙ እንተ አለዉ፡ ነቲ ፍርሃት ዘለዎ ንጹህ ኣኻይዳኽን ምስ ረአዩ፡ በኻይዳ ኣንስቶም ብዘይ ቃል ከም ረብሓ ዀይኖም ምእንቲ ኺርከቡስ፡ ከምኡ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። ስልማትክን እቲ ብሕቡእ ናይ ልቢ ሰብን ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝዀነ ለዋህን ህዱእን መንፈስ ይኹን እምበር፡ እቲ ናይ ስሩሕ ርእስን፡ ናይ ስልማት ወርቂ ምእሳርን፡ ናይ ዘጌጸ ኽዳውንቲ ምኽዳንን ኣፍኣዊ ነገር ኣይኹን። ቀደም ድማ እተን ተስፋኤን ናብ ኣምላኽ ዝገበራ ቅዱሳት ኣንስቲ፡ ንሰብኡተን እናተኣዘዛ፡ ከምዚ እየን እተሰለማ። ከምቲ ሳራ ንኣብርሃም ጐይታይ እናበለት እተኣዘዘቶ፡ ንስኻትክን ከኣ ሰናይ እንተ ገበርክን፡ ብሓደ ዜሰምብድ ነገርውን እንተ ዘይፈራህክንሲ፡ ኣዋልዳ ኢኽን።

Translation | Context
ህዝቅኤል 16:8-14 | 5 Helpful votes

ብኣኺ ሐሊፈ ርኤኹኺ፡ እንሆ፡ ኸኣ፡ ጊዜኺ፡ እቲ ጊዜ ፍትወት ነበረ። ዘፈር ክዳነይ ኣብ ልዕሌኺ ዘርጊሔ፡ ዕርቃንኪ ኸወልኩ። መሐልኩልኪ፡ ኺዳን ኣቶኹልኪ፡ ናተይውን ኰንኪ፡ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ። ብማይ ሐጸብኩኺ፣ ካብ ደምኪ ኣጽሬኹኺ፣ ብዘይቲ ድማ ቀባእኩኺ። ብወርቀዘቦ እተጠልፈ ኸደንኩኺ፣ ብቘርበት የባራረብ ሳእኒ ቐጻዕኩልኪ፣ ብሻሽ ኣዕጠቕኩኺ፣ ብሃሪውን ከደንኩኺ። ብስልማት ሰለምኩኺ፣ ኣብ ቀላጽምኪ ኣምባር፣ ኣብ ክሳድኪ ኸኣ ሕንጥልጥል ኣሰርኩልኪ። ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፣ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፣ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ። በዚ ኸምዚ ብወርቅን ብሩርን ተሰለምኪ፣ ሻሽን ሃርን መርግፍን ተወንዘፍኪ፣ ኵእኩእ ስርናይን መዓርን ዘይትን በላዕኪ። ኣዚኺ መልካዕኪ፣ ክሳዕ ንግስቲ ምዃን ከኣ በጻሕኪ። በቲ ኣነ ዝሰለሙክኺ ግርማ እቲ መልክዕኪ ፍጹም ኰይኑ እዩ እሞ፣ ብምኽንያቱ ወሬኺ ኣብ ማእከል ህዝብታት ወጸ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 3:16-24 | 4 Helpful votes

መሊሱ እግዚኣብሄር በለ፡ ኣዋልድ ጽዮን ኰሪዔን፡ ክሳውደን ገቲረን፡ በዒንተን ቅምጽ እናበላን ብግንትእ ዚብል ኣረጋግጻን ብሽዋሕዋሕ ዚብል ስልማት እግርን ይኸዳ ኣለዋ እሞ፡ እግዚኣብሄር ንናላ ኣዋልድ ጽዮን ኬንኲዖ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንሓፍረተን ኪቐልዖ እዩ። በታ መዓልቲ እቲኣ እግዚኣብሄር ንጌጽ ኣምባር እግርን ንጥሉፍ መጐልበብን ንሳንቃ ድርን ኪቕንጥጦ እዩ። ንዂትሻን ኣምባር ኢድን መጐልበብን፡ ንመጠምጠምያን ስጒሚ ኼሕጽር እተሰርሔ ሰንሰለትን ንቕናትን ቢልቃጥ ሽቱን ክታባውትን፡ ንቐለቤት ኣጻብዕን ቀለቤት ኣፍንጫን፡ ንኽዳውንቲ በዓልን ባርኖስን፡ ንመደረብታን ሕልሕሎን፡ ንመስትያትን ቅጭን ዓለባን ንጋማን መጐልበብን ኪቕንጥጦ እዩ። ኣብ ክንዲ ምኡዝ ሽቱ ጺእ ጨና፡ ኣብ ክንዲ ቕናት ከኣ ገመድ፡ ኣብ ክንዲ ጐተና ነዃዕ፡ ኣብ ክንዲ ባርኖስ ከኣ ከሊ፡ ኣብ ክንዲ ጽባቐ መልክዕውን ናይ ንዳድ በሰላ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 61:10 | 4 Helpful votes

ከምቲ ኣኽሊል ኣብ ርእሱ ዝደፍኤ መርዓዊ፡ ከምታ ብስልማት እተሰለመት መርዓት፡ እግዚኣብሄር ልብሲ ምድሓን ኣልቢሱኒ፡ ብመርግፍ ጽድቂውን ኣጐልቢቡኒ እዩ እሞ፡ ብእግዚኣብሄር ኣዝየ እሕጐስ፡ ነፍሰይ ብኣምላኸይ ባህ ይብላ አሎ።

Translation | Context
ዘዳግም 22:5 | 4 Helpful votes

ሰበይቲ ኽዳን ሰብኣይ ኣይትከደን፡ ሰብኣይ ከኣ ክዳን ሰበይቲ ኣይከደን፡ ከምዚ ዚገብር ዘበለ ኣብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ፍንፉን እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 33:5 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ በሎ፡ ንደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ተረርቲ ኽሳድ ህዝቢ ኢኹም። ኣነ ቅጽበት ዓይኒ ኣብ ማእከልካ እንተ ዝድይብ፡ ምወዳእኩኻ ነይረ፡ ሕጂ ኸኣ ንኣኻ እንታይ ከም ዝገብረካ ምእንቲ ኺፈልጥ፡ ስልማትካ ካባኻ ቀንጥጥ፡ በሎም።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 3 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 28:13-17 | 2 Helpful votes

ንስኻ ኣብ ኤደን ገነት እግዚኣብሄር ነበርካ። በብዝዓይነቱ ክቡር እምኒ ሰርድዮስ፡ ቶጳዝዮን፡ ከልቄዶን፡ ክሪሶሊት፡ ሰርዶንክስ፡ ያስጲስ፡ ሰፊሮስ፡ ክሪሶጵራስ፡ ስመራግዶስን ወርቅን ተኸዲንካ ነበርካ። እቲ ከበሮኻን ዕንዱርካን ምሳኻ ነበረ፡ በታ እተፈጠርካላ መዓልቲ ተዳለወ። ንስኻ ዜጽልል ቅቡእ ኪሩብ ነበርካ፣ ኣነ ኣብቲ ቅዱስ ከረን ኣምላኽ ኣስፈርኩኻ፣ ኣብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ተመላለስካ። ካብቲ እተፈጠርካላ መዓልቲ ጀሚርካ ኽሳዕ እቲ ኣበሳ እተረኸበካ ጊዜ ብመገድካ ፍጹም ነበርካ። ብብዝሒ ነግድኻ ውሽጥኻ ብዓመጻ መልኤ እሞ ሓጢኣት ገበርካ። ስለዚ፣ ኣታ እተጽልል ኪሩብ፣ ካብቲ ኸረን ኣምላኽ ከም ርኹስ ደርቤኹኻ፣ ካብ ማእከል እቲ ኣእማን ሓዊ ኸኣ ኣጥፋእኩኻ። ብምኽንያት መልክዕካ ልብኻ ተዐበየ፣ ብኽብረትካ ድማ ጥበብካ ኣባላሾኻ። ኣብ ምድሪ ጻሕ ኣበልኩኻ፣ ኪርእዩኻስ ኣብ ቅድሚ ነገስታት ወፌኹኻ።

Translation | Context
ሉቃስ 15:22 | 2 Helpful votes

ኣቦኡ ግና ንባሮቱ፥ ብሉጽ ክዳን ኣምጺእኩም ክደንዎ፡ ቀለቤት ኣብ ኣጻብዑ፡ ኣሳእንውን ኣብ ኣእጋሩ ኣእትዉሉ።

Translation | Context
ዳንኤል 5:29 | 2 Helpful votes

ሽዑ ቤልሻጽር ንዳንኤል ቀይሕ ሃሪ ኪኸድንዎ፣ ኣብ ክሳዱ ኸኣ ድሪ ወርቂ ኺኣስሩሉ ኣዘዘ፣ ኣብታ መንግስቲ ሳልሳይ ገዛኢ ኪኸውን ድማ ኣዋጅ ኣንገረሉ።

Translation | Context