Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

jesus sacrifice


ዮሃንስ 3:16 | 8 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:2 | 5 Helpful votes

ንሱ ድማ ብናይ ሓጢኣትና መተዓረቒ እዩ፡ ብናይ ሓጢኣት ኵላ ዓለም ድማ እዩ እምበር፡ ብናይ ሓጢኣትና ጥራይ ኣይኰነን።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 3 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:5 | 3 Helpful votes

ማለት፥ ኣምላኽ ሓደ በይኑ እዩ እሞ እቲ ኣብ መንጎ ኣምላኽን ሰብን ዘሎ ማእከላይውን፡ እቲ ሰብ፡ ክርስቶስ የሱስ፡ ሓደ በይኑ እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 9:12 | 3 Helpful votes

ብደም ድቤላታትን ምራኹትን ዘይኰነስ፡ ብደም ርእሱ ናይ ዘለኣለም ምድሓን ረኺቡ ሓደ ጊዜ ናብቲ መቕደስ አተወ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።

Translation | Context
ፊልጲ 2:6-8 | 2 Helpful votes

ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ኸም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ ርእሱ ኣሕሰረ፡ ሰብውን መሰለ፡ ብንብረቱ ኸም ሰብ ኰይኑ ተረኸበ። ርእሱ ኽሳዕ ሞት ኣትሐተ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ ደኣ ተኣዘዘ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:14 | 2 Helpful votes

እቲ ቓል ስጋ ዀነ፡ ጸጋን ሓቅን መሊእዎ ኸኣ ኣባና ሐደረ። ክብረቱ ድማ ከም ክብሪ ናይቲ ሓደ ወዲ ነቦኡ ርኤና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 53:1-12 | 2 Helpful votes

ነዚ ምስክርና መን ኣመኖ፧ ቅልጽም እግዚኣብሄርከ ንመን ተጋህደሉ፧ ኣብ ቅድሚኡ ኸም ጨንፈርን ከምቲ ኻብ ንቑጽ ምድሪ ዚወጽእ ሱርን ጨብጨበ። መልክዕን ውቃበን ኣይነበሮን፡ ምስ ርኤናዮ፡ ዜብህገና ትርኢት ኣይነበሮን። ንዑቕን ብሰብ ድርቡይን እዩ፡ ብዓል ስቓይ፡ ብሕማም ልዱይ፡ ከምቲ ኣብ ቅድሚኡ ገጾም ዚጒልብቡሉ ሰብ እተዋረደ እዩ፡ ንሕናውን ገለ እኳ ኣየቋጾርናዮን። ብሓቂ ንሱ ንሕማምና ጾሮ፡ ንስቓይና ኸኣ ኣብ ነፍሱ ጸዐኖ፡ ንሕና ግና ከም እተወቕዔን ብእግዚኣብሄር ከም እተቐዝፈን ከም እተዋረደን ጌርና ኣቋጸርናዮ። ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቘሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና። ኲላትና ኸም ኣባጊዕ ተባረርና፡ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መገዱ ዘምበለ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ኣበሳ ዂላትና ኣብኡ ኣውደቖ። መከራ ጸገበ፡ ርእሱ ኣዋረደ ኣፉውን ኣይከፈተን። ከምቲ ናብ ማሕረዲ ዚኽብከብ ገንሸል፡ ከምታ ኣብ ቅድሚ መቀዝታ ስቕ እትብል በጊዕ ኣፉ ኣይከፈተን። ካብ ጥቕዓትን ፍርድን ተወስደ፡ ካብ ምድሪ ህያዋን ከም እተቘርጾ፡ ካብቶም ወለዶኡ መን ሐሰቦ፧ ብምኽንያት ገበን ህዝበይ ተቐዝፈ። እከይ ዘይገበረ፡ ሓሶት ከኣ ኣብ ኣፉ ዘይተረኽበ ኽነሱስ፡ መቓብሩ ምስ ረሲኣን ገበሩ፡ ብሞቱ ግና ምስ ሃብታም ኰነ። እግዚኣብሄር ግና ብመከራ ኺሕምሽሾ ፈተወ። ነፍሱ ንመስዋእቲ ሓጢኣት ምስ ወፈያ፡ ዘርኢ ኺርኢ፡ መዓልትታቱ ኼንውሕ እዩ፡ ፍቓድ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ ኢዱ ኺሰልጥ እዩ። ጻማ ነፍሱ ኺርኢ ኺጸግብውን እዩ። እቲ ጻድቕ ባርያ ብፍልጠቱ ንብዙሓት ኬጽድቕ፡ ኣበሳኦም ድማ ባዕሉ ኺጸውር እዩ። ነፍሱ ንሞት ስለ ዝወፈያ፡ ምስ በደለኛታት ከኣ ስለ እተቘጽረ፡ ስለዚ ግዲኡ ምስ ዓበይቲ ኽመቕሎ እየ፡ ምርኮውን ምስ ሓያላት ኪመቅል እዩ። ግናኸ ሓጢኣት ብዙሓት ጾረ፡ ምእንቲ በደለኛታት ከኣ ለመነ።

Translation | Context