Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

1 bible verses about

jesus calms the storm


ማርቆስ 4:35-41 | 2 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ምድሪ ምስ መሰየ፡ ናብ ማዕዶ ንሳገር፡ በሎም። ነቶም ህዝቢ ኣፋንዮም ድማ፡ ንእኡ ኸምታ ዘለዋ ምሳታቶም ብጃልባ ወሰድዎ። ካልኦት ጃላቡ ኸኣ ምስኡ ነበራ። ህቦብላ ብርቱዕ ንፋስን ድማ ዀነ፡ እታ ጃልባ ኽሳዕ እትመልእ፡ ማዕበል ናብታ ጃልባ ኣተወ። ንሱ ኸኣ ብወገን ድሕሪት እታ ጃልባ ተተርኢሱ ደቂሱ ነበረ። ኣተንሲኦም ድማ፡ መምህር፡ ክንጠድፍእዶ ግድና የብልካን፧ በልዎ። ተንሲኡ ንንፋስ ገንሖ፡ ንባሕሪ ድማ፡ ስቕ በሊ፡ ህድኢ በላ። እቲ ንፋስ ዝግ በለ፡ ዓብዪ ህድኣትውን ኰነ። ንሱ ኸኣ፡ ስለምንታይ እዩ ኸምዚ ዝፈራህኩም፧ ከመይ፡ እምነትዶ የብልኩምን፡ በሎም። ኣዝዮም ፈርሁ ንሓድሕዶምውን፡ እዚ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ መን ኰን እዩ፧ ተባሃሀሉ።

Translation | Context