Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

jesus blood


ማቴዎስ 26:28 | 7 Helpful votes

ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ።

Translation | Context
እብራውያን 9:14 | 5 Helpful votes

ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።

Translation | Context
እብራውያን 9:22 | 5 Helpful votes

ከምቲ ሕጊ ኣስታት ኵሉ ብደም እዩ ዚጸሪ፡ ብዘይ ምፍሳስ ደምውን ይቕሬታ ኣይከውንን እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:24 | 4 Helpful votes

ንሓጢኣት መዊትናስ ንጽድቂ ምእንቲ ኽንነብር፡ ንሱ ባዕሉ ንሓጢኣትና ኣብ ስጋኡ ኣብ ዕጨይቲ ጾሮ፡ ብቝስሉ ኢኹም ዝሐዌኹም።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:7 | 4 Helpful votes

ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:7-9 | 4 Helpful votes

ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ። ሓጢኣት የብልናን፡ እንተ በልና፡ ንርእስና ንጥብራ አሎና፡ እታ ሓቂውን ኣባና የላን። ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:7 | 3 Helpful votes

ብእኡ ብደሙ ምድሓን፡ ማለት፡ ከምቲ ሃብቲ ጻጋኡ ሕድገት ሓጢኣት አሎና።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:50-71 | 3 Helpful votes

ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:20 | 3 Helpful votes

ብዋጋ ተዐዲግኩም ኢኹም እሞ፡ ስጋኹም ቤተ መቕደስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ፡ ካብ ኣምላኽ እተቐበልኩምዎ መንፈስ ቅዱስ ምዃኑ፡ ናይ ርእስኹምውን ከም ዘይኰንኩምዶ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ስለዚ ብስጋኹም ንኣምላኽ ኣኽብርዎ።

Translation | Context
ሮሜ 8:1 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ሕጂ ነቶም ብክርስቶስ የሱስ ዘለዉ ዂነኔ የብሎምን።

Translation | Context
ራእይ 12:11 | 3 Helpful votes

ሳላ ደም እቲ ገንሸልን ሳላ እቲ ቓል ምስክሮምን ድማ ሰዐርዎ፡ ንህይወቶምውን ክሳዕ ሞት ኣየፍቀርዋን።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:53 | 3 Helpful votes

የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:13 | 2 Helpful votes

ሕጂ ግና፡ ኣቱም ቀደም ርሑቓት ዝነበርኩም፡ ንስኻትኩም ብክርስቶስ የሱስ ብደም ክርስቶስ ቀረብኩም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 20:28 | 2 Helpful votes

ስለዚ ንርእስኹምን ነታ ብገዛእ ደሙ ዘጥረያ ማሕበር ጐይታን ክትጓስዩ፡ መንፈስ ቅዱስ ኤጲስቆጶሳት ገይሩ ኣብኣ ዝሸመኩም ኲሉ መጓሰ ሐልዉ።

Translation | Context
ቈሎሴ 1:20 | 2 Helpful votes

ብእኡ ብደም መስቀሉ ገይሩ ሰላም ምስ ገበረ ኸኣ፡ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎን ኣብ ሰማያት ዘሎን ዘበለ ዅሉ ንርእሱ ተዓሪቕዎ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 7:14 | 2 Helpful votes

ኣነውን፡ ጐይታይ፡ ንስኻ ትፈልጥ፡ በልክዎ። ንሱ ኸኣ፡ እዚኣቶም ካብቲ ብርቱዕ ጸበባ ዝመጹ እዮም፡ ንኽዳውንቶም ከኣ ብደም እቲ ገንሸል ሐጺቦም ኣጻዕደዉ፡

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:2 | 2 Helpful votes

ከምቲ ናይ ቀደም ፍልጠት እግዚኣብሄር ኣቦና ብቕድስና መንፈስ ንምእዛዝን ብደም የሱስ ክርስቶስን ንምንጻግን ጸጋን ሰላምን ኣባኻትኩም ይብዛሕ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:8 | 2 Helpful votes

እቶም ዚምስክሩ ኸኣ መንፈስን ማይን ደምን፡ ሰለስተ እዮም እሞ፡ ሰለስቲኦም ሓደ እዮም።

Translation | Context